ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/1 ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • እቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧ ን“ኰዀብ” ቤት-ልሄም ስዒቦምዎ ድዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/1 ገጽ 31

ትፈልጥዶ፧

እቶም ሰብ ጥበብ መዓስ እዮም ንየሱስ ዝበጽሕዎ፧

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ: ብዛዕባ እቶም ንየሱስ ኪበጽሕዎ ህያባት ሒዞም ‘ካብ ምብራቕ ዚመጹ ሰብ ጥበብ’ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። (ማቴዎስ 2:1-12) መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ነቲ ሕጻን የሱስ ዝበጽሕዎ ሰብ ጥበብ ወይ “ሰብኣ ሰገል” ክንደይ ምዃኖምን ብዛዕባ እቲ ርግጸኛ መሰረት ዘይብሉ ብያታ ሰለስተ እዮም ዚብል ሓሳብን ብዛዕባ ስማቶምን ኣይዛረብን እዩ።

ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ስታዲ ባይብል: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 2:11 ዘሎ ሓሳብ ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት:- “እቶም ሰብኣ ሰገል ከምቲ እቶም ጓሶት ዝገበርዎ ንየሱስ ኣብታ እተወለደላ ምሸት ኣብ መብልዕ ማል እናሃለወ ኣይበጽሕዎን: እዚ ድማ ምስ ያታ ዚጋጮ እዩ። ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሖም ‘ሕጻን’ ከሎ ኣብ ‘ቤቱ’ እዮም በጺሖምዎ።” እቲ ሄሮድስ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ጐደቦታትን ንዚነብሩ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝዀኑ ሕጻናት ኪቕተሉ ምድላዩ ነዚ የረጋግጾ እዩ። “ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን” ጸብጺቡ ድማ ነቶም ኣብዚ ዕድመ እዚ ዚርከቡ ሕጻናት ከም ዚቕተሉ ገበረ።—ማቴዎስ 2:16

እቶም ሰብ ጥበብ ንየሱስ ወርቅን ካልእ ክቡር ህያባትን ሒዞም ኣብታ እተወልደላ ምሸት እንተ ዚበጽሕዎ ነይሮም: ማርያም ድሕሪ 40 መዓልቲ ንየሱስ ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ንኸተቕርቦ ኽልተ ዑፍ ጥራይ ኣይምወሰደትን ነይራ። (ሉቃስ 2:22-24) እዚ መሰናድዎ እዚ ነቶም ገንሸል ምውሳድ ዘይክእሉ ድኻታት ሰባት እተገበረ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 12:6-8) ኰይኑ ግን: እዚ ኽቡር ህያባት እዚ: ስድራ ቤት የሱስ ብድሕሪኡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓትሉ ግዜ ጠቒምዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 2:13-15

የሱስ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝበጽሐ ስለምንታይ እዩ፧

ብመሰረቱ: የሱስ ነዚ ዀነ ኢሉ ዝገበሮ እዩ ዚመስል። ከምዚ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ነቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ተመዝጊቡ ዘሎ ሓሳብ እስከ ንርአ።

እቲ ኣብ ቢታንያ ዚነብር ዝነበረ ዓርኪ የሱስ ዝዀነ ኣልኣዛር: ኣዝዩ ምስ ሓመመ: ኣሓቱ ናብ የሱስ መልእክቲ ለኣኻ። (ቍጽሪ 1-3) ኣብቲ እዋን እቲ የሱስ ካብ ቢታንያ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ዚኸውን ርሒቑ ነበረ። (ዮሃንስ 10:40) እቲ መልእኽቲ ንየሱስ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣልኣዛር ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ገበረ፧ “ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ” ብድሕሪኡ ናብ ቢታንያ ነቐለ። (ቍጽሪ 6, 7) የሱስ ኣብኡ ኽልተ መዓልቲ ብምጽናሑን ክልተ መዓልቲ ኣብ ጕዕዞ ብምሕላፉን: ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ራብዕቲ ምስ ኰኖ ኣብ መቓብሩ በጽሐ።—ቍጽሪ 17

የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኽልተ ግዜ ምዉታት ኣተንሲኡ ነበረ: ነታ ሓንቲ ምስ ሞተት ሽዑ ንሽዑ ኣተንስኣ: ነቲ ኻልኣይ ድማ ምስ ሞተ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣተንስኦ። (ሉቃስ 7:11-17፣ 8:49-55) ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ኣካላቱ ኺምሽምሽ ንዝጀመረ ሬሳኸ ኼተንስእ ምኸኣለዶ፧ (ቁጽሪ 39) እቲ ዜገርም: ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኣይሁዳውያን ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሮም እምነት ኪዛረብ ከሎ: “ካብ ዚመውት ራብዕቲ ንዝገበረ ሰብ” ተስፋ ከም ዘይነበሮ ድሕሪ ምግላጹ: “ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣካላቱ ይምሽምሽ ከም ዘሎ ይርአ: እታ ንሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኣካሉ ኽትዝምቢ ጸኒሓ ተባሂሉ ዚእመነላ ነፍሱ ኸኣ ሓዲጋቶ ትኸይድ” በለ።

ዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣብቲ ጥቓ መቓብር ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ዚጠራጠር እንተ ነይሩ: የሱስ ኣብ ሞት ስልጣን ከም ዘለዎ ዚርእዩሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ እተኸፍተ መቓብር ደው ኢሉ: “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ጨደረ። ሽዑ “እቲ ምዉት . . . ወጸ።” (ቍጽሪ 43, 44) ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ብዙሓት ብጌጋ ድሕሪ ሞት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዚብልዎ ዘይኰነስ: ንምውታት ናይ ሓቂ ተስፋ ዚዀኖም ትንሳኤ እዩ።—ህዝቅኤል 18:4፣ ዮሃንስ 11:25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ