ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/07 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መምርሒ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን
    መምርሒ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን
  • ኣኼባታት ኣብ ሰዓቱ ተጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ይወዳእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ጉባኤ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 5/07 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ መኽፈቲ መዝሙር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት: ኣኼባ ኣገልግሎት: ህዝባዊ ኣኼባ: ከምኡውን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ኪሕበር ኣለዎ፧ ብመንከ፧

መኽፈቲ መዝሙር እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዚግበር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት: ኣብቲ ኣብ ናይ ጥቅምቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዚርከብ መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተዘርዚሩ ኣሎ። መኽፈትን መዕጸውን መዝሙር እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዚግበር ሰሙን ኣኼባ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ገጽ 2 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተሓቢሩ ኣሎ። ንሰሙናዊ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚኸውን መዝሙር እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ገጽ 2 ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ይርከብ እዩ። እቲ እተመርጸ መዝሙራት ክፍሊ እቲ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ኣኼባ ጌርካ ስለ ዚርአ: በቲ ኣቦ መንበር እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ኣኼባ ዘይኰነስ: በቲ ነቲ ኣኼባ ዚመርሕ ሓው ኪሕበር ኣለዎ።

ንኣብነት: እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንሰማዕቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ይብሎም: መኽፈቲ መዝሙር ይሕብሮም: ነቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ይመርሖ፣ ብድሕሪኡ ነቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ኣኼባ ኣገልግሎት ናብ መድረኽ ይዕድሞ። እቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ክፍሊ ዘለዎ ሓው ድማ ነታ መኽፈቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ዝዀነት መዝሙር ይሕብር።

ብተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባ እውን ብኣቦ መንበር ይኽፈት። ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል በቲ ተዛራባይ እተመርጸ መኽፈቲ መዝሙር ኪዝምሩ ይዕድሞም። እቲ ኣቦ መንበር (ወይ ካልእ ኣቐዲሙ እተመደበ ብቑዕ ሓው) ነቲ ኣኼባ ብጸሎት ይኸፍቶ። ቀጺሉ ነቲ ተዛራባይን ንኣርእስቲ እቲ ዜቕርቦ መደረን የላሊ። ድሕሪ እታ መደረ: እቲ ኣቦ መንበር ነቲ እቲ ተዛራባይ ዝገለጾ ነጥብታት ከይደገመ: ስለቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሕጽር ዝበለ ምስጋና የቕርብ። ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ ይሕብር፣ ድሕሪኡ ንዅሎም ተኣከብቲ ኣብቲ ቐጺሉ ዚቐርብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኺካፈሉ ይዕድሞም። እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ተኣከብቲ ናብ ጉባኤ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ፍቕሮምን ሰላምታኦምን ኪሰዱ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ኪሓቶም ኣየድልን እዩ። ቀጺሉ እቲ ኣቦ መንበር ነቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው ናብ መድረኽ ይዕድሞ።

እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው ነታ ምስቲ መጽናዕቲ እትተኣሳሰር ቀዳመይቲ መዝሙር ይሕብር። ነቲ መጽናዕቲ ምስቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ መምርሒታት ተሰማሚዑ ድሕሪ ምምራሑ መዕጸዊ መዝሙር ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ህዝባዊ መደረ ዘቕረበ ሓው እዩ መዕጸዊ ጸሎት ኪጽሊ ዚዕድሞ።

ነዚ ሓፈሻዊ መምርሒታት እዚ ምስዓብ ኣኼባታት ጉባኤና ሓድነት ብዘለዎ ኣገባብ ከም ዚምራሕ ዚገብር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ