ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/10 ገጽ 3-4
  • ንሎሚ ጥራይ ዲኻ ኽትነብር ዘሎካ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሎሚ ጥራይ ዲኻ ኽትነብር ዘሎካ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽባሕ መደብ ከነውጽእ ግቡእ ድዩ፧
  • ንጽባሕ ሓሲብካ ንበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መደባትካ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ይሰማማዕ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/10 ገጽ 3-4

ንሎሚ ጥራይ ዲኻ ኽትነብር ዘሎካ፧

“ብዛዕባ መጻኢ ኸቶ ኣይሓስብን እየ። ምኽንያቱ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ።” እዘን ብዙሕ ግዜ ዚጥቀሳ ቓላት: እቲ ውሩይ ሊቅ ዝነበረ ኣልበርት ኣንስታይን እተዛረበን እየን። ብዙሓት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። “ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ዜጨንቕ ኣሎካ፧” ድማ ይብሉ። ገሊኦም ሰባት ከኣ: “ስቕ ኢልካ ጥራይ ናብራኻ ግበር:” “ንሎሚ ኢልካ ንበር:” ወይ “ብዛዕባ ጽባሕ ዜጨንቕ የብልካን” ኪብሉ ሰሚዕካ ትኸውን።

ሓቂ እዩ: ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ሓድሽ ኣይኰነን። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኤጲቁሬዎሳውያን “ብላዕ: ስተ: ተሓጐስ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ዋጋ የብሉን” ዚብል ብሂል ነበሮም። ገሊኦም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ነበሮም። “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ድማ ይብሉ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 15:32) እዛ ሓጻር ህይወትና መሊሳ ስለ ዘይትርከብ: ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመላ ኣሎና ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ።

ብሚልዮናት ንዚቚጸሩ ተቐማጦ ምድሪ: ነዛ ህይወት እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም ኪበሃል ከሎ: ደድሕሪ ደስታ ምስዓብ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ: ህይወት እቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዚነብሩ ሰባት: ብዘየቋርጽ መሪር ቃልሲ ዝመልአት እያ። ከምዚ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ: እንታይ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቕን ተስፋ ዘይብሉን መጻኢ ወይ “ጽባሕ” ዜሕስብ ኣለዎም፧

ንጽባሕ መደብ ከነውጽእ ግቡእ ድዩ፧

እቶም ብዙሕ ጸገም ዘየጋጥሞም ሰባት እውን እንተ ዀኑ: ንጽባሕ ኢልካ መደብ ምውጻእ ከም ኣገዳሲ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። “እንታይ ዜጨንቕ ኣሎኒ፧” ኢሎም ድማ ይሓቱ። እቲ ገሊኦም ሰባት ዜውጽእዎ መደብ ኣብ መወዳእታኡ ጓህን ሓዘንን እዩ ዜምጽኣሎም ኢሎም ዚኣምኑ ኣለዉ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጥንታውያን ኣበው ዝነበረ እዮብ እውን እቲ ንዕኡን ንስድራቤቱን ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዚህልዎም ዚገብር መደብ ምስ ‘ፈረሰ:’ ተስፋ ቘረጸ።—እዮብ 17:11፣ መክብብ 9:11

ሮበርት በርንስ ዚበሃል ስኮትላንዳዊ ገጣሚ: ንዅነታትና ምስታ ኸይፈለጠ ብማሕረሻኡ ስፍራኣ ዜፍረሰላ ንእሽቶ ኣንጭዋ ኣመሳሲልዎ ነበረ። እታ ኣንጭዋ መንበሪኣ ኸም ዝፈረሰት ምስ ረኣየት: ህይወታ ኸተድሕን ሃደመት። እቲ ገጣሚ ቐጺሉ: ‘እወ: ክንደይ ሳዕ ኢና እሞ ነቲ ብሉጽ ዚበሃል ሜላና እውን ከንቱ ዚገበር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ፍጻመታት ኬጋጥመና ኸሎ: ክንጾሮ ዓቕሚ ዘይብልና እንኸውን፧’ በለ።

እሞ ደኣ ንመጻኢ ኢልካ መደብ ምውጻእ ዋጋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ብቑዕ መደብ ዘይምውጻእ: ህቦብላ ንፋስ ወይ ካልእ ዓይነት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ: ሓደገኛ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ: ንህቦብላ ካትሪና ደው ኬብሎ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ኣቐዲምካ እንተ ዚሕሰበሉን መደብ እንተ ዚወጽእን ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን እቶም ነበርትን ዝወረደ ሓደጋ ኣይመጕደሎንዶ ነይሩ፧

እሞኸ እንታይ ይመስለካ፧ ንጽባሕ ዕሽሽ ኢልካ ንሎሚ ጥራይ ምንባር ጥበባዊ ድዩ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም እትብል እስከ ርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

“ብላዕ: ስተ: ተሓጐስ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ዋጋ የብሉን”

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣቐዲምካ እንተ ዚሕሰበሉን መደብ እንተ ዚወጽእን: ነቲ ህቦብላ ካትሪና ዘውረዶ ሓደጋ ኣይመጕደሎንዶ ነይሩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. Coast Guard Digital

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ