ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/2 ገጽ 20-23
  • ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “አክቦም”
  • መደረ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
  • ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
  • ኣኼባ ኣገልግሎት
  • በጻሕቲ እንታይ ይብሉ፧
  • ክትመጽእ ንዕድመካ
  • ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ’ ኣኼባታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኣምልኾ ብሓባር ምእካብ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሑ ኣኼባታት
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/2 ገጽ 20-23

ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ

ምናልባት ኣብ ከባቢኻ ብዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሊፍካ ትኸውን፡ ‘ኣብኡ እንታይ ኰን እዮም ዚገብሩ፧’ ኢልካ እውን ትሓስብ ትኸውን። ኣኼባታት ጉባኤኦም ንህዝቢ ኽፉት ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንበጻሕቲ ብጽቡቕ እዮም ዚቕበልዎም።

ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ግን ትሓትት ትኸውን፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ዚእከቡ ስለምታይ እዮም፧ ኣብቲ ኣኼባታት እንታይ ይገብሩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ በጻሕቲኸ ብዛዕባ ኣኼባታቶም እንታይ ይብሉ፧

“አክቦም”

ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኹን ብዛዕባኡ ኺመሃሩን ይእከቡ ነበሩ። ዳርጋ 3,500 ዓመት ይገብር፡ እስራኤላውያን፡ “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ . . . ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን፡ አክቦም” ተባሂሉ ተነግሮም። (ዘዳግም 31:12) ስለዚ፡ ኣብ እስራኤል፡ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ንየሆዋ ኣምላኽ ኬምልኹን ኪእዘዙን ይመሃሩ ነበሩ።

ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት፡ ኣኼባታት ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀይኑ ቐጸለ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል . . . ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:24, 25) ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ስድራ ቤት ብሓባር ግዜ ኸተሕልፍ ከላ ማእሰር እታ ስድራ ዚድልድል፡ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ዘሎ ማእሰር ፍቕሪ ንኺድልድል ድማ ክርስትያናት ንኣምልኾ ብሓባር ኪእከቡ ኣለዎም።

ምስዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ብምስምማዕ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበሃል መአከቢኦም ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ይእከቡ። እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ሰማዕቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬማስውሉን ኪርድእዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ይሕግዞም። ብእተኻእለ መጠን፡ እቲ መደባት ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ዓይነት እዩ ዚግበር፣ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ መንፈሳዊ ዕላማ ኣለዋ። እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ዀነ ድሕሪኡ፡ ተኣከብቲ ብዚገብርዎ ሃናጺ ዝርርብ ንሓድሕዶም ‘ይጸናንዑ።’ (ሮሜ 1:12) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ኣኼባታት እንታይ ይግበር፧

መደረ መጽሓፍ ቅዱስ

ሓያሎ ሰባት ፈለማ ናብቲ ንህዝቢ ተባሂሉ ዚዳሎ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዚግበር መደረ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚመጹ። የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ግዜ ህዝባዊ መደረ ይህብ ነበረ፡ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት ከኣ ሓደ ኻብዚ እዩ። (ማቴዎስ 5:1፣ 7:28, 29) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንሰብ ኣቴና መደረ ኣቕረበሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:22-34) ነዚ ኣብነት እዚ ብምስዓብ፡ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ንህዝቢ ተባሂሉ ዚዳሎ መደረ ይቐርብ እዩ፣ ገለ ኻብቶም ህዝቢ ንፈለማ ግዜ ዝመጹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ኣኼባ ኻብታ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩa ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዚዝመር መዝሙር ይጅመር። እቶም ደው ኢሎም ኪዝምሩ ዚደልዩ፡ ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ሓጺር ጸሎት ምስ ተገብረ፡ ሓደ ብቑዕ ተዛራባይ ናይ 30 ደቒቕ መደረ የቕርብ። (ነታ “ንህዝቢ ዚቐርብ ግብራዊ መደረታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ መደረ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። እቲ ተዛራባይ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ ሰማዕቲ ገንጺሎም ንኺከታተልዎ ብተደጋጋሚ ይዕድሞም እዩ። ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝካ ኽትመጽእ፡ ወይ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኪህበካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ

ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንህዝባዊ መደረ ስዒቡ ዚቐርብ መደብ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪቱ ንሓደ ሰዓት ዚጸንሕ ብሕቶን መልስን ዚቐርብ መደብ እዩ። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ሰማዕቲ ንኣብነት እቶም “ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” እተባህለሎም ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ንኺስዕቡ ዜተባብዕ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11።

መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብመዝሙር እዩ ዚጅመር። እቲ ነዚ ኣኼባ ዚመርሕ ሰብ ዜቕርቦ ሓበሬታን ዚሓቶ ሕቶታትን ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እዛ መጽሔት ይርከብ። ቅዳሕ እዛ ሕታም መጽናዕቲ ዝዀነት መጽሔት ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሓቲትካ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዚስዕብ ገለ ኻብቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተጸንዐ ርእሰ ነገራት እዩ፦ “ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም፡” “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ፡” “ኵሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!—ስለምንታይ፧” እቲ ኣኼባ ብሕቶን መልስን ዚቐርብ እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ዚምልሱ ግን ፈትዮም እዮም ዚምልሱ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቶም ነታ ዓንቀጽን ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታትን ኣቐዲሞም ዘንበብዎን ዝሓሰቡሉን ሰባት እዮም ሓሳብ ዚህቡ። እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ብጸሎትን ይዛዘም።—ማቴዎስ 26:30፣ ኤፌሶን 5:19።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ 1 ሰዓትን 45 ደቒቕን ዚወስድ ሰለስተ ኽፋል ዘለዎ መደብ ንምግባር ይእከቡ እዮም። ኣብ ፈለማ ዚግበር ኣኼባ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ዚበሃል ን25 ደቒቕ ዚጸንሕ ኣኼባ እዩ። እቶም ተኣከብቲ ንመጽሓፍ ቅዱሶም ብዝያዳ ንኺፈልጥዎ፡ ኣተሓሳስባኦምን ኣረኣእያኦምን ንኼተዓራርዩ፡ ከምኡውን ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን ምምሕያሽ ንኺገብሩ ይሕግዞም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ልክዕ ከም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ እዚ ኣኼባ እዚ እውን ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪቱ ብሕቶን መልስን እዩ ዚቐርብ። እቶም ዚምልሱ ብፍታው እዮም ዚምልሱ። እቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙሉ ጽሑፍ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ መጽሓፍ ወይ ብሮሹር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዚዝውተር ስለምንታይ እዩ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ምንባብ ጥራይ እኹል ኣይነበረን። “እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጹሎም” ዚብል ነንብብ ኢና። (ነህምያ 8:8) ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ብዛዕባ ትንቢት ኢሳይያስን ትንቢት ዳንኤልን ራእይ ዮሃንስን ዜብርህ መጻሕፍቲ፡ ነቶም ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚእከቡ ነዘን ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድእወን ሓጊዝዎም እዩ።

ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት

ደድሕሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ይቐርብ። እዚ 30 ደቒቕ ዚወስድ ኣኼባ እዚ ንክርስትያናት ክእለት ‘ኣመሃህራኦም’ ንኼማዕብሉ ንኺሕግዞም ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ንኣብነት፡ ውሉድካ ወይ ፈታዊኻ ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ ምስ ሓተተካ፡ ብቑዕ መልሲ ንኽትህቦ ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንኣጸጋሚ ሕቶታት ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዜተባብዕ መልሲ ብኸመይ ክትህብ ከም እትኽእል ኪምህረካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከነቃልሖ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 50:4።

ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ ቕድሚ ሰሙን ንተኣከብቲ ኼንብብዎ እተነግሮም ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ብምቕራብ ይጅምር። ደድሕሪ እቲ መደረ፡ እቶም ተኣከብቲ ኣብቲ ዘንበብዎ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ኪህቡ እቲ ተዛራባይ ይዕድሞም። ድሕሪ እዚ ምይይጥ እዚ፡ እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብምርጫኦም እተመዝገቡ ተመሃሮ እተመደበሎም ክፍሊ የቕርቡ።

ተመሃሮ ኣብ መድረኽ ኰይኖም እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ወይ ንኻልእ ሰብ ብኸመይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ርእሰ ነገር ከም ዚምህሩ መርኣያ ኬቕርቡ ይምደቡ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መደረ፡ ሓደ ምኩር መኻሪ ነቲ ሓደ ተመሃራይ ዝገበሮ ኣወንታዊ ነገራት ብምጥቃስ ይንእዶ፣ ሓሳባቱ ድማ ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መምሃሪ መጽሓፍ እተመርኰሰ እዩ። ጸኒሑ ነቲ ተመሃራይ ብኸመይ ኬመሓይሽ ከም ዚኽእል ብብሕቱ ይመኽሮ።

እዚ መደብ እዚ፡ ነቲ ተመሃራይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ናይ ምንባብን ምዝራብን ምምሃርን ክእለቶም ኬመሓይሹ ዚደልዩ ተኣከብቲ ንምሕጋዝ እተዳለወ እዩ። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ጥቕሲ እተመስረተ መዝሙር ንኣኼባ ኣገልግሎት መእተዊ ይኸውን።

ኣኼባ ኣገልግሎት

ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ መደብ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት እዩ። ተኣከብቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺምህሩ፡ ካብ ተሳትፎ ሰማዕትን ካብቲ ዚቐርብ መደረን መርኣያን ቃለ-መጠይቕን ይመሃሩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ስብከት ቅድሚ ምልኣኹ፡ ብሓደ ኣኪቡ ዝርዝር መምርሒ ሃቦም። (ሉቃስ 10:1-16) ንዕዮ ወንጌላውነት ብግቡእ ተዳልዮም ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ተመክሮታት ረኸቡ። ጸኒሖም ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ዘጋጠሞም ነገርዎ። (ሉቃስ 10:17) እቶም ደቀ መዛሙርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዶም እውን ተመክሮ ይነጋገሩ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:23፣ 15:4።

ንኣኼባ ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ 35 ደቒቕ መደብ፡ ኣብታ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘርእስታ ኣብ ወወርሒ እትወጽእ ጽሕፍቲ ይርከብ። እዞም ዚስዕቡ ገለ ኻብቶም ኣብ ቀረባ እዋን እተጸንዑ ርእሰ ነገራት እዮም፦ “ንየሆዋ ብስድራቤት ምምላኽ፡” “ንሰባት ደጋጊምና እንበጽሖም ስለምንታይ ኢና፧” “ኣብ ኣገልግሎትካ ንክርስቶስ ምሰሎ።” እቲ መደብ ብመዝሙር ይዛዘም፡ ሓደ እተመደበ ኣባል ጉባኤ ኸኣ መዕጸዊ ጸሎት የቕርብ።

በጻሕቲ እንታይ ይብሉ፧

ጉባኤታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብጽቡቕ ንኪቕበላኦ ይጽዕራ እየን። ንኣብነት፡ ኣንድርው ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ በላበለው ሰሚዑ ነበረ። ንፈለማ እዋን ናብ ኣኼባ ምስ መጸ ግን፡ በቲ እተገብረሉ ኣቀባብላ ተገረመ። “ባህ ዜብል ቦታ እዩ ነይሩ። እቶም ሰባት ተቐረብቲ ብምንባሮምን ኣባይ ብዘርኣይዎ ተገዳስነትን ኣዝዩ እዩ ደንጽዩኒ” በለ። ኣብ ካናዳ እትነብር ኣሸል ዝስማ ጐርዞ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “እቲ ኣኼባ ኣዝዩ መሳጢ እዩ ነይሩ! ብቐሊሉ ኽትከታተሎ ትኽእል ኢኻ” በለት።

ኣብ ብራዚል ዚነብር ሆሴ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ከም ተበኣሳይ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ሓደ ኣኼባ ተዓደመ። “እቶም ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ቀደም ጠባየይ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ ገይሮም ተቐበሉኒ” በለ። ኣብ ጃፓን ዚነብር ኣትሱሺ፡ “ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተኣከብኩሉ ኣኼባ፡ ቍሩብ ስኽፍክፍ ኢሉኒ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ተራ ሰባት ምዃኖም ክግንዘብ ጀመርኩ። ንሳቶም እውን ፍዅስ ከም ዚብለኒ ኺገብሩ ጽዒሮም እዮም” ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ።

ክትመጽእ ንዕድመካ

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ርእይቶታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ምእካብ ባህ ዜብል ተመክሮ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ በቲ ኣብኡ እትረኽቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ኣቢሉ ብኸመይ ‘ክትጥቀም’ ከም እትኽእል ኪምህረካ እዩ።—ኢሳይያስ 48:17።

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ እዩ ዚወሃብ፡ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ክትእከብ ትደሊዶ፧ እምበኣር፡ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዅሉ ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ እዩ።

ንህዝቢ ዚቐርብ ግብራዊ መደረታት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መደረታት፡ ነዚ ዚስዕብ ሓዊስካ ልዕሊ 170 ካብ ዚኸውን እተፈላለየ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር እዩ ዚምረጽ፦

  • መበቈል ደቅሰብ—ብዛዕብኡ ዘሎኩም እምነት ኣገዳሲ ድዩ፧

  • ንጾታዊ ርክብን ሓዳርን ዝምልከት ኣምላኻዊ ኣረኣእያ

  • ንምድሪ ምዕናው መለኮታዊ መቕጻዕቲ የምጽእ

  • ኣብ ህይወት ንዘጋጥም ጭንቀታት ብዓወት ምውጻእ

  • ህይወት ማለት እዚ ጥራይ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

መደረ መጽሓፍ ቅዱስ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ”

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ኣኼባ ኣገልግሎት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ