ኣኼባታት ኣብ ሰዓቱ ተጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ይወዳእ
1 ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: እንተላይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ተጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ኽውዳእ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰዓትካ ሓሊኻ ምምልላስ ስርዓት ከም ዘሎካ የንጸባርቕ: ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝመጹን ዝሳተፉን ከኣ ሓልዮት የርኢ። (መክ. 3:17፣ 1 ቈረ. 14:33) ነዚ ዝስዕብ መምርሒታት ጠቢቕና ብምስዓብ ኣኼባታትና ኣብ ሰዓቱ ጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ኽውዳእ ከም እንደሊ ነርኢ።
2 ኣብ ኣኼባ ንኻልኦት ንኸነዘራርብ: ኣገዳሲ ጕዳያትና ንኽንፍጽም: ከምኡውን ኣብ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ንኽንካፈል ኣቐዲምና ኽንበጽሕ ኣሎና። ብሓፈሻኡ ንመዝሙርን ጸሎትን ሓሙሽተ ደቒቕ እዩ ዝምደብ። እቶም ንጉባኤ ወኪሎም ዝጽልዩ ዕላማ እቲ ኣኼባ ኣብ ግምት ከእትዉ: ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ጸሎቶም ድማ ነዚ ኽገልጽዎ ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ነዊሕ ክኸውን ኣየድልን እዩ።
3 ህዝባዊ ኣኼባ:- ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ውሽጢ 45 ደቒቕ ክውዳእ ኣለዎ። ነቲ እተመደበልካ ግዜ እንተ ኣሕሊፍካ: ነቲ ድሕሪኡ ዝቐርብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ይትንክፎ እዩ። እዚ ኽልቲኡ ኣኼባታት ከምኡውን መዝሙርን ጸሎትን ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት ክውዳእ ኣለዎ። ንኣብነት: እቲ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ መኽፈቲ መዝሙር: ሰዓት 3:00 ድ.ቐ. ዝጅምር እንተ ዀይኑ: እቲ ተዛራባይ ሰዓት 3:50 ድ.ቐ. ክውድእ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ድሕሪኡ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሰዓት 3:55 ድ.ቐ. ጀሚሩ ሰዓት 4:55 ድ.ቐ. ይውዳእ: ስዒቡ ድማ መዝሙርን ጸሎትን ይቐርብ። ህዝባዊ ዝርርብ ዘቕርቡ ኣሕዋት ነቲ ኣብቲ እተዋጽአ ጽሑፍ ዝወሃቦም ግዜ ኽሕልዉ ኣለዎም: ከም ሰላምታ ዝኣመሰለ ምስቲ ዝርርብ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ነገራት ድማ ከቕርቡ የብሎምን። ሓደ ተዛራባይ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከበሉ ቦታ ዘይፈልጦ እንተ ዀይኑ: እቶም ዝዓደምዎ ጉባኤ ንኽሕብርዎን ንጕዕዞ ኽንደይ ግዜ ኸም ዘድልዮ ንኽነግርዎን ክውከሶም ኣለዎ።
4 ትምህርቲ “ግምቢ ዘብዐኛ”:- ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝምደብ ግዜ ሓደ ሰዓት እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኵሉ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ክንበብን እቲ ናይ ድግማ ሕቶታት ምይይጥ ክግበረሉን ይግባእ። እቲ መራሒ ዝዛረቦ ሕጽር ዝበለ መእተዊ ተገዳስነት ዘለዓዕልን ናብቲ ትምህርቲ ዝመርሕን ክኸውን ኣለዎ። ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝጽንዓሉ እዋን ዝወሃብ ሓሳባት ደረት ክግበረሉ ኣለዎ። እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ ዝጽናዕ ዓንቀጽ ብደቓይቕ ምስ ዝኸፋፍሎ ኣብ ፈለማ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ ኣብ መወዳእታ ንኸይጐዪ ይሕግዞ።
5 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ:- እዚ 45 ደቒቕ ዝወስድ ኣኼባ እዩ። እቶም ነቲ ሃናጺ ዝርርብን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባትን ዘቕርቡ ኣሕዋት ግዜኦም ምስ ኣብቅዐ ደው ንኸብሉ ዘይንገሮም እኳ እንተዀነ: ካብቲ እተመደበሎም ግዜ ግን ከሕልፉ የብሎምን። ከምዚ እንተ ዘይገይሮም ግን ብብሕቲ ምኽሪ ኽወሃቦም ኣለዎ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝህቦ ምኽርን ሓሳባትን እውን ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ኽሓልፍ የብሉን። ኵሎም እቶም ተማሃሮ ኣብ ጥቓ እቲ መድረኽ ኮፍ እንተ ኢሎምን ኣብቲ እተመደበሎም ግዜ ዝዛዝሙ እንተ ዀይኖምን ግዜ ኽንቍጥብ ንኽእል ኢና።—እዋናዊ መደብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ርአ።
6 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ:- እዚውን 45 ደቒቕ ዝወስድ ኣኼባ እዩ። ንቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን መዝሙራትን ጸሎትን ሓዊስካ ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ካብ ሓደ ሰዓትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቒቕን ክዛይድ የብሉን። ስለዚ: እቲ መኽፈቲ መዝሙር ሰዓት 6:00 ድ.ቐ. እንተ ጀሚሩ: እቲ ቤት ትምህርቲ ሰዓት 6:50 ድ.ቐ. ክዛዘም ኣለዎ። ሰዓት 7:40 ድ.ቐ. ከኣ እቶም ተኣከብቲ ናይ መወዳእታ መዝሙርን ጸሎትን ንኽገብሩ ኽንገሮም ኣለዎ። እቶም ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኽፍሊ ዝወሃቦም ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ተጠንቂቖም ክስዕቡ ኣለዎም። ብሕቶን መልስን ዝሽፈን ክፍልታት ሓጺር መእተዊ ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ሰፊሕ መእተዊ ሓሳባት ምውሳኽ ኣየድልን እዩ። መርኣያታት ብዝግባእ ምልምማድ እተገብረሉ ክኸውን ኣለዎ: እቶም ንዕኡ ዘቕርቡ ድማ ነቲ እተመደበሎም ክፍሊ ብዝግባእ ንኽጥቀሙሉ ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም። ሓደ ኽፍሊ ኻብቲ እተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ እንተ ወሲዱ እውን እቲ ድሕሪኡ ዝቕጽል ተዛራባይ ክፍሉ ኣሕጽር ኣቢሉ ብምቕራብ ኣብ መወዳእታ በቲ እተመደበ ሰዓት ከም ዝውዳእ ክገብር ኣለዎ።
7 ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ:- እዚ ምስ መኽፈትን መዕጸውን ጸሎት ሓደ ሰዓት ዝወስድ ኣኼባ እዩ። ኵሉ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ክንበብ ኣለዎ። እቲ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ምእንቲ ኽውዳእ: እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ምስ ዝኸፋፍሎ ኣብ መወዳእታ ኣይጐዪን ወይ ብዙሕ ግዜ ተሪፍዎ ኸሎ ኣይውድእን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኸሕልፍ ከም ዘለዎ ንምውሳን ምስትውዓል የድልዮ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ንጹር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ምምሃር ክእለቱ ነዚ ኣብዚ ዘጋጥሞ ዝዀነ ይኹን ብድሆ ንኽሰግር የኽእሎ።—ቲቶ. 1:9
8 ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ:- እዚ ኣኼባ እዚ ንዞባ ምምዳብን መዕጸዊ ጸሎትን ሓዊስካ: ካብ 15 ደቒቕ ክዛይድ የብሉን። እቶም ናብ ኣገልግሎት ዝኸዱ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም እዮም ኣገልግሎቶም ክጅምሩ ዝደልዩ። እቲ ዝመርሕ ሓው ነቲ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ኽጅምሮ ደኣ እምበር ብዙሓት ሰባት ክሳዕ ዝመጹ ኽጽበ የብሉን። ዘገልግሉሉ ዞባታት ምስ ተዋህቦምን እቲ ኣኼባ ብጸሎት ምስ ተዛዘመን እቶም ተኣከብቲ ቐልጢፎም ናብ ኣገልግሎት ክኸዱ ኣለዎም። እዚ ድማ ብሕልፊ ንፓይነራት ኣገዳሲ እዩ።
9 ኵላትና ኻብቲ ኣብ ሰዓቱ ዝጅምርን ዝውዳእን ኣኼባታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ምናዳ እቶም ኣብ እተወሰነ ሰዓት ኣብ ቤቶም ዝጽበዮም ዘይኣማኒ ብዓል ቤት ወይ ዘይኣማኒት ብዓልቲ ቤት ዘለዎም ክርስትያናት ዝያዳ እዮም ዘማስዉሉ። እቶም ኣባላት እተን በበይኑ ሃይማኖታት ዘለወን ስድራቤታት ዝዀኑ ክርስትያናት ናብ ኣኼባ ንክኸዱን ካብኡ ንኽምለሱን ንዘበጻጽሖም ሰብ ዝመጸሉ ሰዓት ክቘጽሩዎ ኸለዉ ወይ ናብ ቤቶም ዝምለሱሉ ግዜ ኽነግሩ ኸለዉ: ነቲ ቕድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ኣሕዋቶም ንምዕላል: ጽሑፋት ንምውሳድ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ንምፍጻም ዘሕልፍዎ ግዜ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም። ኣኼባታትና ኣብ ሰዓትና ጀሚርና ኣብ ሰዓትና ምስ እንውድእ ንጥፈታትና “ብስርዓትን በጋባብን” ንክኸውን ኣበርክቶ ኸም ዝገብር ኣየጠራጥን እዩ።—1 ቈረ. 14:40