ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/8 ገጽ 3-4
  • ሰብኣዊ ኽብረት ብዙሕ ግዜ ዚጠሓስ መሰል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰብኣዊ ኽብረት ብዙሕ ግዜ ዚጠሓስ መሰል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰብኣዊ ኽብረት እንታይ እዩ፧
  • ክብረቶም ትሕልወሎም ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሰብኣዊ ኽብረት ንዅሉ ኺሕለወሉ ይኽእል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ካብ ክዳውንቲ ኻህናት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/8 ገጽ 3-4

ሰብኣዊ ኽብረት ብዙሕ ግዜ ዚጠሓስ መሰል

“ኵሉ እቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደምበ ዝነበረ ህይወት ዚገልጽ ዝርዝር ነገራት: ናብ ውርደትን ሕስረትን ዜውርድ እዩ ነይሩ።”—ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ዝነበረት ማግዳሌና ኩሰሮው ሮይተር

ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ እተፈጸመ ግፍዒ ዜስካሕክሕ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኽብረት ዚወርድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ግን መጀመርታ ዀነ መወዳእታ ኣይኰነን ነይሩ። ስለዚ: ነቲ ዝሓለፈ ይኹን ነዚ ህሉው ኵነታት እንተ መርሚርና: እዚ “ናብ ውርደትን ሕስረትን ዜውርድ” ተግባር ነዊሕ ምዃኑ ኢና እንድምድም።

ይኹን እምበር: ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብረት: ኣብቲ ንታሪኽ ወድሰብ ዘበላሸዎ ባርባራዊ ተግባራት እተደረተ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ ብኻልእ ረቂቕ መገዲ እውን ክብረት ይጠሓስ እዩ። ብሰንኪ ኣካላዊ ትርኢቱ ላግጺ ዚወርዶ ቘልዓ እሞ ሕሰብ። ወይ ድማ ስደተኛ ብሰሪ ገሊኡ “ባዕዳዊ” ባህሉ መስሓቕ ሰብ ኪኸውን ኸሎ ኸኣ እሞ ሕሰቦ። ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ሕብሪ ቘርበቱ ወይ ዜግነቱ ኣድልዎ ዚወርዶ እውን ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ነዚ ዚፍጽሙ ሰባት ነቲ ጕዳይ ከም ዋዛ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ: ኣብ ልዕሊ እቶም ዚዋረዱ ዘለዉ ሰባት ዜሕድሮ ስቓይን ውርደትን ግን ዜስሕቕ ኣይኰነን።—ምሳሌ 26:18, 19

ሰብኣዊ ኽብረት እንታይ እዩ፧

ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነዛ ኽብረት እትብል ቃል “ዓቢ ግምት፤ ተሓፋርነት፤ ምዕራገ፤ ተፈራህነት፤ መዓርግ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ስለዚ: ሰብኣዊ ኽብረት ንርእስና ዘሎና ኣረኣእያን ካልኦት ሰባት ንዓና ዚሕዙሉ መገድን ዘጠቓለለ እዩ። ዋላኳ ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ስምዒታት ዚጸሉ እተፈላለየ ረቓሒታት እንተሎ: ካልኦት ሰባት ንዓና ዚርእዩሉ ወይ ዚሕዙሉ መገዲ ግን ነቲ መዓልታዊ ንርእስና እንህቦ ዋጋ ይጸልዎ እዩ።

ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ድኻን ረዳኢ ዘይብሉን ተኣፋፍን ዝሓቘፈ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ግን ናይ ሓደ ሰብ ክብረት ይንክዮ እዩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ገለ ሰባት ኣረኣእያን ምላሽን እዩ ንኽብረት ሓደ ሰብ ዚንክዮ። እቲ ዜሕዝን ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዚርከቡ ሰባት እዮም መሰል ሰብኣዊ ኽብረቶም ዚጕሰ ወይ ዚርገጽ። ስለዚ ድማ ኢና ወትሩ ኣረጋውያን: ነዳያት: ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ኺግበረሎም ከሎ: “ዘይረብሕ:” “ንዑቕ:” ከምኡውን “ውርደተኛ” ዚብል ቃላት እንሰምዕ።

ሰባት ንኻልኦት ዜዋርዱ ስለምንታይ እዮም፧ እቲ መሰረታዊ መሰል ሰብኣዊ ኽብረት ይፍጸም ደዀን ይኸውን፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ኽትህብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ