ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/3 ገጽ 3
  • “መዓልተይ ኣይኣኸለን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መዓልተይ ኣይኣኸለን”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጻኢና ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንመጻኢኻ ዚቈጻጸሮ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ይምህር ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/3 ገጽ 3

“መዓልተይ ኣይኣኸለን”

ሓደ ዘዋሪ ነታ ዓባይ ናይ ጐሓፍ ማኪና ኺቈጻጸራ ኣይከኣለን። ብሰንኪ እዚ ድማ ናብቲ መገዲ ኣጋር ደይባ ንሓደ ብእግሩ ዚኸይድ ዝነበረ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይን ንሰብኣይን ሰበይትን ገጨወቶም። ኣብ ኒው ዮርክ እትሕተም ጋዜጣ ኸም ዝጸብጸበቶ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ሽዑ ንሽዑ ሞቱ፣ እቲ መንእሰይ ድማ ሃለዋቱ ኣጥፍአ። ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ ግን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ተረድአ፣ ‘ከምዚ ኸጋጥመኒ ኣይተጸበኹን። በጃኻ ኣምላኽ፡ ክጾሮ ሓግዘኒ። መዓልተይ ኣይኣኸለን’ ከኣ በለ።

ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ሰብ ንስክላ ኻብ ሓደጋ ኺድሕን ከሎ፡ ‘መዓልቱ ኣይኣኸለትን’ ይብሉ፣ ሓደ ሰብ ብዜስካሕክሕ ሓደጋ ኺመውት ከሎ ድማ፡ ‘መዓልቱ ኣኺላ’ ወይ ‘ፍቓድ ኣምላኽ እዩ’ ይብሉ። ነቲ ዜጋጥም ነገራት ምስ ጽሕፍቶ፡ ምስ ዕድል፡ ወይ ምስ ኣምላኽ የተሓሕዝዎ ብዘየገድስ፡ እቲ እምነት ተመሳሳሊ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥም ፍጻመታትን ናይዚ ውጽኢትን ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ፡ ኪቕይርዎ ድማ ከም ዘይክእሉ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ። እዚ እምነት እዚ ኸኣ ሞት ወይ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚንጸባረቕ፣ ሎሚ እተጀመረ እውን ኣይኰነን።

ንኣብነት፡ ጥንታውያን ባቢሎናውያን ጕዳያት ደቂ ሰብ ብኸዋኽብትን ብምንቅስቓስ ከዋኽብትን ከም ዚጽሎ ይኣምኑ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንኺመርሖም ኢሎም ኣብ ሰማይ ምልክታት ይርእዩን ይጥንቍሉን ነበሩ። ግሪኻውያንን ሮማውያንን እውን ንኣማልኽቲ ጽሕፍቶ የምልኹ ነበሩ፣ እዘን ኣማልኽቲ እዚኣተን ንጽሕፍቶ ሰባት ጽቡቕን ሕማቕን ኣብ ምግባር ንፍቓድ እቶም ቀንዲ ኣማልኽቲ ዝዀኑ ዙስን ጁፒተርን ዚዕብልል ሓይሊ ኸም ዝነበረን እውን ይንገር እዩ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዚነብሩ ሂንዱን ቡድሃን፡ ሕጂ ሓደ ሰብ ዜሕልፎ ህይወት፡ ናይቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበሮ ነገራት ውጽኢት ከም ዝዀነ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህይወቱ ዚፍጽሞ ተግባራት ከኣ ነቲ ኣብ ዚቕጽል ህይወት ዜጋጥሞ ነገራት ከም ዚውስኖ ይኣምኑ። ካልኦት ሃይማኖታት፡ እንተላይ ሓያሎ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን እውን እንተ ዀና፡ ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ስለ ዚምህራ፡ ነዚ ህይወት ሰብ ኣቐዲምካ ኸም እተወሰነ ዚገልጽ ኣረእእያ ተቐቢለናኦ እየን።

ኣብዚ ሓቂ ዝዀነ ነገር ዚእመነሉ ስልጡን መዋእል፡ ብዙሓት ሰባት ንዅነታት ህይወቶም፡ ንውጽኢት መዓልታዊ ጕዳያቶም፡ ከምኡውን ንናይ መወዳእታ ዕድሎም ዚቈጻጸሮ፡ ጽሕፍቶ ምዃኑን ኪቕይርዎ ኸም ዘይክእሉን እንተ ኣመኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ንስኻኸ ብዛዕባ ህይወት ከምዚ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከም ዓወትን ውድቀትን ዝኣመሰለ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ፍጻመታትን ኣጋጣሚታትን ኰነ ውልደትን ሞትን ብሓቂ ኣቐዲሙ ተወሲኑ ድዩ፧ ህይወትካ ብጽሕፍቶ ድያ እትምራሕ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Ken Murray/New York Daily News

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ