ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 6
  • ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንስም ኣምላኽ ትፈልጦን ትጥቀመሉን ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 6

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

ልሙድ መልስታት፦

▪ “ስሙ ኣምላኽ እዩ።”

▪ “ብሕታዊ ስም የብሉን።”

የሱስ እንታይ በለ፧

▪ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።” (ማቴዎስ 6:9) የሱስ፡ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ይኣምን ነይሩ እዩ።

▪ “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።” (ዮሃንስ 17:26) የሱስ ንስም ኣምላኽ ኣፍሊጡ እዩ።

▪ “ብስም [“የሆዋ፡” Nw] ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” (ሉቃስ 13:35፣ መዝሙር 118:26) የሱስ ንስም ኣምላኽ ተጠቒሙ እዩ።

ኣምላኽ ባዕሉ ስሙ ነጊሩና እዩ። “ኣነ [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ” ኸም ዝበለ ተመዝጊቡ ኣሎ።a (ኢሳይያስ 42:8) እቲ የሆዋ ዚብል ስም ካብ እብራይስጢ እተወርሰ ብትግርኛ እንጥቀመሉ ኣጸዋውዓ እዩ። እዚ ፍሉይ ናይ እብራይስጢ ስም እዚ፡ ኣብ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ተመዝጊቡ ይርከብ። ካብ ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስማት እውን፡ እቲ ዝበዝሐ እተጠቕሰ ስም እዩ።

ገሊኦም ነታ፡ “ስም ኣምላኽ መን እዩ፧” እትብል ሕቶ፡ “ስሙ ደኣ ኣምላኽ” ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግን፡ ከምዚ ዓይነት መልሲ፡ “ኣብቲ ምርጫ መን እዩ ተዓዊቱ፧” ንእትብል ሕቶ፡ “እቲ ሕጹይ” ኢልካ ኻብ ምምላስ ፈሊኻ ዚርአ ኣይኰነን። “ኣምላኽ” ከምኡውን “ሕጹይ” ብሕታዊ ስማት ስለ ዘይኰነ፡ ንጹር መልሲ ኣይህብን እዩ።

ኣምላኽ፡ ስሙ ንዓና ዝገለጸልና ስለምንታይ እዩ፧ ከምኡ ዝገበረ፡ ዝያዳ ኽንፈልጦ ምእንቲ ኽንክእል እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ሰብ፡ ጐይታ፡ ሓለቓ፡ ኣቦ፡ ወይ ኣቦሓጎ ተባሂሉ ይጽዋዕ ይኸውን። እዚ መዓርጋት እዚ ብዛዕባ እቲ ሰብ እተወሰነ ነገራት ይሕብረና እዩ። ይኹን እምበር፡ ብሕታዊ ስም እቲ ሰብ እዩ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ነገራት ዜዘኻኽረና። ብተመሳሳሊ፡ ጐይታ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ኣቦ፡ ከምኡውን ፈጣሪ ዚብል መዓርጋት ክንሰምዕ ከለና፡ ኣምላኽ ዚገብሮ እተፈላለየ ንጥፈታት እዩ ትዝ ዚብለና። እንተዀነ ግን፡ እቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ጥራይ እዩ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ነገራት ዜዘኻኽረና። ስሙ ኸይፈለጥካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንዕኡ ኽትፈልጦ እትኽእል፧

ነቲ ስም ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ስም ምጥቃም እውን ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስም [“የሆዋ፡”NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ስለ ዚብለና እዩ።—ሮሜ 10:13፣ ዮኤል 2:32።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ትርጕም ስም ኣምላኽን ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከበሉ ምኽንያትን መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 195-197 ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ ሰብ፡ ጐይታ፡ ሓለቓ፡ ኣቦ፡ ወይ ኣቦሓጎ ተባሂሉ ይጽዋዕ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብሕታዊ ስም እቲ ሰብ እዩ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ነገራት ዜዘኻኽረና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ