ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/4 ገጽ 3-4
  • መጻኢና ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጻኢና ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽሲ ንዕድሎትና ኣቐዲሙዶ ይውስኖ ኢዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ጽሕፍቶ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰማማዕ ይኽእልዶ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ይምህር ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “መዓልተይ ኣይኣኸለን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/4 ገጽ 3-4

መጻኢና ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ድዩ፧

ኣብ ኵሉ እምነት ዘለዉ ሰባት ክርስትያን: ኣስላም: ኣይሁድ: ሂንዱ: ወይ ናይ ካልእ ሃይማኖታት ኣመንቲ መዓት የጋጥሞም ኢዩ: ብእኡ ምኽንያት ከኣ ይጕህዩ።

ንኣብነት 6 ታሕሳስ 1997 ኣብ ሳይበርያ ኣብ ከተማ ኢርኩስክ ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጠመ። ሓንቲ ኤኤን-124 ዝዓይነታ ገዛፍ ናይ ኣቑሑት መጓዓዝያ ነፋሪት ካብ መሬት ክትበርር ምስ ጀመረት: ክልተ ካብ ሞተራታ ተበላሸወ። እታ ነዳዲ መሊኣ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ወደቐት። ንሓያሎ ኣፓርትማታት ከኣ ሃልሃልታ ሸፈኖ: እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብኡ ዝነብሩ ተቐማጦ: ቆልዑ እውን ሓዊስካ: ሞትን መጕዳእትን ኣስዓበሎም።

ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዝወረደሉ ከባቢ: ኣብ ሳይበርያ: እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። ገሊኦም ኣብ ክርስትና ከም ዝኣምኑ ይገልጹ ይዀኑ: ይኹን እምበር እቲ ዘጋጠመ መዓት ጽሕፍቶ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ይዀኑ: ንሳቶምን ካልኦትን ‘ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ:’ እቶም እተቐትሉ በዚ መገዲ እዚ እኳ እንተ ዘይሞቱ ብኻልእ መገዲ ምሞቱ ነይሮም: ጽሕፍትኦም ኢዩ’ ዝብል ስምዒት ይህልዎም ይኸውን።

ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ብቓል ይዘረብ ኣይዘረብ ብዘየገድስ ነቲ ኣብተን ኣብ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘሎ ሓሳባት​—⁠ጽሕፍቶ​—⁠ኢዩ ዘንጸባርቕ። ብዙሓት ሰባት መጻኢና: ካብቲ እተወለድናሉ ክሳብ እቲ እንሞተሉ ግዜ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን እተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዘለዎ: እዚ ኸኣ ንዅሉ ዝሓቁፍ መግለጺ ክትህብ ከቢድ ይገብሮ። ብመሰረቱ ጽሕፍቶ ክበሃል ከሎ ኵሉ ዘጋጥም ነገር: ኵሉ ስጕምቲ: ኵሉ ፍጻሜ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ዘይተርፍ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዎ፣ ኣቐዲሙ ብሓደ ዝለዓለ: ሰብ ክቈጻጸሮ ዘይክእል ሓይሊ እተወሰነ ስለ ዝዀነ ክፍጸም እተመደበ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ኣብ ቈጸራ ከዋኽብቲ: ኣብ ናይ እምነት ሂንዱን ቡድሂዝምን ካርማ: ከምኡውን ኣብ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሰረተ⁠-​እምነት ዕድሎት ይርከብ። ቀደም ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበሩ ሰባት: ኣማልኽቲ ንጽሕፍቶን ንመጻእን ብሓደ እተጻሕፈ ሰነድ ገይሮም ከም ዝቈጻጸርዎ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ነዚ ናይ “ዕድሎት ጽላት” ዝቈጻጸር ዝነበረ ኣምላኽ ጽሕፍቶ ደቅሰብ: መንግስታት: ናይ ኣማልኽቲ እውን ከይተረፈ ክውስን ከም ዝኽእል ይኣምኑ ነበሩ።

ብዙሓት ኣመንቲ እቲ ንሰባት ዘጓንፎም ኵሉ: ነቲ ናይ ዕድሚኦም ንውሓት: ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ: ሃብታማት ወይ ድኻታት: ጕሁያት ወይ ሕጕሳት ናይ ምዃኖም እውን ሓዊስካ: ኣምላኽ ብመለኮታዊ ትእዛዝ ገይሩ ሰባት ቅድሚ ምውላዶም ኢዩ ዝውስኖ ይብሉ። እዚ ዅሉ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ኣእምሮ ኣምላኽ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ መጽሓፍ እተጻሕፈ ኢዩ ዝብሃል። ስለዚ ሓደ ኣማኒ መዓት ክወርድ ከሎ “መክቱብ ”​—⁠ተጻሒፉ ኢዩ!​—⁠ክብል ልሙድ ኢዩ። ኣምላኽ ኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ዝፈልጥ ስለ ዝዀነ መን ይእዘዞ መን ከኣ ኣይእዘዞን እውን ክውስን ኣለዎ ብምባል ይሓስቡ። ስለዚ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ሓደ ሰብ ቅድሚ ምውላዱ እውን ከይተረፈ ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ንምርካብ እተዓደለ ወይ ከኣ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እተዓደለ ምዃኑ ድሮ ኣምላኽ ወሲንዎ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ ምስቲ ገለ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዝምህርኦ ናይ ዕድሎት ሰረተ⁠-​እምነት ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኰይኑ ይስመዓካ ይኸውን። እቲ ቀንዲ ደጋፊ ናይ ዕድሎት እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነብር ዝነበረ ናይ ፕሮተስታንት ተሃድሶ መራሒ ጆን ካልቪን ኢዩ። ንዕድሎት ክገልጾ ኸሎ “እቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ዝደልዮ ክገብሮ ዝውስነሉ ዘለኣለማዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ኢዩ። ኵሎም ሓደ ዓይነት ኰይኖም ኣይተፈጥሩን: ንገሊኦም ናይ ዘለኣለም ህይወት: ንኻልኦት ከኣ ናይ ዘለኣለም ኵነኔ ኣቐዲሙ ተወሲንሎም ኢዩ” በለ። ካልቪን “ኣምላኽ ውድቀት ናይቲ ቀዳማይ ሰብ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ናይ ዘርኡ ጥፍኣት ርእይዎ ጥራይ ዘይኰነስ ብድልየቱ ኣቐዲሙ ወሲንዎ ኢዩ” ብምባል እውን የረጋግጽ።

ይኹን እምበር: ካብ ኣባላት ናይተን ዕድሎት ወይ ከኣ ጽሕፍቶ ዝምህራ ሃይማኖታት ነዚ ዝኣምኑ ኵሎም ኣይኰኑን። ገሊኦም ብቕንዕና ናይ ሃይማኖት ጽሑፋት ብዛዕባ ናይ ሰብ ናጻ ድሌት ይጠቅስ ኢዩ ይብሉ። ናይ ሰብ ተግባራት ብናይ ሰብ ናጻ ድሌት ድዩ ወይስ ብኣምላኽ ኣቐዲሙ እተወሰነ ኢዩ ዝብል ዓቢ ክርክር ኣሎ። ገሊኦም ንኣብነት: ሰብ ዝደለዮ ክመርጽን ክገብርን ናጻ ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ኣምላኽ ሰብ በቲ ዝገበሮ ሓላፍነት ከም ዝወስድን ተሓታቲ ከም ዝዀነን ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ: ብምባል ይከራኸሩ። ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ዝወስዶ ስጕምትታት ፈጢሩ: ሰብ ግን ከም ገለ ኢሉ ነዚ ስጕምትታት እዚ “የጥርዮ” እሞ ብሓላፍነት ከኣ ይሕተተሉ ይብሉ። ይኹን እምበር ብሓፈሽኡ: ብዙሓት ሰባት ኵሉ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘጋጥም ፍጻሜታት ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብኣምላኽ እተኣዘዘ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።

እንታይ ኢኻ እትኣምን፧ መጻኢኻ እንታይ ከም ዝኸውን ድሮ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ወሲንዎ ድዩ፧ ሰባት ናጻ ድሌት ማለት ብዛዕባ መጻኢኦም ናይ ምምራጽ ክእለት ብሓቂ ኣለዎም ድዩ፧ ዕድሎትና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግብርታት እተመርኰሰ ዝኸውን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ዝኸውን መልሲ ክትህበና ኢያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

SEL/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ