ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/1 ገጽ 25
  • መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቦ ማቴዎስ 3:16, 17

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቦ ማቴዎስ 3:16, 17
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/1 ገጽ 25

ንኣምላኽ ቅረቦ

መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቦ ማቴዎስ 3:16, 17

“ኣቦ።” ከምዛ ቓል እዚኣ ገይረን ኣብ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ስምዒት ዜለዓዕላ ብዙሓት ቃላት የለዋን። ንደቁ ብሓቂ ዜፍቅር ኣቦ ብጽቡቕ እናዓበዩ ንኪኸዱ ይሕግዞም። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም “ኣቦ” ገይሩ ኺገልጾ እምበኣር ሓቁ እዩ። (ማቴዎስ 6:9) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ኣቦ እዩ፧ ነዚ ንምምላስ: የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን እቲ የሆዋ ንየሱስ እተዛረቦ ቓላት እስከ ንመርምር። ከመይሲ: እቲ ኣቦ ንደቁ ዚዛረበሉ መገዲ እንታይ ዓይነት ኣቦ ምዃኑ የርእየና እዩ።

ኣብ ከባቢ ጥቅምቲ 29 ድ.ክ. የሱስ ንኺጥመቕ ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ከደ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።”a (ማቴዎስ 3:16, 17) እዘን የሆዋ ባዕሉ እተዛረበን ለውሃት ዝመልአን ቃላት ክሳዕ ክንደይ ሕያዋይ ኣቦ ምዃኑ ብዙሕ ይነግራና። የሆዋ ንወዱ ሕያውነቱ ዘርኣየሉ ሰለስተ ነገራት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ: እተን የሆዋ “ወደይ እዚ እዩ” ዝበለን ቃላት: ብኻልእ ኣበሃህላ ‘ኣቦኻ ብምዃነይ ተሓቢነ’ ማለት እየን። መስተውዓሊ ኣቦ: ደቁ ኣፍልጦን ኣቓልቦን ንኺረኽቡ ዘለዎም ባህጊ የማልኣሎም እዩ። ቈልዑ ዋጋ ዘለዎም ፍሉያት ኣባላት ስድራ ቤት ምዃኖም ኪረጋገጸሎም ይደልዩ እዮም። የሱስ በጽሒ እኳ እንተ ነበረ: ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምርካቡ ግን እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

ካልኣይ: የሆዋ ንወዱ “ፍትዊ” ኢሉ ብምጥቃስ ንየሱስ ዘላቶ ፍቕሪ ብግህዶ ገሊጹ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣቦ: ‘ኣፍቅረካ እየ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ንፉዕ ወላዲ ንደቁ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮም ይነግሮም እዩ። ብግቡእ ፍቕሪ እተሰነየ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቓላት: ቈልዑ ብጽቡቕ ንኺዓብዩ ይሕግዝ። የሱስ ከም ዚፍቀር ካብ ድምጺ ኣቦኡ ምስማዑስ ንልቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተንኪፍዎ ኪኸውን ኣለዎ!

ሳልሳይ: የሆዋ በተን “ብእኡ ዝሰመርኩ” ዚብላ ቓላት ገይሩ ብወዱ ኸም ዝሰመረ ወይ ከም እተሓጐሰ ገለጸ። የሆዋ: ‘ወደየ: በቲ ዝገበርካዮ ነገር ባህ ኢሉኒ’ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ፈቃር ኣቦ በቲ ደቁ እተዛረብዎ ወይ ከኣ ዝገበርዎ ጽቡቕ ነገር ከም እተሓጐሰ ንኺገልጸሎም ዜኽእሎ ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ። ወለዲ ስምረቶም ኪገልጹሎም ከለዉ: ውሉዳት ብርታዐን ትብዓትን ይረኽቡ። ብርግጽ እምበኣር: የሱስ ስምረት ኣቦኡ ኸም ዝረኸበ ምስማዑ ኽንደይ ኰን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ!

ብሓቂ: የሆዋ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቦ እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣቦ ንምርካብ ትብህግዶ፧ ትብህግ እንተ ዄንካ: ምስ የሆዋ ርክብ ምግባር ኪብጻሕ ዚከኣል ምዃኑ ምፍላጥካ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ብእምነት ብዛዕባኡ እንተ ተማሂርካን ካብ ልብኻ ፍቓዱ ንምግባር እንተ ጽዒርካን: ጽቡቕ ምላሽ ኪህበካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 4:8) ምስቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዚህልወካ ጥብቂ ርክብ ንላዕሊ ቕሳነት ኪስምዓካ ኺገብር ዚኽእል እሞ እንታይ ኣሎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ: የሆዋ “ንስኻ” ዚብል ብሕታዊ ኽንዲ ስም ብምጥቃም “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ” በለ።—ሉቃስ 3:22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ