‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧
1. ጳውሎስን ብጾቱን ናብ መቄዶንያ ዝኸዱ ብኸመይ እዮም፧
1 ኣብ ከባቢ 49 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ናብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ነቐለ። ንኤፌሶንን ንኻልኦት ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ኸተማታትን ኪበጽሕ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ‘ናብ መቄዶንያ ኺሓልፍ’ ተነግሮ። ንሱን ብጾቱን ከኣ ነቲ መምርሒ ብሓጐስ ተቐበልዎ፣ ኣብቲ ኸባቢ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ናይ ምምስራት ፍሉይ መሰል ድማ ረኸቡ። (ግብ. 16:9, 10፣ 17:1, 2, 4) ሎሚ እውን ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም፡ ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ እዮም። (ማቴ. 9:37, 38) እሞኸ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧
2. ገሊኣቶም ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ዘይግዕዙ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
2 ከም ጳውሎስ ሚስዮናዊ ኽትከውን እኳ እንተ ደለኻ፡ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ክትግዕዝ ሓሲብካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ንኣብነት፡ ብምኽንያት ዕድመ ወይ ከኣ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ውሉዳት ስለ ዘለዉኻ፡ ኣብ ጊልዓድ ክትስልጥን ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ወይ ድማ ንጽል ሓብቲ ስለ ዝዀንኪ፡ ናብ ጊልዓድ ኬድኪ ኽትስልጥኒ ኣይትኽእልን ትዀኒ። ምናልባት ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓካ፡ ናብ ዘመናዊ “መቄዶንያ” ኽትግዕዝ ሓሲብካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ወይ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዘለኻሉ ሃገር ከም ስደተኛ ዄንካ ትነብር ስለ ዘለኻ፡ ብምኽንያት ቍጠባዊ ጕዳያት ናብ ካልእ ሃገር ክትግዕዝ ኣይትኽእልን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ንዅነታትካ ብጸሎት እንተ ሓሲብካሉ፡ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ኻብ ምግዓዝ ኣይዓግተካን ይኸውን።
3. ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ብውጽኢታዊ መገዲ ንምስባኽ፡ ናይ ግድን ፍሉይ ስልጠና ዘየድልየካ ስለምንታይ እዩ፧
3 ናይ ግድን ፍሉይ ስልጠና የድልየካ ድዩ፧ ጳውሎስን ብጾቱን ዕዉታት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ የሆዋን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ስለ እተወከሉ እዩ። (2 ቈረ. 3:1-5) ስለዚ፡ ዋላ እኳ ብምኽንያት ኵነታትካ ፍሉይ ስልጠና ኽትስልጥን እንተ ዘይከኣልካ፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትሰብኽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎትን ብቐጻሊ ኸም እትስልጥን እውን ኣይትረስዕ፣ ከመይሲ፡ እዚ ስልጠና እዚ፡ ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።
4. ኣረጋውያን ክርስትያናት፡ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ኪግዕዙ ኸም ዘይክእሉ ገይሮም ኪሓስቡ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧
4 ኣረጋውያን፦ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ ብመንፈስ ብሱላት ኣረጋውያን፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ካብ ዓለማዊ ስራሕካ ጥሮታ ወጺእካ ዲኻ፧ ገሊኣቶም ሰባት በታ እትወሃቦም ናይ ጡረታ ገንዘብ ገይሮም ንወጻኢታቶም ብምሽፋን፡ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽልታት ኪግዕዙ ኽኢሎም እዮም፣ ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ከለዉ ዜውጽእዎ ዝነበሩ ወጻኢ ንታሕቲ ኸኣ እዮም ዜውጽኡ።
5. ብዛዕባ ሓደ ናብ ሓንቲ ሓገዝ ዜድልያ ጕጅለ ዝገዓዘ ጡረታ ዝወጸ ሓው ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።
5 ሓደ ጡረታ ዝወጸ ሽማግለን ፈላምን ሓው፡ ንሓንቲ ትሽዓተ ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ጕጅለ ኺሕግዝ ገዓዘ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡ 50 ሰባት ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ጀመሩ። እቲ ሓው፡ “ናብዚ ቦታ እዚ ብምግዓዘይ፡ ዜደንቕ በረኸት እዩ ኣምጺኡለይ። ነቲ በረኸት ዘርዚረ ኣይውድኦን እየ” ኢሉ ጸሓፈ።
6. ብዛዕባ ሓንቲ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኽሊ ዝገዓዘት ንጽል ሓብቲ ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።
6 ንጽል ኣሓት፦ የሆዋ ንኣሓት ተጠቒሙ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብተን ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩለን ቦታታት ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ እዩ። (መዝ. 68:11) ሓንቲ ንጽል ሓብቲ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ኸይዳ ኸተገልግል እኳ እንተ ደለየት፡ ወለዳ ግና ብዛዕባ ድሕንነታ ኣተሓሳሰቦም። ናብቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጸሓፈት፣ ሓጋዝን ንጹርን ሓበሬታ ኸኣ ተዋህባ። ኣብቲ ሓድሽ ክሊ ኣብ ዝጸንሓትሉ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብዙሕ እያ ተባሪኻ። ከምዚ በለት፦ “ኣብቲ ዝነበርኩሉ ሃገር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምርካብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣይነበረንን። ኣብዚ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ሃገር ብምግልጋለይ ግና፡ ብዙሓት መጽናዕትታት ከም ዝረክብን ክእለት ኣመሃህራይ ከም ዘማዕብልን ገይሩኒ እዩ።”
7. ብዛዕባ ሓንቲ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ዝገዓዘት ስድራ ቤት ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።
7 ስድራ ቤታት፦ ውሉዳት ስለ ዘለዉኻ ናብ ዘመናዊ “መቄዶንያ” ኼድካ ኸተገልግል ኣይትኽእልን ማለት ኣይኰነን። ሸሞንተን ዓሰርተን ዝዕድሚኦም ውሉዳት ዘለውዋ ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ናብ ካልእ ሃገር ገዓዘት። እታ ኣደ ብዛዕባ ተመክሮኦም ክትጽሕፍ ከላ፡ “ደቅና ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን እናተራኸቡ ምዕባዮም የሐጕሰና እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ብምግልጋልና፡ ዜሐጕስ ህይወት ክንመርሕ ክኢልና” በለት።
8. ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ከየድለየካ፡ ኣብ ካልእ ክሊ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ግለጽ።
8 ቋንቋ፦ ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓካ ዲኻ ዘይገዓዝካ፧ ምናልባት ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ኽልታት፡ ቋንቋኻ ይጥቀሙ ይዀኑ። ክርስትያናት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ሓንቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩላ ጉባኤ ገዓዙ። ናብታ ጉባኤ ኸኣ ክልተ ሳዕ በጺሖም ተመልሱ። ወርሓዊ ወጻኢታቶም ብምንካይ ከኣ ንሓደ ዓመት ገንዘብ ኣዋህለሉ። ኪግዕዙ ምስ ተዳለዉ፡ እቶም ኣብታ ዚኸዱላ ሃገር ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ርትዓዊ ዝዋጋኡ ቤት ረኸቡሎም።
9, 10. እቶም ካብ ዓዶም እተሰድዱ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧ ስለምንታይከ፧
9 ስደተኛታት፦ ምናልባት ብዛዕባ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥካ ዲኻ ናብዚ ሕጂ እትነብረሉ ዘለኻ ሃገር ተሰዲድካ፧ ኣብቲ እተወለድካሉ ሃገር ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ ይዀኑ። እሞኸ ናብኡ ግዒዝካ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ምናልባት ንስኻ ኻብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ብቐሊሉ ስራሕን መንበርን ክትረክብ ትኽእል ትኸውን። ነቲ ኣብቲ ሃገር ዚዝረብ ቋንቋ እውን ትኽእሎ ትኸውን። ብዘይካዚ፡ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ብወጻእተኛ ብኣኻ ኺሰምዕዎ ኸለዉ ይቕበልዎ ይዀኑ።
10 ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣልባንያ ናብ ኢጣልያ ተሰዲዱ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ጽቡቕ ስራሕ ረኺቡ ነቶም ኣብ ኣልባንያ ዚነብሩ ስድራ ቤቱ ገንዘብ ይልእከሎም ነበረ። ሓቂ ምስ ፈለጠ፡ ነቶም ናብ ኣልባንያ ግዒዞም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኼገልግሉ ዝደለዩ ኢጣልያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ኣልባንያኛ ኺምህሮም ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሳቶም ናብቲ ኣነ ሓዲገዮ ዝመጻእኩ ሃገር እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ነቲ ቛንቋ ዘይፈልጥዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኪኸዱ ህንጡያት እዮም ነይሮም። ኣነ ወዲ ኣልባንያ ኽነሰይ ደኣ እሞ ኣብ ኢጣልያ እንታይ እገብር ኣለኹ፧” እዚ ሓው ናብ ኣልባንያ ተመሊሱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ኪካፈል ወሰነ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ነቲ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረኒ ስራሕን ገንዘብን ብምሕዳገይ ፈጺሙ ኣየጣዕሰንን እዩ። ኣብ ኣልባንያ እየ ናይ ሓቂ ዜዕግብ ስራሕ ረኺበ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ብዘለካ ዅሉ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ኣገዳስን ናይ ብሓቂ ዜሐጕስን ዕዮ እዩ።”
11, 12. ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ኺግዕዙ ዚሓስቡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
11 እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ጳውሎስን ብጾቱን ናብ መቄዶንያ ቕድሚ ምኻዶም፡ ናብ ምዕራብ ገጾም እዮም ኪኸዱ ሓሲቦም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ “መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡” ናብ ሰሜን ገጾም ከዱ። (ግብ. 16:6) ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ምስ ፈተኑ፡ የሱስ ከልከሎም። (ግብ. 16:7) የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ነበረ። (ማቴ. 28:20) ስለዚ፡ ክትግዕዝ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ብጸሎት ኣቢልካ መምርሒ የሆዋ ኣናዲ።—ሉቃ. 14:28-30፣ ያእ. 1:5።
12 ንሽማግለታትን ንኻልኦት ብሱላት ክርስትያናትን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእል እንተ ዄንካ ርእይቶኦም ኪነግሩኻ ሕተቶም። (ምሳ. 11:14፣ 15:22) ናብቲ ኽትከዶ ዝሓሰብካዮ ኽሊ ኽትገይሽን ንእተወሰነ እዋን ኣብኡ ኽትጸንሕን ትኽእልዶ፧ ክትግዕዝ እንተ ቘሪጽካ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ንደብዳበኻ ብቐጥታ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ክንዲ እትልእካ፡ ንሽማግለታት ጉባኤኻ ሃቦም፣ ንሳቶም ርእይቶኦም ብምጽሓፍ ኪልእክዋ እዮም።—ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ፡ ገጽ 111-112 ርአ።
13. ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ሓላፍነት እዩ ግና ዘሎካ፧
13 እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ ብዛዕባ እቲ ኽሊ ዚገልጽ ሓበሬታ ኺልእከልካ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዚወሓሰካ ዚገልጽ ደብዳበ ኺልእከልካ ወይ ከኣ መዕረፊ ኼዳልወልካ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዅሉ ነገራት ውልቃዊ ጕዳይ ስለ ዝዀነ፡ ቅድሚ ምግዓዝካ ኽትሓስበሉን ክትውድኦን ኣሎካ። እቶም ዚግዕዙ ሰባት፡ ነቲ ብውልቂ ዜድልዮም ነገራት ዜማልኡ ኪዀኑ ኣለዎም።—ገላ. 6:5።
14. እቶም ኪግዕዙ ዘይክእሉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብቲ ዘለውዎ ዀይኖም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
14 ክትግዕዝ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፦ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምናልባት ካልእ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ኪኽፈተልካ ይኽእል ይኸውን። (1 ቈረ. 16:8, 9) እቲ ዚበጽሓኩም ሓላው ወረዳ፡ ካብ ቤትካ ብዙሕ ዘይርሕቕ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ይፈልጥ ይኸውን። ምናልባት እውን ንሓንቲ ኣብ ከባቢኻ እትርከብ ጉባኤ ወይ ጕጅለ ኽትሕግዝ ትኽእል ትኸውን። ወይ ከኣ ኣብዛ ሕጂ ዘለኻላ ጉባኤ፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእል ትኸውን። ኵነታትካ ብዘየገድስ፡ እቲ ቐንዲ ዜድሊ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምምላኽካ እዩ።—ቈሎ. 3:23።
15. ገሊኣቶም ክርስትያናት ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ኺግዕዙ ኺደልዩ ኸለዉ፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧
15 ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ኼድካ ናይ ምግልጋል ሸቶ ዘለዎ ብመንፈስ ብሱል ክርስትያን ትፈልጥዶ፧ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ደግፎን ኣተባብዓዮን። እታ ጳውሎስ ዝነቐለላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ፡ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ፡ ካብ ሮሜን እስክንድርያን ቀጺላ ሳልሰይቲ ዓባይ ከተማ እያ ነይራ። ስለዚ፡ ነቲ ጉባኤ ኣንጾክያ ኽትሽፍኖ ዝነበራ ሰፊሕ ክሊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እታ ጉባኤ ሓገዝ ጳውሎስ የድልያ ነይሩ እዩ፣ ከም ዚናፍቕዎ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ጳውሎስ ብምኻዱ ኸም ዝጐሃዩ ኣይገልጽን እዩ። እወ፡ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣይኰነን ነይርዎም፣ የግዳስ፡ “እታ ግራት . . . ዓለም” ምዃና ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ማቴ. 13:38።
16. ‘ናብ መቄዶንያ ኸም እንሓልፍ’ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧
16 ጳውሎስን ብጾቱን ነቲ ናብ መቄዶንያ ኺሓልፉ ዝቐረበሎም ጻውዒት ስለ እተቐበሉ፡ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም እዮም። ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ፊልጲ ኸለዉ፡ ምስ ልድያ ተራኸቡ፣ “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ።” (ግብ. 16:14) ልድያን ብምሉኦም ቤተሰባን ምስ ተጠምቁ፡ ጳውሎስን መገላግልቱን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ እሞ ገምቶ! ገና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይበጽሖም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ኸም ልድያ ዝኣመሰሉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣለዉ። ‘ናብ መቄዶንያ እንተ ሓሊፍካ፡’ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክትረኽቦምን ክትሕግዞምን ትኽእል ኢኻ።