ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/10 ገጽ 3-4
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/10 ገጽ 3-4

ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል መን እዩ፧

“ኣነ ኣምላኽ እየ . . . ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ።”—ኢሳይያስ 46:9, 10

ኣብዚ ርግኣት ዘይብሉ እዋን እዚ ዘለዉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ቍጠባ፡ ማሕበራዊ ናብራ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽን ህሉው ኵነታትን ዓለም ተመርኲሶም ብዛዕባ መጻኢ ንምንባይ ጽዒሮም እዮም። ካልኦት ከኣ ኣብ መጻኢ ብብሕቶም ዜጋጥሞም ነገራት ስለ ዘይፈልጡ፡ ናብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ሓተታ መናፍስትን ይጽግዑ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት በቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት ይጕህዩ እዮም። ነዛ ዓለም እዚኣ፡ ንስድራ ቤትና፡ ከምኡውን ንርእስና እንታይ ከም ዜጋጥም ፈጺምካ ኺፍለጥ ዘይከኣል ድዩ፧ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ዚኽእልከ ብሓቂ ይህሉዶ፧

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ኸም ዚኽእል ገሊጹ እዩ። ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኸም ዜውጽኦም፡ ከምኡውን ተመሊሶም ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን እንደገና ኸም ዚሃንጹ ብኢሳይያስ ገይሩ ተነብዩ ነበረ። እዚ ትንቢት እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ ነይሩ፧ ኢሳይያስ እቲ ንባቢሎን ዚወርር ስሙ ቂሮስ ምዃኑ 200 ዓመት ኣቐዲሙ ብልክዕ ተነበየ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ቂሮስ ዘውጽኦ ስትራተጂ፡ ማለት ነቲ ንኸተማ ባቢሎን ከም ዕርዲ ዀይንዋ ዝነበረ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣንፈቱ ኸም ዚቕይሮ ብንጹር ገሊጹ ነበረ። ዓብዪ ማዕጾ እታ ኸተማ ብሸለልትነት ከይተዓጽወ ኸም ዚጸንሕ፡ እዚ ኸኣ ቂሮስ ብቐሊሉ ንኺዕወት ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ።—ኢሳይያስ 44:24–45:7

ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ዓቕሚ የብሉን። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 27:1) እዚ ርእይቶ እዚ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሓቂ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ ናይ ርእሱ መጻኢ እውን ከይተረፈ ኺፈልጥ ኣይክእልን። ንኣምላኽ ካብዚ ፍልይ ዜብሎ ግን እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ዅሎም ፍጡራቱ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎም ባህርይን ዝንባለን፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ውልቀ-ሰባት ወይ ድማ ኵሎም ህዝብታት ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ ዚገብርዎ ነገር ኪፈልጥ እንተ ደልዩ፡ ኣቐዲሙ ብልክዕ ኪፈልጥ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ መወዳእታ ውጽኢት ዝዀነ ይኹን ነገራት ንኺቈጻጸር ዜኽእሎ ዘይተኣደነ ኽእለት ኣለዎ። ብነብያቱ ኣቢሉ ሓደ ነገር ከም ዚፍጸም ምስ ዚንበ፡ “ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ፡ ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽም” ኰይኑ እዩ ዚርከብ። (ኢሳይያስ 44:26) ብሓቂ ኸምዚ ኺብል ዚኽእል ከኣ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።

ኢሳይያስ፡ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ቅድሚ ምምጻኡ፡ ልዕሊ 700 ዓመት ኣቐዲሙ ይነብር ነበረ። እንተዀነ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲሕ ተነበዩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ካብ መበል 18 ዘመን ኣትሒዙ፡ ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ ንሓቅነት መጽሓፍ ኢሳይያስ ነቒፎምዎ እዮም። እቶም ሓያስያን፡ ትንቢት ኢሳይያስ ናይ ሓቂ ትንቢት ዘይኰነስ፡ እቲ ነገር ምስ ተፈጸመ ሓደ ጸሓፊ ኸም ዝጸሓፎ እዮም ዚዛረቡ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ብ1947 ቅዳሕ መጽሓፍ ኢሳይያስ ምስ ካልእ ጥንታዊ ጥቕላላት ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኣብ ዚርከብ በዓቲ ተረኽበ። እዚ ቕዳሕ እዚ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ዝነበረ ምዃኑ ምሁራት ደምዲሞም እዮም። ብርግጽ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ይዛረብ እዩ!

ኢሳይያስ ኰነ ኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብናይ ርእሶም ምስትውዓል ብዛዕባ መጻኢ ኺንበዩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ” እዮም እተዛረቡ። (2 ጴጥሮስ 1:21) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ህይወት የሱስ እተነበዮ እተወሰነ ዝርዝር ነገራት ክንርኢ ኢና። ድሕርዚ ኸኣ ነቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ግዜናን ብዛዕባ መጻእን እተነበይዎ ነገራት ክንምርምር ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ