ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ለካቲት ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ቂሮስ እቲ ዓብዪ
    ንቕሑ!—2013
  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ለካቲት ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘለዎ ናይ ምንባይ ክእለት እንታይ ይሕብረና፧

የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺነግር ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብረና እዩ። (ኢሳ. 45:21) ብኸመይ ወይ መዓስ ከምኡ ኸም ዚገብር፡ ወይ ከኣ ነዚ ኽእለቱ ኽሳዕ ክንደይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚውስን፡ ብዝርዝር ኣይገልጸልናን እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ሒደት ረቛሒታት እስከ ንመርምር።

የሆዋ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ዚገብሮ ደረት እንተ ዘይኰይኑ፡ ዚድርቶ የብሉን። መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብ ስለ ዘለዎ ብዛዕባ መጻኢ ዝደለዮ ነገር ኪፈልጥ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 11:33) ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ገዛእ ርእሱ ኺገትእ ስለ ዚኽእል ከኣ፡ ገሊኡ ነገራት ንዘይምፍላጥ ኪውስን ይኽእል እዩ።—ምስ ኢሳይያስ 42:14 ኣረኣኢ።

የሆዋ ፍቓዱ የኽውን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ምስቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምንጋር ክእለቱ ብኸመይ ይዛመድ፧ ኢሳይያስ 46:10፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ። ‘ውሳነይ ኪቐውም፡ ባህ ዝበለኒ ድማ ክገብር እየ’ እብል እየ” ትብል።

ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዝኸኣለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኬኽውን ስለ ዚኽእል ወይ ከም ዚኸውን ኪገብር ስለ ዚኽእል እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ከምዚ ንሕና ናብ መወዳእታ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ዘሊልና እነንብብ፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ከይዱ ኺርኢ ኣየድልዮን እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገራት ገና ዘይኰነ እዩ፡ ንየሆዋ እውን ንፍጻመታት ገና ኸይኰነ ኸም ዚርእዮ ጥራይ ጌርና ኽንሓስቦ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ሓደ ነገር ኣብ ውሱን ግዜ ኸም ዚኸውን ኪውስን እሞ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኬዅኖ ይኽእል እዩ።—ዘጸ. 9:5, 6፣ ማቴ. 24:36፣ ግብ. 17:31።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣዳልየ፡” “ሰሪሐ፡” “ዓሊመ፡” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (2 ነገ. 19:25፣ እ.ጽ.፣ ኢሳ. 46:11) እዚ ቓላት እዚ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ምስታ “ሰራሕ ካይላ” እትብል ቃል ይዛመድ እዩ። (ኤር. 18:4) ከምቲ ሰራሕ ካይላ ንጭቃ ናብ ጽቡቕ ሳርማ ኪቐርጾ ዚኽእል፡ የሆዋ ድማ ፍቓዱ ንምፍጻም ንነገራት ናብ ዝደለዮ ኣንፈት ኪጠዋውዮ ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 1:11።

የሆዋ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና የኽብረልና እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መጻኢኡ ኣቐዲሙ ኣይውስነሉን እዩ፣ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከኣ ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ ነገር ከም ዚገብሩ ኣይገብሮምን እዩ። የግዳስ፡ ንዅላትና መመገድና ኽንሓሪ ሓዲጉና ኣሎ፣ ቅኑዕ ዘበለ ኽንመርጽ እውን እዩ ዚምሕጸነና።

ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ። እቲ ቐዳማይ ኣብነት፡ ምስ ነበርቲ ነነዌ እተተሓሓዘ እዩ። የሆዋ እታ ኸተማ ብሰንኪ እከያ ኸም እትግልበጥ ተነበየ። እቶም ነበርታ ምስ ተነስሑ ግና፡ “ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣ ኣየምጽኣሎምን እውን።” (ዮና. 3:1-10) ሰብ ነነዌ ነቲ ኻብ የሆዋ እተላእከሎም መጠንቀቕታ ስለ ዝሰምዑን በቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ስለ እተነስሑን፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተነብይዎ ዝነበረ ነገር ሓሳቡ ቐየረ።

እቲ ኻልኣይ ኣብነት፡ ምስቲ ብዛዕባ ቂሮስ እተነግረ ትንቢት እተተሓሓዘ እዩ። ቂሮስ ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ኸም ዜውጽኦምን ንቤተ መቕደስ የሆዋ ዳግም ንምህናጽ ትእዛዝ ከም ዜውጽእን ትንቢት ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 44:26–45:4) ከምቲ እተባህለ ኸኣ፡ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ነቲ ትንቢት ፈጸሞ። (እዝ. 1:1-4) ይኹን እምበር፡ ቂሮስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣየምልኾን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንቂሮስ፡ ንመን ከም ዜምልኽ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ እናሓለወሉ ነቲ ትንቢት ንምፍጻም ተጠቕመሉ።—ምሳ. 21:1።

ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ነዚ ረቛሒታት እዚ ጥራይ ኣይኰነን ኣብ ግምት ዜእቱ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንዅሉ መገድታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ኣይክእልን እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ኰይኑ ግና፡ እቲ የሆዋ ዝገለጸልና ነገራት፡ ንሱ ወትሩ ቕኑዕ ከም ዚገብር፡ ዋላ እውን ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ኸሎ ቕኑዕ ከም ዚገብር፡ እምነትና የደልድለልና እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ