ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/9 ገጽ 18
  • “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝርከብ ደበስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/9 ገጽ 18

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”

2 ቈረንቶስ 1:3, 4

ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኸም መከራ፡ ጓሂ፡ ጽምዋ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ከም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ካብ መን ሓገዝ ክረክብ እኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት፡ የሆዋ ኣምላኽ ዜተኣማምን ምንጪ ምጽንናዕ ከም ዚዀነና ይሕብር።

ኣብ ቍጽሪ 3 ኣምላኽ “ኣቦ ምሕረት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ “ምሕረት” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ንስቓይ ካልኦት ምድንጋጽ ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ።a ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ፡ እዛ ቓል እዚኣ “ይድንግጽ” ወይ “ኣዝዩ ይሓሊ” ብዚብል ክትትርጐም ከም እትኽእል ገለጸ። ኣምላኽ ሓደ ነገር ዚገብር ብ“ምሕረት” ተለዓዒሉ እዩ። ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ባህርይ ከም ዘለዎ ምፍላጥናስ ዝያዳ ንኽንቀርቦ ዚድርኸናዶ ኸይኰነ፧

የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ከም ዝዀነ እውን ጳውሎስ ጠቒሱ እዩ። እታ ኣብዚ ጳውሎስ ተጠቒሙላ ዘሎ ቓል፡ “ኣብ ጸገም ንዘሎ ወይ ንዝሓዘነ ምጽንናዕ ከምኡውን ኣድላዪ ሓገዝ ወይ ምትብባዕ ምሃብ ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ።” ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል፡ “ንሓደ ስቓይ ዘጋጠሞ ሰብ ነቲ ዘጋጠሞ ስቓይ ንኺጻወሮ ኸነተባብዖ ኸለና፡ ነጸናንዖ ኣለና ማለት እዩ” ይብል።

ንርእስኻ፡ ‘ኣምላኽ ዜጸናንዓናን ነቲ ዜጋጥመና ስቓይ ንኽንጻወሮ ዚሕግዘናን ብኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዚ ዚገብረሉ ቐንዲ መገዲ፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ብናይ ጸሎት ውህበትን ኣቢሉ እዩ። ኣምላኽ፡ ‘ብምጽንናዕ ጽሑፋት ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና’ ኢሉ ብፍቕሪ ተደሪኹ ቓሉ ኸም ዝሃበና፡ ጳውሎስ ገለጸ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ልባዊ ጸሎት ብምጽላይ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 15:4፣ ፊልጲ 4:7

የሆዋ ንህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜጸናንዖም፧ ኣምላኽ፡ “ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና” ምዃኑ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 1:4) ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ፡ መሪር ጓሂ፡ ወይ ስቓይ የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ንኽንጻወሮ ዜኽእለና ኣድላዪ ምትብባዕን ሓይልን ኪህበና ይኽእል እዩ። እዝስ ዜጸናንዕዶ ኸይኰነ፧

ኣምላኽ ዚህቦ ምጽንናዕ ኣብቲ ዚቕበል ሰብ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለና፡” ኣምላኽ ከም ዜጸናንዓና ገለጸ። ኣብ ግዜ ጸበባና ምጽንናዕ ምርካብና፡ ንሕና እውን ንኻልኦት ክንድንግጸሎም ከምኡውን ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ክንሕግዞም ይድርኸና።

የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ከም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ዜጋጥመና ጸገማትን ስቓይን ምሉእ ብምሉእ የጥፍኦ እዩ ማለት ኣይኰነን። ምጽንናዕ ንምርካብ ናብኡ እንተደኣ ቐሪብና ግን፡ ንሱ እውን ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጓሂ ወይ ጸገም ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእል ብርታዐ ኸም ዚህበና፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብርግጽ እምበኣር፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደንጋጺ ኣምላኽ፡ ኣምልኾናን ምስጋናን ይግብኦ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ድንጋጽ ካብ ኣምላኽ እትምንጭን ሓንቲ ኻብተን ባህርያቱን ስለ ዝዀነት፡ “ኣቦ [ወይ ምንጪ] ምሕረት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ