ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/4 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንኣጋንንቲ ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/4 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ሰብ ኣጋንንቲ ብዜውርድዎ መጥቃዕትታት ዚሽገር እንተደኣ ዀይኑ: ካብዚ ንምንጋፍ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

እቶም ብሰሪ መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ዚሽገሩ ሰባት: ካብዚ ናጻ ኺወጹ ኸም ዚኽእሉ ቓል ኣምላኽ ይሕብረና። ከምዚ ዝበለ ናጽነት ንምርካብ ድማ ጸሎት ዓብዪ ተራ ኣለዎ። (ማርቆስ 9:25-29) ይኹን እምበር: እቲ ብኣጋንንቲ ዚሽገር ዘሎ ሰብ ተወሳኺ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝፈጸምዎ ነገራት: እንታይ ተወሳኺ ስጕምትታት ኪውሰድ ከም ዘለዎ ዜርኢ እዩ።

እቶም ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበሩ ሰባት: ሰዓብቲ ክርስቶስ ቅድሚ ምዃኖም ኣጋንንታዊ ተግባራት ይፍጽሙ ነበሩ። ንኣምላኸ ኬገልግሉ ምስ ወሰኑ ግን: “መጻሕፍቶም አኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሓደስቲ ኣመንቲ: ንዅሉ እቲ ምስ ጥንቈላ ዚተሓሓዝ መጻሕፍቶም ብምጥፋእ: ኣብዚ እዋን እዚ ንርእሱ ኻብ መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ናጻ ኺገብር ንዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብነት ገዲፎምሉ እዮም። እቶም ብመጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ዚሽገሩ ሰባት ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ንብረት ምጥፋኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ፊልምታት: ብኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ዚመሓላለፍ ነገራት: ኣጋንንታዊ መልእኽቲ ዘለዎ ሙዚቃ: ክታብ ወይ ከኣ ካልእ “ዕቝባ” ንምርካብ ኢልካ ዚእሰር ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ነገራት ዘጠቓለለ እዩ።—ዘዳግም 7:25, 26፣ 1 ቈረንቶስ 10:21

እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ምስ ኣንደድዎ: ድሕሪ ሒደት ዓመታት: ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ቕልስና ምስ . . . መናፍስቲ እከይ” እዩ ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:12) ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ኢሉ ድማ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 6:11) እዚ ማዕዳ እዚ ሕጂውን እንተዀነ ይዓዪ እዩ። ክርስትያናት በቶም መናፍስቲ እከይ ዚወርዶም መጥቃዕቲ ንኺምክትዎ: ነቲ መንፈሳዊ መከላኸሊኦም ኬደልድልዎ ኣለዎም። ጳውሎስ “ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” ብምባል ነዚ ኣጕልሖ። (ኤፌሶን 6:16) ሓደ ሰብ ንእምነቱ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜደልድላ። (ሮሜ 10:17፣ ቈሎሴ 2:6, 7) ስለዚ: እቲ ወትሩ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ልክዕ ከም ዕርዲ ዀይና ኸተዕቝበና እትኽእል እምነት ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 91:4፣ 1 ዮሃንስ 5:5

እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣድልይዎም ነበረ። ጳውሎስ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ [ጸልዩ]” ብምባል ነገሮም። (ኤፌሶን 6:18) እወ: እቶም ካብ መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ሓራ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት: ዕቝባ የሆዋ ንኺረኽቡ ናብኡ ኣበርቲዖም ምጽላዮም ኣድላዪ እዩ። (ምሳሌ 18:10፣ ማቴዎስ 6:13፣ 1 ዮሃንስ 5:18, 19) መጽሓፍ ቅዱስ “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ምባሉ እምበኣር ዚግባእ እዩ።—ያእቆብ 4:7

እቲ ብኣጋንንቲ መጥቃዕቲ ዚወርዶ ዘሎ ሰብ ካብዚ ንኺናገፍ ካብ ልቡ ኺጽሊ ዚግብኦ እኳ እንተዀነ: ካልኦት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኣብ ክንዲ እዚ ንየሆዋ ንምግልጋል ዓሚቝ ባህጊ ዘለዎን ምስ እዞም እኩያት መናፍስቲ ዚቃለስ ዘሎን ሰብ ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ኣጋንንቲ መጥቃዕትታት ዚወርዶ ዘሎ ሰብ: ነዚ ንኺጻወሮ ዜኽእሎ መንፈሳዊ ብርታዐ ንኺረክብ ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩሉ ይኽእሉ እዮም። ቃል ኣምላኽ “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” ስለ ዚብል: እቲ ብኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝጽለ ጸሎት ነዞም መጥቃዕትታት እናወረዶም ክነሱ ‘ንድያብሎስ ንምጽራር’ ዝከኣሎም ዚገብሩ ዘለዉ ሰባት ብርግጽ ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:16

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም ኣንደድዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ