ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 7
  • የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ልዕሊ የሱስ ድዩ፧
    ስላሴ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ‘ወዲ ንኣቦ ኺገልጾ ይፈቱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • “መገድን ሓቅን ህይወትን”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 7

የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ልሙድ መልስታት፦

▪ “እወ፡ የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ።”

▪ “የሱስ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እዩ።”

የሱስ እንታይ በለ፧

▪ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።” (ዮሃንስ 14:28) የሱስ፡ ንሱን ኣቦኡን ማዕረ ኸም ዘይኰኑ ገሊጹ እዩ።

▪ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ።” (ዮሃንስ 20:17) የሱስ፡ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይተዛረበን፣ የግዳስ፡ ኣምላኽ እተፈልየ ኣካል ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ።

▪ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ።” (ዮሃንስ 12:49) ትምህርትታት የሱስ ካብ ርእሱ ዝመንጨወ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቦኡ ዝመጸ እዩ።

የሱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይተዛረበን። ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ምድሪ ኸሎ ደኣ ናብ መን እዩ ዚጽሊ ነይሩ፧ (ማቴዎስ 14:23፣ 26:26-29) ንኻልእ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ።

የሱስ፡ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብታ መንግስቱ እተፈልየ ቦታ ንኺህቦም ምስ ሓተትዎ፡ “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። (ማቴዎስ 20:23) ነቲ ዝለመንዎ ኺህቦም ስልጣን ከም ዘይብሉ ኺዛረቦም ከሎ፡ ይሕሱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን! ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ንኺገብር ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ብትሕትና ሓቢሩ እዩ። ንሱ ዀነ መላእኽቲ ዘይፈልጥዎ፡ ኣቦኡ ጥራይ ግና ዚፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ እውን ገሊጹ እዩ።—ማርቆስ 13:32።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ጥራይ ድዩ ኻብ ኣቦኡ ዚትሕት ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን እውን ንኣምላኽ ከም ዚግዛእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ከም ዝዀነ የዘኻኽረና። (1 ቈረንቶስ 11:3) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኺገልጽ ከሎ፡ “[ንክርስቶስ] ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:28።

የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንኣቦኡ “ኣምላኸይ” ኢሉ ዝጸውዖ።—ራእይ 3:2, 12፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4።a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 201-204 ርአ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ፡ ንሱ ዀነ መላእኽቲ ዘይፈልጥዎ፡ ኣቦኡ ጥራይ ግና ዚፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ