ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/6 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/6 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ምሳሌ 22:6 ክርስትያን ቈልዑ ግቡእ ስልጠና እንተ ደኣ ተዋሂብዎም: ካብ መገዲ የሆዋ ፈጺሞም ከም ዘየልግሱ ውሕስነት ትህብዶ እያ፧

እታ ጥቕሲ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል። ልክዕ ከምቲ ሓደ ውልዶ ተኽሊ ምስ ዚጕብጥ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ ንቕርጺ እቲ ኦም ዚትንክፎ: ግቡእ ስልጠና እተዋህቦም ቈልዑ እውን ምስ ዓበዩ ብዝያዳ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ዝንባለ ይህልዎም። ኵሉ ወላዲ ኸም ዚፈልጦ: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና እኹል ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ወለዲ ንደቆም ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብርዎም: ብጥንቃቐ ኺመርሕዎም: ኪምዕድዎም: ኬተባብዖዎም: ኪግስጽዎም: ከምኡውን ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎም ይግባእ። ነዚ ድማ ብቐጻልን ብፍቕርን ንሓያሎ ዓመታት ኪገብርዎ ይግባእ።

እዚ ኺበሃል ከሎ ግን ሓደ ቘልዓ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ደኣ ኣቋሪጹ: ወለዲ ብግቡእ ኣየሰልጠንዎን ማለት ድዩ፧ ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ንደቆም ብናይ የሆዋ ተግሳጽን ምዕዶም ንኼዕብይዎም ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ጕድለት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 6:4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ እተጠቕሰት ምስላ: ጽቡቕ ስልጠና ምሃብ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ውሉዳት ከም ዜፍሪ ውሕስነት ኣይትህበናን እያ። ወለዲ ንደቆም በቲ ዝደለይዎ መገዲ ገይሮም ኪቐርጽዎም ኣይክእሉን እዮም። ቈልዑ ልክዕ ከም ዓበይቲ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም: ምስ ዓበዩ ኣብ ህይወቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ኣለዎም። (ዘዳግም 30:15, 16, 19) ወለዲ ንውሉዳቶም ንምሕጋዝ ልባዊ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ገሊኦም ቈልዑ ልክዕ ከምቲ ነዛ እንምርምራ ዘለና ጥቕሲ ዝጸሓፈ ሰሎሞን: ዘይእሙናት ይዀኑ እዮም። የሆዋ እውን ከይተረፈ ዘይእሙናት ደቂ ነይሮምዎ እዮም።

ስለዚ እምበኣር: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዅሉ ሳዕ ሓደ ቈልዓ “ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ማለት ዘይኰነትስ: ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ፍሪኡ ኸምኡ እዩ ዚኸውን ማለት እያ። ኣየ እዝስ ንወለዲ ኽንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ወለዲ ንውሉዳት ብመገዲ የሆዋ ንኼዕብይዎም ልባዊ ጻዕሪ እንተ ደኣ ገይሮም: ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚህልዎ ብምፍላጥ ኪተባብዑ ይግባእ። ኣገዳሲ ግደን ብርቱዕ ጽልዋን ስለ ዘለዎም ከኣ ንሓላፍነቶም ኣኽቢዶም ንኺርእይዎ ይተባብዑ።—ዘዳግም 6:6, 7

ሽሕኳ ቘልዑ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ኣቋረጹ: ንውሉዳቶም ተጠንቂቖም ዘሰልጠኑ ወለዲ: ደቆም ናብ ልቦም ንኺምለሱ ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሓያል እዩ: እቲ ወለዲ ዚህብዎ ስልጠና ኸኣ ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኰነን።—መዝሙር 19:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ