ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/4 ገጽ 26
  • ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ይምህር ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ህይወትካ—እንታይ ዕላማ ኣለዋ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/4 ገጽ 26

ሕቶታት ኣንበብትና

ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ መዓስ ከም እንመውት ኣቐዲሙ እተወሰነ ምዃኑ ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ እንሞተሉ ግዜ ኸም ዝወሰነ ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ቀንዲ ፍጻመታት ዘይተርፍ ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ድዩ ዘሎካ፧

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፦ ‘ብርግጽ ጽሕፍቶና ኽንቅይሮ ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ነገራት ብኣምላኽ ወይ ብዕድሎት ድሮ እተወሰነ እንተ ዀይኑ፡ ምጽላይ ደኣ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኢና ድሕንነትና ንምሕላው ስጕምቲ እንወስድ፧ ብማኪና ኽንጐዓዝ ከለና፡ መቐነት መንበር እንጥቀም ስለምንታይ ኢና፧ መስተ ሰቲና ማኪና ዘይንዝውር ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧’

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብሸለልታ ዚግበር ተግባር ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ኵሉ ነገራት ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ኣይኰነን ዚምህር፣ የግዳስ፡ ንእስራኤላውያን፡ ንድሕንነቶም ጥንቁቓት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንወሰናስን ናሕሲ ቤቶም መጋረዲ ኺገብሩሉ ተኣዚዞም ነበሩ። እዚ ኸኣ ዝዀነ ሰብ ብሃንደበት ካብቲ ናሕሲ ኸይወድቕ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ካብ ናሕሲ ወዲቑ ኸም ዚመውት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እሞ እዩ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ትእዛዝ ዝሃበ፧—ዘዳግም 22:8።

ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋታት ወይ ካልእ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ዝዀነ ዜሕዝን ፍጻመታት ዝሞቱ ሰባትከ፧ ዝሞቱላ መዓልቲ ኣቐዲማ እተወሰነት ድያ ነይራ፧ ኣይፋሉን። እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” በለ። (መክብብ 9:11) ስለዚ፡ እቲ ዜሕዝን ፍጻመታት ክሳዕ ክንደይ ዜደንጹ ወይ እተፈልየ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣቐዲሙ እተወሰነ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ሰሎሞን ኣቐዲሙ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከኣ ጊዜ አለዎ” ብምባል ዝሃቦ ርእይቶ ኸም ዚጋጮ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። (መክብብ 3:1, 2) ሰሎሞን ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣረኣእያ ብሓቂ ይድግፍ ድዩ ነይሩ፧ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብጥንቃቐ እስከ ንመርምረን።

ሰሎሞን፡ ውልደትን ሞትን ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ኣይገለጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ውልደትን ሞትን ልክዕ ከምቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ካልእ ነገራት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ዑደት ከም ዝዀነ እዩ ሓቢሩ። ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ሕማቕን ጽቡቕን ነገራት የሕልፍ እዩ። ሰሎሞን፡ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከኣ ጊዜ አለዎ” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ነገራትን ዘይተሓስበ መዓትን ኣብ ህይወት ወይ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር” ልሙድ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (መክብብ 3:1-8፣ 9:11, 12) ስለዚ፡ በቲ ንፈጣሪና ዕሽሽ ከም እንብሎ ዚገብር መዓልታዊ ጕዳያትና ኣዚና ትሑዛት ክንከውን ከም ዘይግባእ እዩ ደምዲሙ።—መክብብ 12:1, 13።

ፈጣሪና ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ዚርዳእ እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወትና ግን ኣቐዲሙ ኣይወሰነልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዅላትና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዝኸፈተልና እዩ ዚምህር። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነዚ እተኸፍተልና ኣጋጣሚ እዚ ንኽንቅበሎ ኣየገድደናን እዩ። የግዳስ፡ ቃሉ፡ “ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ይብል።—ራእይ 22:17።

እወ፡ ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽንወስድ’ ድሌት ኪህልወና ኣለዎ። እምበኣርከስ፡ ህይወትና ኣቐዲሙ ብጽሕፍቶ ኣይተወሰነን። ውሳነናን ኣመለኻኽታናን ተግባራትናን ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ጽልዋ ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ