መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ይምህር ድዩ፧
ምጥቃን! ምክፋእ! ሓደ ሕፉር ኣባል ማሕበረሰብ ብናይ ሓሶት ወረ ስሙ ወይ ዝናኡ ከም እተበላሸወ ምስ ዝኣምን: ነቲ ኵነታት ከዐርዮ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝስምዖ። ኣንጻር እቶም ዝጠቀንዎ ሰባት ድማ ሕጋዊ ስጕምቲ እውን ከይተረፈ ይወስድ ይኸውን።
እምነት ጽሕፍቶ እውን ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ካብ ምክፋእ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን። እቲ ናይ ጽሕፍቶ ክልሰ-ሓሳብ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘሳቕዮም ዘሎ ዘሕዝን ነገራትን ሓደጋታትን ብውልቁ ተሓታቲ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ ጽሕፍቶ ትኣምን እንተድኣ ኴንካ እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጀንዳ ኣለዎ ማለት ኢዩ:- ‘ዮሃንስ ሎሚ መዓልቲ ብናይ መኪና ሓደጋ ክቘስል ኢዩ: ፋቱ ዓሶ ክሕዞ ኢዩ: ናይ ማማዱ ገዛ ብህቦብላ ንፋስ ክዓኑ ኢዩ’! ንኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ ከተገልግል ካብ ውሽጢ ክትለዓዓል ትኽእልዶ፧
ኣብ ጽሕፍቶ ዝኣምኑ ሰባት ‘ንሕማቕ ኵነታትና ሓላፊኡ ኣምላኽ እንተድኣ ዘይኰኑ: መን ድኣ ኢዩ እሞ ሓላፍነት ዝወስድ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ኣብታ ቐዳመይቲ ኣርእስቲ ዝረኣናዮ መንእሰይ ዑስማን እውን ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሓቲቱ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ንምርካብ ግን ክግምት ወይ ክእምት ኣየድለዮን። ኣምላኽ በቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘሎ ትምህርትታት ገይሩ ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ምክፋእ እዚ ከም ዘጽረያ ፈሊጡ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እርእስቲ እዚ እንታይ ከም ዝብል ንርአ።
መን ኢዩ ዝውቀስ፧
ከም እኒ ምዕልቕላቕ ማይ: ህቦብላ ንፋስ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰለ መቕዘፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ተግባራት ኣምላኽ ኢዩ ዝበሃል። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንወት ከም ዘውርድ ኣይሕብርን ኢዩ። ነቲ ዘበናት ኣቐዲሙ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ዘሕዝን ነገር ርአ። እቲ ካብቲ መዓት ዝደሓነ እንኮ ሰብኣይ “ናይ ኣምላኽ ሓዊ [መብዛትኡ ግዜ በርቂ ዝትርጕሙ ናይ እብራይስጢ ኣገላልጻ] ኻብ ሰማይ ወሪዳ: ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን” ኢሉ ጸብጻብ ከም ዝሃበ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።—እዮብ 1:16
እዚ ራዕዲ ኣትይዎ ዝነበረ ሰብኣይ: በቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓዊ ኣምላኽ ተሓታቲ ከም ዝዀነ ገይሩ እኳ ሓሲቡ እንተነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ በዚ ተወቃሲ ከም ዘይነበረ የርኢ ኢዩ። ንእዮብ 1:7-12 ባዕልኻ ኣንብባ እሞ: እቲ በርቂ ብኣምላኽ ዘይኰነስ በቲ ተጻራሪኡ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝመጸ ክትፈልጥ ኢኻ! ኵሉ ሓደጋታት ብቐጥታ ካብ ሰይጣን ኢዩ ዝመጽእ ማለት ኣይኰን። እንተዀነ ግን: ብንጹር ንኣምላኽ እንወቕሰሉ ምኽንያት የብልናን።
ብሓቂ ክርአ ከሎ: ሓደ ነገር ምስ ዘጋጥም መብዛሕትኡ ግዜ ክውቀሱ ዘለዎም ሰባት ኢዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ: ስራሕ: ወይ ማሕበራዊ ርክባት ዘጋጥም ዘይምዕዋት: ጻዕርን ጽቡቕ ልምምድን ካብ ዘይምግባር ወይ ምናልባት ንኻልኦት ሓልዮት ካብ ዘይምርኣይ ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ሕማም: ሓደጋታት: ከምኡውን ሞት ካብ ሸለልትነት ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እወ: መኪና ብናህሪ ክትዝውር ከሎኻ ናይ ኮፍ መበሊ መእሰሪ ምጥቃም ነቲ ብሓደጋ መኪና ከጋጥም ዝኽእል ሞት ይቕንሶ ይኸውን። ዘይልወጥ “ጽሕፍቶ” እንተድኣ ኣልዩ ግን: ኣብ መኪና ዘሎ ናይ ኮፍ መበሊ መእሰሪ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጽእን ማለት ኢዩ። ግቡእ ሕክምናዊ ጥንቃቐን ጽሬት ምዝውታርን እውን ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሞት ዕሸላት ኣጸቢቑ ክቕንሶ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓድሓደ ግዜ ብልምዲ “ተግባራት ኣምላኽ” ኢዩ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገለ ገለ ዕንወታት እውን ከይተረፈ: ተግባራት ሰብ—ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ምድሪ ዝመጸ ናይ ሰብ ዘሕዝን ውርሻ ኢዩ።—ምስ ራእይ 11:18 ኣረኣእዮ።
“ጊዜን ኣጋጣምን”
ሓቂ ኢዩ: ጠንቅታቱ ብንጹር ዘይተፈልጠ ብዙሕ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣሎ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 9:11 ዝብሎ ኣስተብህል:- “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር: ብድሕሪ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ፈጣሪ ከም ዘሎ ወይ ናይ ሓደጋ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ብገለ መገዲ ይቕጽዑ ኢዮም ዘለዉ ኢልና ንኽንኣምን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን።
የሱስ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ ጽሕፍቶ ንዝወሃብ ሓሳባት ተቓዊምዎ ኢዩ። ብዛዕባ ሓደ እቶም ሰማዕቱ ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጥዎ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ኣመልኪቱ የሱስ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ ኣይፋሎም: . . . እብለኩም አሎኹ።” (ሉቃስ 13:4, 5) የሱስ ብርግጽ እቲ ዕንወት ዘጋጠመ: ኣምላኽ ኢዱ ስለ ዘእተወ ዘይኰነስ: ብምኽንያት “ጊዜን ኣጋጣምን” ምዃኑ ተዛረበ።
ዘይፍጽምና ዘምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት
ብዛዕባ እቲ ምኽንያቱ እዚ ኢዩ ዘይብሃል ሞትን ሕማምንከ እንታይ ንበል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሰብ ኵነታት ‘ብኣዳም ኵላቶም ሞቱ’ ብምባል ግሁድ ዝዀነ መግለጺ ይህብ። (1 ቈረንቶስ 15:22) ኣቦና ኣዳም ነቲ ናይ ዘይምእዛዝ መገዲ ካብ ዝጅምሮ ኣትሒዙ: ሞት ንወድሰብ የሳቕዮ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ: ኣዳም ንዘርኡ ናይ ሞት ውርሻ ገደፈሎም። (ዘፍጥረት 2:17፣ ሮሜ 5:12) ስለዚ እምበኣር: ኵሉ ሕማም ካብቲ ናይ ሓባር መበቈልና ዝዀነ ኣዳም ዝመጸ ምዃኑ ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥመና ተስፋ ምቚራጽን ዘይምዕዋትን እውን ብዓቢኡ ምስቲ ዝወረስናዮ ድኽመታት እተተሓሓዘ ኢዩ።—መዝሙር 51:5
ናይ ድኽነት ግድል ርአ። መብዛሕትኡ ግዜ: ነቶም ብድኽነት ዝሳቐዩ ሰባት እቲ ኣብ ጽሕፍቶ ዘለዎም እምነት ነቲ ዘለዉዎ ከቢድ ኵነታት ኢዶም ከም ዝህቡ ገይርዎም ኢዩ። ‘እዚ ኢዩ ዕድሎትና’ ኢሎም ይኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቲ ምኽንያት ጽሕፍቶ ዘይኰስ ናይ ሰብ ዘይፍጽምና ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ገሊኣቶም ብሰንኪ ትህኪቶም ወይ ድማ ሕማቕ ኣጠቓቕማ ገንዘቦም ‘ነቲ ዝዘርእዎ ብምዕጻድ’ ድኻታት ይዀኑ። (ገላትያ 6:7፣ ምሳሌ 6:10, 11) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ስሱዓት ሰባት ግዳያት ብምዃኖም ኣብ ድኽነት ወዲቖም ኢዮም። (ምስ ያእቆብ 2:6 ኣረኣእዮ።) መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣቱ ይገዝእ” ይብል። (መክብብ 8:9: ትሓዓ ) ናይዚ ዘሎ ዅሉ ድኽነት ምኽንያት ናብ ኣምላኽ ወይ ናብ ጽሕፍቶ ንምጽጋዕ ዝዀነ ይኹን መርትዖ የልቦን።
ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ዘምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት
ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ቅኑዕ ከም ዘይኰነ እቲ ኣብ ኣመንቱ ዘምጽኦ ሳዕቤን ተወሳኺ ከእምን ዝኽእል ነጥቢ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ” በለ። (ማቴዎስ 7:17) ሓደ ካብቲ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ዘምጽኦ “ፍረ”—ነቲ ሰባት ብዛዕባ ሓላፍነት ምስካም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም ዝትንክፎ እስከ ንርአ።
ጥዑይ ዝዀነ ብሕታዊ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ወለዲ ንስድራቤቶም ዘድልዮም ንኽቕርቡሎም: ሰራሕተኛታት ስርሖም ብትግሃት ንኽፍጽሙ: ኣፍረይቲ ድማ ጽቡቕ ዝዀነ ፍርያት ንኸቕርቡ ዘለዓዕሎም ነገራት ናይ ሓላፍነት ስምዒት ኢዩ።ንጹር ንክኸውን ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ግን: ነዚ ስምዒት እዚ ዘደንዝዞ ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ሓደ ሰብኣይ መኪና ሕማቕ መዘወሪ ከም ዘለዋ ገይርካ ሕሰብ። ዓሚቝ ናይ ሓላፍነት ስምዒት እንተድኣ ኣለዎ ኰይኑ: ንህይወቱን ንህይወት ናይቶም ምስኡ ዝጓዓዙ ሰባትን ብምሕላይ ከዐርዮ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ኣብ ጽሕፍቶ ዝኣምን ሰብ: ሓደጋ ዘጋጥም ‘ፍቓድ ኣምላኽ’ እንተድኣ ዀይኑ ጥራይ ኢዩ ብምባል ነቲ ሓደጋ ዕሽሽ ይብሎ ይኸውን!
እወ: ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ሸለልትነት: ትህኪት: ሓደ ሰብ ንዝወስዶ ስጕምቲ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ዘይምህላው: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ኣሉታዊ ባህርያት ንኽህሉ ብቐሊሉ ዘተባብዕ ኢዩ።
ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዕንቅፋት ዝኸውን ድዩ፧
ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ድማ: ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ነቲ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓላፍነት ወይ ናይ ግዴታ ስምዒት ከጥፍኦ ዝኽእል ምዃኑ ኢዩ። (መክብብ 12:13) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንዅሎም ደቅሰብ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ብምባል የተባብዖም። (መዝሙር 34:8) ኣምላኽ ነቶም ሰናዩ ከስተማቕሩ ዝደልዩ ሰባት ገለ ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ኣንቢሩሎም ኣሎ።—መዝሙር 15:1-5
ሓደ ካብዚ ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ነስሓ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ 17:30) ምንሳሕ ጌጋታትና ምእማንን ኣድላዩ ለውጥታት ምግባርን ዘጠቓልል ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን: ኵላትና ክንናስሓሉ ዘድልየና ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ናይ ጽሕፍቶ መስኪን ግዳይ ምዃኑ ዝኣምን እንተድኣ ዀይኑ: ናይ ነስሓ ኣድላይነት ክስምዖ ወይ ነቲ ዝገበሮ ጌጋ ሓላፍነት ክወስድ ከቢድ ኢዩ ዝዀኖ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ “ለውሃትካ [“ፍቕራዊ ሕያውነትካ:” ትሓዓ ] ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ” በለ። (መዝሙር 63:3) እንተዀነ ግን: ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ንሚልዮናት ሰባት: እቲ ዘጋጥሞም ሽግር ኣምላኽ ዝጸሓፎ ከም ዝዀነ ኣእሚንዎም ኣሎ። እዚ ድማ ንብዙሓት ብኣምላኽ ከም ዝምረሩ: ነቲ ምስኡ ናይ ሓቂ ጥብቂ ርክብ ክገብርሉ ዝኽእሉ መገዲ ከም ዝዓጽውዎ ገይርዎም ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንዅሉ ሽግራትካ ንሱ የምጽኦ ከም ዘሎ ገይርካ እትኣምነሉ ኣካል ከመይ ኢልካ ኢኻ ከተፍቅሮ እትኽእል፧ ስለዚ እምበኣር: ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ሓጹር ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ።
ካብ ናይ ጽሕፍቶ ጭቆና ናጻ ወጺኡ
ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ መንእሰይ ዑስማን: ሓደ ግዜ ናይ እምነት ጽሕፍቶ ባርያ ኰይኑ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብርሃን ገይሩ ኣተሓሳስብኡ ንኽምርምር ምስ ሓገዝዎ: ዑስማን ነቲ ዝነበሮ ናይ ጽሕፍቶ እምነት ንኽጥንጥኖ ተለዓዒሉ ኢዩ። እዚ ድማ ዓሚቝ እፎይታ ከምኡውን ኣብ ህይወት ሓድሽን ኣወንታውን ኣረኣእያ ከም ዝህልዎ ገበሮ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ድማ: ንየሆዋ “መሓርን ጸጋውን . . . ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” ትሓዓ ] ሓቅን” ዝዀነ ኣምላኽ ገይሩ ንኽርእዮ ክኢሉ ኢዩ።—ዘጽኣት 34:6
ብተወሳኺ ድማ ዑስማን: ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ንጥፈታት ዝውጥን እኳ እንተዘይኰነ: ንመጻኢ ዕላማ ከም ዘለዎ ክርዳእ ክኢሉ ኢዩ።a 2 ጴጥሮስ 3:13 ከምዚ ይብል:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሚልዮናት ሰባት ከም ክፍሊ ናይዚ መብጽዓ እተገብረሉ “ሓድሽ ምድሪ” መጠን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንኽዅስኵሱ ሓጊዞምዎም ኢዮም። ንዓኻውን ክሕግዙኻ ይደልዩ ኢዮም።
ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት እናዓበኻ ብዝኸድካ መጠን: መጻኢ ህይወትካ ብሓደ ካብ ቍጽጽርካ ንላዕሊ ዝዀነ ኣካል ኣቐዲሙ እተወሰነ ጽሕፍቶ ከም ዘይኰነ ምፍላጥካ ከተማስወሉ ኢኻ። እቲ ሙሴ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝበሎም ቃላት ኣብዚ ጽቡቕ ገይሩ ይውዕል ኢዩ:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣሎኹ] . . . እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።” (ዘዳግም 30:19, 20) እወ: ኣብ ቅድሜኻ ምርጫ ኣሎ። መጻኢኻ ንጹር ንክኸውን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጽሕፍቶ ኣይኰነን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለት ጽቡቕ ምይይጥ ንምርካብ ናይ 15 ሓምለ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-7 ርአ።
[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ስእሊ]
እዞም ዕንወታት እዚኣቶም ተግባራት ኣምላኽ ኣይነበሩን
[ምንጪ ስእሊ]
U.S Coast Guard Photo
WHO
UN PHOTO 186208/M. Gratman