“ብቛንቋ እኳ እንተ ተፈላለና: ብፍቕሪ ሓደ ዀንና”
ድሕነት። ሓርነት። ሰባት ንዘመናት ካብ ጾሮምን ጭንቆምን ዕረፍቲ ዚረኽቡሉ ግዜ ብሃረርታ ኺጽበዩ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ጸገማት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ካብዚ እንድሕነሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ ዚመጽእ እንተ ዀይኑኸ: ብኸመይ፧
እቲ ኣብ ግንቦት 2006 ዝጀመረ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወደበ ሰለስተ መዓልቲ ዚወስድ ኣኼባታት ኣውራጃ: ኣብዚ ርእሰ ነገር እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ፍረ ነገር እቲ ኣኼባ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዚብል ነበረ።
ኣብ ትሽዓተ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ: ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ኣሽሓት ልኡኻት ተኣኪቦም እዮም። እዚ ድማ ኣብ ሓምለን ነሓሰን 2006 ኣብ ፕራግ: ርእሲ ኸተማ ሪፓብሊክ ቸክ፣ ኣብ ብራቲስላቫ: ርእሲ ኸተማ ስሎቫክያ፣ ኣብ ኮዡቭን ፖዝናንን: ፖላንድ፣a ከምኡውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ጀርመን: ማለት ኣብ ዶርትሙንድ: ፍራንክፈርት: ሃምቡርግ: ለብሲግ: ሙኒክ እተገብረ እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ እተኣከቡ ብድምር ልዕሊ 313,000 እዮም።
ኣብቲ ኣኼባታት እንታይ ዓይነት መንፈስ ሰፊኑ ነበረ፧ ብዛዕባኡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንታይ ጸብጻብ ተዋህበ፧ እቶም ተኣከብቲ ኣብኡ ድሕሪ ምእካቦምከ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧
ምድላዋት
እቶም ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹን ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ መንፈሳዊ ኣኼባታት ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ኪኸውን ምዃኑ ብርቱዕ ትጽቢት ነይርዎም እዩ። ነቶም ልኡኻት ብቑዕ መሕደሪ ምድላው ዓብዪ ዕዮ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ኮዡቭ እተገብረ ኣኼባ: ኣብ ፖላንድ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዳርጋ 13,000 ካብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ ቤቶም ተቐቢሎምዎም እዮም። ናብቲ ኣኼባ ኻብ ሊትወይንያ: ላትቭያ: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ሞልዶቫ: ሩስያ: በላሩስ: ቱርክመኒስታን: ታጂክስታን: ኡዝበኪስታን: ኣርመንያ: ኤስቶንያ: ኪርግዝስታን: ካዛክስታን: ዩክረይን: ጆርጅያ ልኡኻት መጺኦም ነይሮም።
ብዙሓት ልኡኻት ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ነቲ ጕዕዞኦም ምድላዋት ኪገብሩ ነበሮም። ታትያና እትበሃል ኣብ ካምቻትካ ጥቓ ሰሜናዊ ምብራቕ ጃፓን ዚርከብ ሓውሲ ደሴት ሩስያ እትነብር ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት: ነቲ መገሻ ዚዀና ገንዘብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዚኸውን ከተዋህልል ጀመረት። ኣስታት 10,500 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ክትጐዓዝ ነበራ። ፈለማ: ን5 ሰዓት ብነፋሪት በረረት: ድሕሪኡ ንዳርጋ ሰለስተ መዓልቲ ብባቡር ተጓዕዘት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኮዡቭ ንምብጻሕ ን30 ሰዓት ብኣውቶቡስ ተጓዕዘት።
ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ኣብቲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ነቲ ስታድዩማትን ከባቢኡን ንኣምልኾ ብቑዕ ንምግባር እተገብረ ዕዮ ተሳቲፎም እዮም። (ዘዳግም 23:14) ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: ኣብ ለፕሲግ እቶም ኣብታ ኸተማ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ስታድዩም ጽቡቕ ገይሮም ኣጽረይዎ: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኸምኡ ንምግባር ድማ ተመባጽዑ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: ነቲ ስታድዩም ዜካይድዎ ሰበ-ስልጣን ኣብቲ ውዕል ክራይ ዚርከብ ንጽሬት ዚግበር ወጻኢታት ተባሂሉ ዚሕሰብ ብዙሕ ክፍሊት ሰረዝዎ።
ዕድመታት
ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ነዚ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባታት ኣውራጃ ንምፍላጥ ሰፊሕ ዕዮ ፈጺመን እየን። እቶም ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባታት እተኻፈሉ ውልቀ-ሰባት እውን ኣብዚ ወፈራ እዚ ብውዕዉዕ ስምዒት ተሳቲፎም እዮም። ክሳዕ እታ ድሮ እቲ ኣኼባ ዝጀመረላ ምሸት: ነቲ ኣኼባ የፋልጡ ነበሩ። እቲ ቕንኣቶም ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩዶ፧
ሓደ ቦግዳን ዚበሃል ፖላንዳዊ ናይ የሆዋ ምስክር: ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተራኸበ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ናብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኪኸይድ ከም ዚደሊ: ግን ከኣ እታ ዚረኽባ ሒደት መልዕሎ: ናብታ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮዡቭ ኪኸይድ ከም ዘይተኽእሎ ሓበሮ። እታ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ እተዀናተረታ ኣውቶቡስ ሓንቲ ዘይተታሕዘት ኮፍ መበሊት ነበረት። ቦግዳን ነቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ኼዘንቱ ኸሎ: “ነቲ ሰብኣይ ሰዓት 5:30 ንግሆ ኣብቲ እንነቕለሉ ቦታ እንተ መጺኡ ብዘይ ክፍሊት ምሳና ኪኸይድ ከም ዚኽእል ነገርናዮ” በለ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ዕድመ ተቐቢሉ ኣብቲ ኣኼባ ተኣከበ። ጸኒሑ ናብቶም ኣሕዋት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ: “ኣብዚ ኣኼባ እዚ ድሕሪ ምክፋለይ: ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውን ቈሪጸ ኣለኹ” በለ።
ኣብ ፕራግ ኣብ ሓደ ኣብቲ ኻብ ብሪጣንያ ዝመጹ ልኡኻት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሓድሩሉ ዝነበሩ ሆቴላት ዝነበረ ሰብኣይ: ነቶም ኣኼበኛታት ሓደ ምሸት በታ መዓልቲ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኸም እተኣከበ ነገሮም። ኣብኡ ንኺእከብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ኣብታ ኸተማ ኻብ ዝረኸቦም ዓሰርተ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ዕድመ ምስ ቀረበሉ: ኪኸይድ ወሰነ! በቲ ኣኼባ ኣዝዩ ተመሰጠ: ዝያዳ ኺመሃር ድማ ሃንቀውታ ነበሮ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4
ዕጹም መንፈሳዊ ትምህርቲ
እቲ ዝቐረበ ትምህርቲ ንእተፈላለየ ጸገማት ብኸመይ ከም እትፈትሕ ዚገልጽ ነበረ። ጸገማት ንምፍታሕ ወይ ንምጽዋር ዜኽእል: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ቀጥታዊ ምኽሪ ቐሪቡ ነበረ።
ብሰንኪ እርጋን: ጥዕና ምስኣን: ሞት እተፍቅሮ ሰብ: ወይ ካልእ ብሕታዊ ጸገማት ዝጸበቦም ሰባት: ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝያዳ ብሩህ ምእንቲ ኪኸውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምትብባዕ ተዋህቦም። (መዝሙር 72:12-14) ሰብ ሓዳርን ወለድን ብኸመይ ዜሐጕስ ሓዳር ከም ዚህልዎምን ብኸመይ ንደቆም ብጽቡቕ ከም ዜዕብዩን ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ሰምዑ። (መክብብ 4:12፣ ኤፌሶን 5:22, 25፣ ቈሎሴ 3:21) እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕማቕ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዜጋጥሞም: ኣብ ቤቶምን ኣብ ጉባኤን ግን ካብ ቃል ኣምላኽ ጥበባዊ ምኽሪ ዚረኽቡ መንእሰያት ክርስትያናት: ንማሕበራዊ ጸቕጥታት ንምጻርን ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ንምህዳምን’ ዜኽእሎም ግብራዊ ምኽሪ ተዋህቦም።—2 ጢሞቴዎስ 2:22
ብሓቂ ኣህጉራዊ ሕውነት
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታቶም ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ይወሃቦም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ነዚ ዓበይቲ ኣኼባታት ፍሉይ ዝገበሮ ነገር ግን: ኣህጉራዊ መልክዕ ስለ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ፍሉይ ዓበይቲ ኣኼባታት: እቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ሓደ እዋን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ቀሪቡ ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር መደረታት የቕርቡ ነበሩ: እቲ ኻብ ካልእ ሃገራት ዝመጸ ጸብጻባት እውን ፍሉይ ቈላሕታ ዚስሕብ እዩ ነይሩ። እዚ መደረታትን ጸብጻባትን ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ተተርጐመ።
እቶም ልኡኻት ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኪረኽብዎም ሃንቀውታ ነበሮም። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት: “ፍልልይ ቋንቋ እዚ ዚበሃል ጸገማት ኣየምጸኣልናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ነቲ ሃዋህው እዩ ባህ ዜብል ገይርዎ። እቶም ኣጋይሽ ካብ እተፈላለየ ባህሊ እኳ እንተ መጹ: ብሓንቲ እምነት ሓድነት ነበሮም” በለ። ኣብቲ ኣብ ሙኒክ እተገብረ ኣኼባ ዝነበሩ ተኣከብቲ: ነዚ ዅነታት እዚ “ብቛንቋ እኳ እንተ ተፈላለና: ብፍቕሪ ሓደ ዀንና” ብዚብል ቃላት ገለጽዎ። እቶም ተኣከብቲ ዝመጹሉ ዓዲ ዀነ ዚዛርብዎ ቛንቋ ብዘየገድስ: ምስ ናይ ሓቂ ፈተውቶም: እወ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከም ዘለዉ ተረዲእዎም ነበረ።—ዘካርያስ 8:23
መግለጺታት ምስጋና
ኣብ ፖላንድ ኣኼባታት ኣብ እተገብረሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት ኣየር ንመንፈስን ጽንዓትን እቶም ልኡኻት ፈቲንዎ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ዝናም ኣብ ልዕሊ ምውቃዑ: 14 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣቢሉ ዚኸውን ቍሪ እውን ነበረ። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸ ሓደ ሓው: “ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝኸፍአ ዅነታት ኣየርን ዝኸፍአ ቝርን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን: እቲ ትምህርቲ ድማ ብዙሕ ኣይተረድኣንን። እንተዀነ ግን: እቲ ዜስደምም ኣህጉራዊ ሃዋህው: እቲ ዜደንቕ መንፈስ: ከምኡውን እቲ ፍሉይ እንግዶት ክሒሱኒ። እዚ ኣኼባ እዚ ዘይርሳዕ እዩ ነይሩ” በለ።
ነቶም ፖላንድኛ ዚዛረቡ ኣኼበኛታት ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ኻብ ዝገበረሎም ነገራት ሓደ: እቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዚበሃል ጽሑፍ ብፖላንድኛ ምውጻኡ ዚሕብር ምልክታ እዩ። ነቶም ቍርን ዝናምን እተጻወሩ ጽቡቕ ዓስቢ እዩ ነይሩ። እታ ኣብ ኵሉ እቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባታት ኣውራጃ ዝወጸት ሊቭ ዊዝ ጂሆቫስ ደይ ኢን ማይንድ (ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ንበር) ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ እውን ንብዙሓት ኣሐጒሳ እያ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተኣከብቲ ብኻልእ ምኽንያታት እውን ነቲ ኣኼባ ይዝክርዎ እዮም። ክሪስቲና እትበሃል ቸካዊት ሓብቲ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ ብኣውቶቡስ ዚጐዓዙ ልኡኻት ንኸተሰንዮም ወለንተኛ ዀነት። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ክንሰነባበት ከለና ሓንቲ ሓብቲ ንበይነይ ፍልይ ኣቢላ ሕቝፍ ድሕሪ ምባል: ‘ጽቡቕ ኢኺ ተኸናኺንክኒ! ክሳዕ ኮፍ መበሊና ምግቢ ኣምጺእክልና: እንሰትዮ ማይ እውን ሂብክና። ጥቕሚ ርእስኺ ብምስዋእ ፍቕሪ ስለ ዘርኣኽና ኣዝየ አመስግነኪ’ በለትኒ።” እታ ሓብቲ ዝጠቐሰቶ ነገር ነቲ ንልኡኻት ተባሂሉ እተገብረ ምሳሕ እዩ ነይሩ። ሓደ ሓው: “ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ተመክሮ ኣይነበረናን። እቲ ዕዮ መዓልታዊ ዳርጋ ን6,500 ዚዀኑ ምሳሕ ምብጽጻሕ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት: እንተላይ ቈልዑ: ንኺሕግዙ ፍቓደኛታት ምዃኖም ልቢ ዚትንክፍ እዩ ነይሩ” በለ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትሳተፍ ኢላ ኻብ ዩክረይን ናብ ኮዡቭ እተጓዕዘት ሓብቲ: “በቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘርኣዩና ፍቕርን ሓልዮትን ልግስን ውሽጥና ኢና ተተንኪፍና። ምስጋናና ንኽንገልጽ ቃላት እዩ ዚሓጽረና” በለት። ኣብ ፊንላንድ እትነብር ኣኒካ እትበሃል ጓል ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ ናብቲ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኻብቲ ኽሓስቦ ዝኽእል ንላዕሊ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ኣባል ውድብ የሆዋ ምዃን ኣብ ብዘላ ዓለም ፈተውቲ ንኽትረክብ ስለ ዜኽእለካ: ባህ ዜብል እዩ!”—መዝሙር 133:1
ርእይቶታት ተዓዘብቲ
እቲ ኣኼባታት ቅድሚ ምጅማሩ: ገሊኦም ልኡኻት ዓዲ ንኺርእዩ ዙረት ተዳለወሎም። እቶም በጻሕቲ ኣብ ገጠራት ባቫርያ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጽሑ: ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርሓባ ኢሎም ተቐበልዎም። ሓንቲ ንጕጅለ በጻሕቲ ሒዛ እትኸይድ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነት መራሒት ዙረት በዚ መግለጺ ሕውነታዊ ፍቕሪ ኣዝያ ተመሰጠት። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት: “ብኣውቶቡስ ናብ ሆቴል ክንምለስ ከለና: እታ መራሒት ዙረት ካብ ካልኦት ንዙረት ዚመጹ ጕጅለታት ኣዚና እተፈለና ምዃና ገለጸትልና። ብግቡእ ተኸዲንና ነበርና: ኵላትና ምስቶም ኣብቲ ጕጅለ ዚመርሑና ንተሓባበር ነበርና። ጸርፊ ዀነ ሕንፍሽፍሽ ኣይነበረን። ዘይፋለጡ ሰባት ብኡንብኡ ኸመይ ገይሮም ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ደንጸዋ” በለ።
ኣብቲ ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ: ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዜና ዝዓየየ ሓደ ሓው ከምዚ በለ:- “ሰንበት ንግሆ: እቲ ሓለቓ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ኺሕልዉ እተመደቡ ኣባላት ፖሊስ ኪበጽሓና መጸ። ሽዑ ድማ ሰላም ከም ዝሰፈነን ዚሰርሖ ነገር ከም ዘይብሉን ተዛረበ። ገሊኦም ኣብ ከባቢ እቲ ስታድዩም ዚነብሩ ተቐማጦ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኸም ዝሓተትዎ ነገረና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ምስ ጠቐሰሎም: መብዛሕትኦም ከም እተመነዎም ምልክት የርእይዎ ብምንባሮም: እቲ ብዓል ስልጣን ‘ሰባት ጠባዮም ክንዲ ፍርቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዚኸውን: ፖሊስ ዚበሃል ኣይምሃለወን’ ኢሉ መለሰሎም።”
ብዙሓት ድሮ ድሒኖም!
እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ መንጎ ባህልታት ከም ድልድል ብምዃን ኣብ መንጎ ክርስትያናት ሰላምን ሓድነትን የምጽእ እዩ። (ሮሜ 14:19፣ ኤፌሶን 4:22-24፣ ፊልጲ 4:7) እቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ፍሉይ ኣኼባታት ኣውራጃ ኸኣ: ነዚ እዩ ኣርእዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ነዛ ዓለም እዚኣ ዜሳቕያ ዘሎ ብዙሕ ዓይነት መዓት ድሮ ድሒኖም ኣለዉ። ገለ ኻብቲ ንሕብረተሰብ ዜሸግር ጸገማት: ዘይተጻዋርነት: ዓመጻ: ከምኡውን ዓሌታውነት ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ዅሉ ግን ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወጊዱ እዩ: ነቲ ምልእቲ ዓለም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ናጻ እትዀነሉ እዋን ከኣ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ኣብቲ ኣኼባታት እተኣከቡ: ነቲ ኻብ እተፈላለየ ሃገራትን ባህልታትን ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ሓድነት ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። እዚ ኣብ መደምደምታ እቲ ኣኼባታት ዝያዳ ንጹር ኰይኑ ነበረ። ኵሎም የጣቕዑን ምስ ሓደስቲ ፈተውቶም ይተሓቛቘፉን ናይ መወዳእታ ስእሊ ይስእሉን ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 1:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:17) እቶም ኣኼበኛታት ካብ ኵሉ ጸገማቶምን ጭንቆምን ዚድሕኑሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ስለ ዝኣመኑሉ: በዚ ተሓጒሶም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም “ቃል ህይወት” ከኣ ኣጽኒዖም ንኺሕዙ ሓድሽ ቈራጽነት ገይሮም ናብ ቤቶምን ጉባኤኦምን ተመልሱ።—ፊልጲ 2:15, 16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ብምሉኡ ፖላንድ ዚርከብ ሽዱሽተ ኻልእ ዓበይቲ ኣኼባታት እተገብረሉ ቦታታትን ኣብ ስሎቫክያ ዚርከብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ እተገብረሉ ቦታን: ኣህጉራዊ ኽፋል እቲ መደብ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ተራኺቡ ነይሩ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ዕስራን ሽዱሽተን ቋንቋታት ከም ሓደ ይዝረብ
ኣብ ኵሉ እቲ ትሽዓተ ኣኼባታት ኣውራጃ: እቲ ትምህርቲ በቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝረብ ቋንቋ እዩ ቐሪቡ። ኣብ ጀርመን ኣብ እተገብረ ኣኼባ: እቲ መደረታት ብ18 ኻልእ ቋንቋታት ቀረበ። እዚ ኻልእ ቋንቋታት እዚ ኸኣ: ኣብ ዶርትሙንድ ሩስያኛ: ስጳንኛ: ዓረብኛ: ፋርሲ: ፖርቱጋልኛ፣ ኣብ ፍራንክፈርት ሰርብያኛ/ክሮኤሽያኛ: እንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ፣ ኣብ ሃምቡርግ ሽወደንኛ: ታሚልኛ: ደንማርክኛ: ዳች፣ ኣብ ለብሲግ ቱርክኛ: ቻይንኛ: ፖላንድኛ፣ ኣብ ሙኒክ ከኣ ቋንቋ ምልክት ጀርመንኛ: ጣልያንኛ: ግሪኽኛ ነበረ። ኣብቲ ኣብ ፕራግ እተገብረ ኣኼባ ድማ ኵሉ እቲ መደረታት ብሩስያኛ: ብቸክ: ከምኡውን ብእንግሊዝኛ ቐረበ። ኣብ ብራቲስላቫ እቲ ትምህርቲ ብሃንጋርኛ: ብስሎቫክኛ: ብቛንቋ ምልክት ስሎቫክኛ: ከምኡውን ብእንግሊዝኛ ቐረበ። ኣብ ኮዡቭ ዝቐረበ ቛንቋታት ድማ: ቋንቋ ምልክት ፖላንድኛ: ሩስያኛ: ዩክረይንኛ: ከምኡውን ፖላንድኛ ነበረ። ኣብ ፖዝናን ከኣ ፊንላንድኛን ፖላንድኛን ተጠቕሙ።
ኵሉምሉ ዕስራን ሽዱሽተን ቋንቋታት ነበረ! እቶም ኣኼበኛታት ብቛንቋ እኳ እንተ ተፈላለዩ: ብፍቕሮም ግን ሓደ ዀይኖም እዮም።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ፍራንክፈርት እተኣከቡ ክሮአሽያውያን ልኡኻት “ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ብቛንቋኦም ብምርካቦም ተሓጐሱ