ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/5 ገጽ 3-4
  • ከቢድን ዘይርሳዕን ሓዘን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከቢድን ዘይርሳዕን ሓዘን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምሪሮም ዚሓዝኑ ስለምንታይ እዮም፧
  • “እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ” ዚህቦ ሓገዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣቱም መንእሰያት ንልቢ ወለድኹም ትትንክፉ ኢኹም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/5 ገጽ 3-4

ከቢድን ዘይርሳዕን ሓዘን

ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓደ ተመራማሪ: እቶም ብምኽንያት ሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ኣብ ሓዘን ዚርከቡ ሰባት: ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ዘለዎም ስምዒት እንታይ ምዃኑ ኺፈልጥ ደለየ። ዓመታት ይገብር ደቆም ንዝሞትዎም ሓያሎ ወለዲ እተፈላለየ ሕቶታት ለኣኸሎም። ንሕቶታቱ ዝመለሱሉ ግን ኵሎም ኣይኰኑን። ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ወዱ ዝሞቶ ቭላድሚር: ብዛዕባ ወዱ ኺዛረብ ከም ዜሸግሮ ገለጸ።a

ውሉዳት ዝሞትዎም ወለዲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይርሳዕ ሓዘን ኬሕልፉ ልሙድ እዩ። ዓሰርተ ዓመት ይገብር ወዲ 18 ዓመት ውላዱ ኣብ ማይ ጥሒሉ ዝሞቶ ዊልያም “ሓዘነይ ኣይወጸለይን: ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸኣ ኣይወጽእን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዘይተሓስበ ሕማም ወዳ ዝሞታ ሉሲ: ድሕሪ ሞቱ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሓ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት: ‘ሓቂ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ሕማቕ ሕልሚ ዝሓልም ዘለኹ እሞ ጸኒሐ ኸም ዝበራበር ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜያት ግን እቲ ሞት ሓቂ ምዃኑ: ወደይ ንገዛ ኸም ዘይምለስ ክግንዘብ ጀመርኩ። ሓሙሽተ ዓመት ይገብር እኳ እንተ ሞተ: ሓድሓደ ግዜ በይነይ ኪኸውን ከሎኹ እበኽየሉ እየ።”

ከም ቭላድሚር: ዊልያም: ሉሲ ዝኣመሰሉ ውሉዳት ዝሞትዎም ወለዲ ኣዝዩ ኸቢድን ዘይርሳዕን ሓዘን ዜሕልፉ ስለምንታይ እዮም፧ ገለ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ኣምሪሮም ዚሓዝኑ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ስድራቤት ሕጻን ምስ ተወልደ: ወለዲ ኣብ ካልእ ሰብኣዊ ርክባት ዘይረኽብዎ ስምዒት እዩ ዚስምዖም። ኪሓቝፍዎ ኸለዉ: ከምኡውን ኪድቅስ ከሎ ዀነ ፍሽኽ ኪብል ከሎ ኺርእይዎ ኸለዉ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዜምጽኣሎም። ፈቃራት ወለዲ ንደቆም ይሕብሕብዎም እዮም። ኣደብን ስርዓትን ኪገብሩ ኸኣ የሰልጥንዎም። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 11) እቶም ቈልዑ ነዚ ጻዕርታት እዚ ምላሽ እናሃቡ ኪኸዱ ኸለዉ: ወለዲ ይሕበኑሎም: ካልእ ትጽቢት ከኣ ይገብሩሉም።

ሓለይቲ ወለዲ ንደቆም ዜድልዮም ንኼማልኡሎም ላዕልን ታሕትን እዮም ዚብሉ። ደቆም ሓዳሮም ኪወጹ ኸለዉ ንኺሕግዝዎም ድማ ገንዘብ ወይ ንዋት ብብግዜኡ የዋህልሉሎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 12:14) እቲ ወለዲ ኣብ ውሉዳቶም ዜውዕልዎ ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ማለት ስምዒት: ግዜ: ጻዕሪ: ገንዘብ ኪጽብጸብ ከሎ: ወለዲ ንውሉዳቶም ዜዕብይዎም ንኺነብሩ ኢሎም ደኣ እምበር ንኺሞቱ ኢሎም ከም ዘይኰነ ኢና እንድምድም። ቈልዓ ኺመውት ከሎ እቲ ንምዕባዩ ኢልካ ዚግበር ጻዕሪ ይዅለፍ: እቲ ወለዲ ኣብ ውሉዶም ዝነበሮም ተስፋታት ከኣ ይጠፍእ። እቲ ኻብ ወለዲ ናብ ውሉድ ዚውሕዝ ፍቕርን ምቅርራብን ብቐጽሪ ሞት ይዕገት። እቲ ወዶም ወይ ጓሎም ኣብ ልቦም ሒዝዎ ዝነበሮ ቦታ ጥርሑ ይተርፍ። እቶም ወለዲ ብቐሊሉ ዘይድበስ ከቢድ ሓዘን ይሓዝኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ውሉዳት ዝሞትዎም ወለዲ ኸቢድን ዘይድበስን ሓዘን ከም ዚሓዝኑ ይነግረና እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ወዱ ዮሴፍ ከም እተቐትለ ምስ ተነግሮ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዐጥቀ: ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ። ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ አበየ: ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ: ድማ በለ።” ያእቆብ ዓመታት ምስ ሓለፈ እውን ገና በቲ ኸም ዝሞተ ገይሩ ዝሓሰቦ ወዱ ይሓዝን ነበረ። (ዘፍጥረት 37:34, 35፣ 42:36-38) ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቐሰ ኣብነት ከኣ እታ ብሞት ክልተ ደቃ ሓዚና ዝነበረት ናእሚ ዝስማ እምንቲ ሰበይቲ እያ። ኣዝያ ሓዚና ስለ ዝነበረት: ስማ ኻብቲ “ደስታይ” ዝትርጕሙ ናእሚ: ናብቲ “መሪር” ዝትርጕሙ ማራ ኪቕየረላ ደለየት።—ሩት 1:3-5, 20, 21

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ዘጋጠሞም ሓዘን ጥራይ ኣይኰነን ዚነግረና። የሆዋ ንሓዘንተኛታት ብኸመይ ብርታዐ ኸም ዚህቦም እውን ይሕብረና እዩ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ: ኣምላኽ ንሓዘንተኛታት ምጽንናዕ ዚህበሉ ገለ መገድታት ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ