ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/4 ገጽ 30
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ ቤት ጸሎት ናይታ ዝዓበየላ ዓዲ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣዒንትኻ ነቲ ብስራት ምኽፋት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/4 ገጽ 30

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ንሓደ ዕዉር ሰብኣይ በብቝሩብ ዘሕወዮ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ማርቆስ 8:22-26 ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ቤተ-ሳይዳ ዘሕወዮ ዕዉር ሰብኣይ ነንብብ ኢና። እቲ ጸብጻብ: የሱስ ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ምስ በለሉ እንታይ ይርኢ ኸም ዘሎ ምሕታቱ ይገልጽ። እቲ ሰብኣይ ሓውሲ ምድንጋር ከም ዝነበሮ ብዜርኢ ዅነታት: “ሰባት እርኢ አሎኹ: ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም አሎኹ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ኢዱ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ኣንበረ: እቲ ሰብኣይ ድማ “ኣጸቢቑ ጠመተ: ሐወየ ንዅሉውን ተቐሊዑ ረአዮ።” በዚ መሰረት እዚ: የሱስ በብቝሩብ ወይ በብደረጃ ነቲ ሰብኣይ ኣሕወዮ። የሱስ ከምኡ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይነግረናን እዩ: እንተዀነ ግን: ነዚ ጕዳይ እዚ ኼብርሃልና ዚኽእል ምኽንያት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ ንዓመታት ወይ ንምሉእ ህይወቱ ዕዉር ዝነበረ ሰብ ንፈለማ ምርኣይ ኪጅምር ከሎ: ምልማዱ የሸግሮ እዩ። ንኣብነት: ቀደም ኣፍራስ: ማዕድን ኣብ ዚፈሓረሉ ጕድጓድ ንኺሰርሑ ተባሂሉ ናብኡ ኸም ዚኣትዉ ይግበር ነበረ። እቶም ኣፍራስ ነቲ ጸልማት ኣዝዮም ስለ ዚለምድዎ: ካብቲ ጕድጓድ ኪወጹ ኸለዉ ብርሃን ንምልማድ ዳርጋ ሓደ መዓልቲ ምሉእ የድልዮም ነበረ። ንዕውራት እሞ ኸኣ ካብዚ ዝነውሐ ግዜ እዩ ኼድልዮም። ኣብዚ ግዜና: ኪኢላታት መጥባሕቲ ሓሓሊፉ ንዕውራት ሰባት ኣብ ኣዒንቶም ዘሎ ጸገም ብምውጋድ: ከም ዚርእዩ ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር: እቶም ሕሙማት ብኣዒንቶም ኣቢሉ ናብ ሓንጎሎም ብዙሕ ሓበሬታ ስለ ዚኸይድ: መብዛሕትኡ ግዜ ይኸብዶም እዩ። በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕብሪ: ቅርጺ: ትርኢት: ስለ ዚደናገሩ ደንበርበር ይብሉ: ብቐሊሉ ኺፍለጥ ዚኽእል ነገራት እውን ከይተረፈ ኺፈልጥዎም ኣይክእሉን። ድሕሪ ግዜ: ሓንጎሎም ነቲ ብዓይኖም ዚርእይዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ምትርጓም ይመሃር።

የሱስ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ በብደረጃ ገይሩ ብምሕዋይ: ነቲ ሰብኣይ ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣርእዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰብኣይ “ንዅሉ . . . ተቐሊዑ ረአዮ:” ኵሉ እቲ ዝረኣዮ ነገር ድማ ተረድኦ።

ብግዜ የሱስ ካብ ጥቕላል ምንባብ ከቢድ ዕዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ዝውቱር ዓቐን እቲ ብመልክዕ ጥቕላል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣቝጽልቲ: ንውሓቱ ኻብ 23 ክሳብ 28 ሰንቲ ሜተር: ወርዱ ድማ ካብ 15 ክሳብ 23 ሰንቲ ሜተር እዩ ነይሩ። ብዙሕ ኣቝጽልቲ ጐድኒ ንጐድኒ ብምጥባቕ ወይ ብፈትሊ ብምስፋይ ከም ዚላገብ ይግበር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ካብዚ ዚነውሕ ንውሓት ዘለዎ ኣቝጽልቲ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ናይ ኢሳይያስ ጥቕላል ምዉት ባሕሪ ኻብ ብራና እተሰርሐ 17 እተለጋገበ ቘርበት ዘለዎ ዀይኑ: ኣብዚ እዋን እዚ ንውሓቱ ብድምር ዳርጋ 7 ሜተር እዩ። እቲ የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት እተጠቐመሉ ጥቕላል ኢሳይያስ: ምስዚ ዚመሳሰል ንውሓት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 4:16, 17

ነዚ ኣመልኪቱ ኣለን ሚለርድ ኣብታ ዲስከቨሪስ ፍሮም ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ እትበሃል መጽሓፉ: ከምዚ በለ:- “እቲ ኣንባቢ ነቲ መጽሓፍ [ጥቕላል] ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙ ይዝርዝሮ ነበረ፣ ነቲ ጥቕላል በብዓምዲ ኣናኣንበበ ኸኣ ብየማናይ ኢዱ ይጥቕልሎ። የሱስ ነቲ ኣብ ቤት ጸሎት ዘንበቦ ኢሳይያስ 61 ምእንቲ ኺረኽቦ: ንመብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ጥቕላል ዘርዚሩ መሊሱ ኺጥቕልሎ ነበሮ።”

ኣብቲ ግዜ እቲ: መጽሓፍ ኢሳይያስ ልክዕ ከም ሎሚ ብምዕራፍ ይኹን ብቝጽሪ እተኸፋፈለት ኣይነበረትን። የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብቲ ቤት ጸሎት እቲ ጥቕላል ኢሳይያስ ምስ ተዋህቦ: ነቲ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኢሳይያስ 61:1, 2 ብምባል እንፈልጦ ኺረኽቦ ነበሮ። የሱስ: ብቐሊሉ “እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ:” እዚ ድማ ክሳዕ ክንደይ ንቓል ኣምላኽ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ እዩ ዜርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ