ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧
“ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምሾት ዘለዎ ናብራ ንነብር እኳ እንተ ነበርና፡ እቲ ንፍቕረ-ንዋይ ዜተባብዕ ሃዋህው ግን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣባናን ኣብቶም ክልተ ደቅናን ኣሉታዊ ጽልዋ ኸየሕድር ኣስግኣና። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣነን ሰበይተይን ሚስዮናውያን ኴንና ኣገልጊልና ስለ ዝነበርና፡ እንደገና ቐሊልን ሕጉስን ህይወት ክንነብር ደለና።”
ብ1991 ራልፍን ፓምን በዚ ድሌቶም ተደሪኾም፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ኸም ዚደልዩ ብምግላጽ፡ ናብ እተፈላለየ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ጸሓፉ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ፡ ነቶም እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ነበርቲ እታ ሃገር ዚሰብኩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽ ከም ዜድልዩ መለሰሎም። አረ ነታ ምድርስ “ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት” ገይሩ እዩ ገሊጹሎም። (ዮሃ. 4:35) ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ራልፍን ፓምን ምስቶም 8ን 12ን ዝዕድሚኦም ደቆም ኰይኖም ነቲ ዕድመ ተቐበልዎ፣ ናብ ወጻኢ ንምኻድ ድማ ኪዳለዉ ጀመሩ።
ሰፊሕ ክሊ
ራልፍ ከምዚ በለ፦ “ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቕድሚ ምውጻእና፡ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ‘ናብ ወጻኢ ምኻድ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ!’ ‘እንተ ሓመምኩምከ፧’ ‘ስለምንታይ ኢኹም ኣብቲ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ዚነብሩሉ ቦታ ኽትሰብኩ እትኸዱ፧ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ኣይህልዎምን እዩ!’ በሉና። ንሕና ግን ቈሪጽና ኢና ኔርና። ንኽንግዕዝ ዝገበርናዮ ውሳነ እውን እንተ ዀነ፡ ሃንደበታዊ ኣይነበረን። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኢና መደብ ኣውጺእና። ኣብ ነዊሕ እዋን ዚኽፈል ዕዳ ኸይንዕደ ተጠንቂቕና፡ ገንዘብ ኣዋህሊልና፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ጸገማት ከኣ ብተደጋጋሚ ብስድራ ቤት ተዘራሪብናሉ ኢና።”
ራልፍን ስድራ ቤቱን ፈለማ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ ኺበጽሑ ኸዱ። እቶም ኣሕዋት ንካርታ እታ ሃገር እናኣርኣዩ፡ “ክልኹም እዚ እዩ” በልዎም። ኣብታ ሳን ሚገል ደ ኣየንደ እትበሃል ሓያሎ ወጻእተኛታት ዚነብሩላ ኸተማ ኺነብሩ ጀመሩ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ከተማ መክሲኮ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 240 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ 19 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጉባኤ እንግሊዝኛ ኣብታ ኸተማ ተመስረተት። እዛ ጉባኤ እዚኣ ኣብ መክሲኮ እተመስረተት ናይ መጀመርታ ጉባኤ እንግሊዝኛ እያ ነይራ፣ ዝያዳ ዕዮ ግን ይጽበዮም ነበረ።
ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ዜጋታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ መክሲኮ ኸም ዚነብሩ ይግመት። ብዘይካዚ፡ እንግሊዝኛ ኸም ካልኣይ ቋንቋ ዚዛረቡ መክሲካውያን ሰብ ሞያን ተመሃሮን ኣለዉ። ራልፍ፡ “ዝያዳ ዓየይቲ ኽንረክብ ጸለና። ኵሉ ግዜ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘ነታ ምድሪ ኺስልዩ’ ንዚመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚኸውን መደቀሲ ነዳሉ ነበርና” በለ።—ዘሁ. 13:2።
ኣገልግሎቶም ንኼስፍሑ ኢሎም ናብራኦም ኣቕለሉ
ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚደልዩ ዝያዳ ኣሕዋትን ኣሓትን መጹ። ካብቶም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ቢልን ካቲን ይርከብዎም። ን25 ዓመት ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ኣገልጊሎም ነበሩ። ስጳንኛ ኺመሃሩ እኳ ሓሲቦም እንተ ነበሩ፡ ናብታ ኣብ ገማግም ቀላይ ቻፓላ እትርከብ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ጡረተኛታት ዚነብሩላ ኸተማ ኣኺኺክ ምስ ገዓዙ ግን መደቦም ቀየሩ። ቢል ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኣኺኺክ ነቶም ሓቂ ኺመሃሩ ዚደልዩ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ምድላይ ኣተኰርና” በለ። ቢልን ካቲን ናብታ ኸተማ ኻብ ዚመጹ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡ ጉባኤ ኽትምስረት ከላ ብምርኣዮም ተሓጐሱ፣ እዚኣ ኸኣ ኣብ መክሲኮ ኻልአይቲ ጉባኤ እንግሊዝኛ ዀነት።
ኣብ ካናዳ ዚነበሩ ዝነበሩ ኬንን ጆኣንን፡ ናብራኦም ብምቕላል ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉ ደለዩ። ናብ መክሲኮ ኸኣ ገዓዙ። ኬን፡ “ውዑይ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ወይ ኣገልግሎት ተሌፎን ኣብ ዘይትረኽበሉ ቦታ ምንባር ንኽትለምዶ ግዜ ይወስደልካ እዩ” በለ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል፡ ሓጐስ የምጽእ እዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኬን ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀነ፣ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ሽማግለ ዀነ። ኣብ ፈለማ፡ ብሪታኒ ጓሎም ነታ ሒደት መንእሰያት ጥራይ ዝነበርዋ ንእሽቶ ጉባኤ እንግሊዝኛ ምልማድ ከቢድዋ ነበረ። ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ምስ ጀመረት ግን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዙሓት ፈተውቲ ረኸበት።
ካብ ቴክሳስ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ፓትሪክን ሮክሳንን፡ ኣብ ጥቓ እቲ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት ዚነብሩሉ ቦታ፡ ንሚስዮናዊ ዕዮ እተዳለወ ኽሊ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጡ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ፓትሪክ፡ “ነታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ መክሲኮ እትርከብ ከተማ ሞንተረይ ምስ ረኣናያ፡ የሆዋ ኣብቲ ቦታ ንኽንሕግዝ ይመርሓና ኸም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓና” በለ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ነቲ ኣብ ቴክሳስ ዚርከብ ቤቶም ኺሸጥዎ ኸኣሉ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድማ ‘ናብ መቄዶንያ ሓለፉ።’ (ግብ. 16:9) ኣብ መክሲኮ መነባብሮ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ግን ሓንቲ 17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበርዋ ንእሽቶ ጕጅለ፡ 40 ኣስፋሕቲ ናብ ዘለዉዋ ጉባኤ ኽትዓቢ ኸላ ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም።
ካብቶም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኢሎም ናብራኦም ዘቕለሉ ሰብ ሓዳር፡ ጀፍን ዴብን ይርከብዎም። ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሰፊሕ ቤቶም ሸይጦም፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም መክሲኮ ኣብ እትርከብ ከተማ ካንኩን ኣብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ኺነብሩ ጀመሩ። ኣቐዲሞም፡ ጥቓ ገዛኦም ኣብ ዚርከብ መዝሓሊ ኣየር ዘለዎ መአከቢ ኣዳራሽ እዮም ዓብዪ ኣኼባ ዚገብሩ ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ንምክፋል ሸሞንተ ሰዓት ኪጐዓዙ፡ ናሕሲ ኣብ ዘይብሉ መአከቢ ኸኣ ኪእከቡ ኣለዎም። ኣብ ካንኩን፡ 50 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጉባኤ ኽትምስረት ከላ ብምርኣዮም ግን፡ ዓሚቝ ዕግበት ረኺቦም እዮም።
ገሊኦም መክሲካውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እውን፡ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚግበር ዕዮ ስብከት ኪሕግዙ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ሩበንን ስድራ ቤቱን ኣብ ሳን ሚገል ደ ኣየንደ ጉባኤ እንግሊዝኛ ኸም እተመስረተት፡ ክሊ እዛ ጉባኤ ድማ መላእ መክሲኮ ኸም ዝዀነ ምስ ፈለጡ፡ ኪሕግዙ ወሰኑ። እዚ ኸኣ እንግሊዝኛ ኺመሃሩ፡ ነቲ ፍልይ ዝበለ ባህሊ ኺለምዱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ከኣ ኣኼባታት ንምክፋል 800 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ነዊሕ ጕዕዞ ኺጐዓዙ ማለት እዩ ነይሩ። ሩበን ከምዚ በለ፦ “ነቶም ኣብ መክሲኮ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኽነሶም ንመልእኽቲ እቲ ብስራት ንፈለማ እዋን ብቛንቋኦም ዝሰምዑ ወጻእተኛታት ብምምስካር ሓጐስ ረኺብና ኢና። ገሊኦም ሞሳኦም ኪገልጹልና ኸለዉ፡ ኣዒንቶም ንብዓት ቅጽርጽር ይብሎም ነበረ።” ሩበንን ስድራ ቤቱን ነታ ኣብ ሳን ሚገል ደ ኣየንደ እትርከብ ጉባኤ ድሕሪ ምሕጋዞም፡ ኣብ ማእከላይ መክሲኮ ኣብ እትርከብ ከተማ ጓናጁኣቶ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልገሉ፡ ኣብኡ ኸኣ 30 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጉባኤ እንግሊዝኛ ኽትምስረት ሓገዙ። ሎሚ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጓናጁኣቶ እትርከብ ከተማ ኢራፕዋቶ፡ ኣብ ጉባኤ እንግሊዝኛ የገልግሉ ኣለዉ።
ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምርካቦም
ወጻእተኛታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብዙሓት መክሲካውያን እውን እንግሊዝኛ ይዛረቡ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ሃብታማት ብምዃኖም መብዛሕትኡ ግዜ ሰራሕተኛታቶም ማዕጾ ስለ ዚኸፍታ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋሎም ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ሰብ ገዛ እንተ ተቐበሉኻ እውን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ንእሽቶ ኣንቈራ ስለ ዚመስልዎም፡ ነቲ መልእኽትና ኺሰምዑ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ናይ የሆዋ ምስክር ኬዘራርቦም ከሎ ግን፡ ገሊኦም ንምስማዕ ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም።
ንኣብነት፡ እታ ኣብ ማእከላይ መክሲኮ ኣብ ከተማ ክረታሮ እትነብር ግሎርያ ኸምዚ በለት፦ “ስጳንኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣየዘራረብክዎምን። ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ጸገም ኬጋጥሞም ምስ ጀመረ ግን፡ ኣዝየ ስለ እተጨነቕኩ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ፣ መፍትሒ ኽረክብ ድማ ለመንክዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓንቲ እንግሊዝኛ እትዛረብ ሰበይቲ ናብ ገዛይ መጸት። እንግሊዝኛ ዚዛረብ ሰብ እንተ ኣልዩ ኸኣ ሓተተት። ወጻእተኛ ስለ ዝዀነት፡ እንታይ ከም ዝደለየት ንኽፈልጥ ተሃንጠኹ፣ እንግሊዝኛ ኸም ዝኽእል ድማ ነገርክዋ። ክትዛረበኒ ኸላ፡ ‘እዛ ጽልልቲ ኣመሪካዊት ኣብዚ ኸባቢ እንታይ እያ እትገብር ዘላ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ምልክት ኪህበኒ ሓቲተዮ ነበርኩ። እዛ ወጻእተኛ ሰበይቲ ኸኣ ኣምላኽ ንጸሎተይ ስለ ዝመለሶ መጺኣ ኽትከውን ትኽእል እያ።” ግሎርያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ፍቓደኛ ዀነት፡ ካብ ስድራ ቤታ ምጽራር እናኣጋጠማ ኽነሱ ድማ ቅልጡፍ ዕቤት ገይራ ኣብ ጥምቀት በጽሐት። ሎሚ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ፣ ሰብኣያን ወዳን እውን ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ።
እቶም ኣገልግሎቶም ዜስፍሑ ዚረኽብዎ ዓስብታት
ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ምግልጋል በዳሂ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዜምጽኦ ዓስብታት ግን ብዙሕ እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ራልፍ ከምዚ በለ፦ “ካብ ሽወደን፡ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ጃማይካ ንዝመጹ ሰባት፡ ከምኡውን ካብ ጋና ንዝመጹ ንጉሳውያን ቤተሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕናሎም ኢና። ካብዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ባዕሎም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝኣተዉ ኣለዉ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ስድራ ቤትና ሸውዓተ ጉባኤታት ኪምስረታ ኸለዋ ርእያ እያ። ክልቲኦም ደቅና ምሳና ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀሚሮም እዮም፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ።”
ሎሚ ኣብ መክሲኮ 88 ዝዀና ጉባኤታት እንግሊዝኛን ሓያሎ ጕጅለታትን ኣለዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕልጡፍ ዕቤት ኪርከብ እተኻእለ ብኸመይ እዩ፧ ብዙሓት ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘራሪቦምዎ ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኦም ከኣ ከምቲ ኣብ ዓዶም ኬጋጥሞም ዚኽእል ጸቕጢ ስለ ዘየጋጥሞም፡ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ድማ ጡረታ ስለ ዝወጹን ንመንፈሳዊ ነገራት ዚኸውን ግዜ ስለ ዘለዎምን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብተን ጉባኤታት እንግሊዝኛ ዚርከቡ ልዕሊ ሲሶ ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ፈለምቲ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብተን ጉባኤታት ዚርአ ውዕዉዕ ስምዒትን ዕቤትን ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
በረኸት ይጽበየካ ኣሎ
መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋኦም እንተ ተሰቢኽሎም፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ዝያዳ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ኸም ዚቕበልዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ከምኡውን ንጽልን ሰብ ሓዳርን ዝዀኑ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኺግዕዙ ፍቓደኛታት ምዃኖም ባህ ዜብል እዩ። ጸገማት የጋጥሞም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ጸገማት ግን ምስቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚቕበሉ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ምስ ረኸቡ ዚስምዖም ሓጐስ ዚወዳደር ኣይኰነን። ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ኣብ ውሽጢ ዓድኻ ዀነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚርከብ ክሊ ንምግዓዝ፡ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእልዶ፧a (ሉቃ. 14:28-30፣ 1 ቈረ. 16:9) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዙሕ በረኸት ከም ዚጽበየካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ብዛዕባ ምግልጋል ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 111-112 ርአ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሕጉሳት ጡረተኛታት ኣቓልቦ ሰሓቡ
በረል ካብ ብሪጣንያ ናብ ካናዳ ገዓዘት። ኣብኡ ድማ ኣብ እተፈላለየ ኣህጉራዊ ኩባንያታት፡ ኣካያዲት ስራሕ ኰይና ሰርሐት። ብምግላብ ኣፍራስ እውን ክኢላ ስለ ዝነበረት፡ ብ1980 ኣብ እተገብረ ኦሎምፒክ ንካናዳ ኽትውክል ተመርጸት። ጡረታ ምስ ወጸት ናብ ቻፓላ፡ መክሲኮ ገዓዘት። በረልን ሰብኣያን ኣብቲ ዓዲ ኣብ እትርከብ ቤት ምግቢ ብዙሕ ግዜ እናኸዱ ይምገቡ ነበሩ። ቋንቋ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ሕጉሳት ጡረተኛታት ኬጓንፍዋ ኸለዉ፡ ከይዳ ድሕሪ ምልላይ፡ ኣብ መክሲኮ እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ትሓቶም ነበረት። እቶም ዘጋጠምዋ ሰባት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ንኣምላኽ ብምፍላጥ ሓጐስን ዕላማ ህይወትን ዚርከብ ካብ ኰነ፡ ንሳን ሰብኣያን ንኣምላኽ ኪፈልጥዎ ደለዩ። በረል ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድሕሪ ምእካባ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተሰማምዐት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ኰነት። ንእተወሰነ ዓመታት እውን ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ከኣለት።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
“ምሳና ብምዃኖም ተባሪኽና ኢና”
እቶም ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ዝገዓዙ ኣስፋሕቲ፡ ካብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣሕዋት ሞሳ ይረኽቡ እዮም። ኣብ ካሪበያ ዚርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብዚ ዜገልግሉ ዘለዉ ኣማእታት ወጻእተኛታት እንተ ዝኸዱ ነይሮም፡ ጉባኤታት ብኽልተ እግረን ደው ምባል መጸገመን። ምሳና ብምዃኖም ተባሪኽና ኢና።”
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣንስቲ፡ “እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን” ይብል። (መዝ. 68:11) እምበኣር፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዜገልግሉ ብዙሓት ንጽል ኣሓት ምህላወን ዜገርም ኣይኰነን። ከምዚኣተን ዝበላ ጥቕሚ ርእሰን ዚስውኣ ኣሓት፡ ብዙሕ ይሕግዛ እየን። ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከምዚ በለ፦ “ኣብ ሓያሎ ጉባኤታትና፡ ኣሓት ካብ ኣሕዋት ይበዝሓ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ክሳዕ 70 ሚእታዊት ይበጽሓ። መብዛሕትአን ኣብ ሓቂ ሓደስቲ እየን፣ ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጻ ንጽል ዝዀና ፈለምቲ ግን ነዚኣተን ብምስልጣን፡ ብዙሕ ደገፍ ይህባ ኣለዋ። እዘን ካብ ወጻኢ ዝመጻ ኣሓት፡ ንዓና ብሓቂ ውህበት እየን!”
እዘን ኣሓት እዚኣተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይደን ብዛዕባ ምግልጋል ከመይ ይስምዐን፧ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብን ከም ንጽል ፈላሚት ኰይና ኣብ ወጻኢ ሃገር ንእተወሰነ ዓመታት ዘገልገለትን ኣንጀሊካ እትበሃል ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ብዙሕ ጸገማት ኣሎና። ኣብ ሓደ እተመደብኩሉ ኽሊ፡ መዓልታዊ ጭቃ ብዝመልኦ መገዲ ክኸይድ ነበረኒ፣ ወትሩ ብዜሕዝን መከራ ሰባት ተኸቢበ ነበርኩ። ንሰባት ኣብ ኣገልግሎት ክሕግዞም ብምኽኣለይ ግን፡ ዕግበት ይስምዓኒ ነበረ። ኣብቲ ዓዲ ዚርከባ ኣሓት ንኽሕግዘን ብምምጻአይ የመስግናኒ ምንባረን እውን ልበይ ተንኪፉኒ እዩ። ሓንቲ ሓብቲ፡ ፈላሚት ኰይነ ንኸገልግል ኢለ ኻብ ርሑቕ ቦታ ናብ ሃገራ ምግዓዘይ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽትኣቱ ኸም ዝደረኻ ነጊራትኒ እያ።”
ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሱ እትበሃል ፈላሚት ከምዚ በለት፦ “ብድሆታት ምግጣሙ ዘይተርፍ እዩ፡ እዚ ግን ምስቲ እትረኽቦ በረኸት ኪወዳደር ኣይክእልን እዩ። ኣገልግሎት ዜሐጕስ እዩ! መብዛሕትኡ ግዜይ፡ ምስ መንእሰያት ኣሓት ኣብ ኣገልግሎት ስለ ዘሕልፎ፡ ዕንቅፋታት ብዛዕባ ምስጋር፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ጽሑፋትናን እተመሃርክዎ አካፍለን። ንጽል ፈላሚት ኰይነ ንብዙሕ ዓመታት እናኣገልገልኩ ጸገማት ክሰግር ምኽኣለይ፡ ንሳተን እውን ኣብ ህይወተን ዜጋጥም ብድሆታት ኪሰግራ ኸም ዚኽእላ ንኺግንዘባ ኸም ዝሓገዘን ብዙሕ ግዜ ይነግራኒ እየን። ነዘን ኣሓት እዚኣተን ምሕጋዘይ፡ ዓሚቝ ዕግበት የምጽኣለይ እዩ።”
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
መክሲኮ
ጓናጁኣቶ
ኢራፕዋቶ
ቻፓላ
ኣኺኺክ
ቀላይ ቻፓላ
ሞንተረይ
ሳን ሚገል ደ ኣየንደ
ክረታሮ
ከተማ መክሲኮ
ካንኩን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ገሊኦም ነቶም ነቲ ብስራት ንፈለማ ግዜኦም ዚሰምዑ ወጻእተኛታት ብምምስካሮም ሓጐስ ረኺቦም