ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/10 ገጽ 23-27
  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅኑዕ ድራኸ የድሊ
  • ወጻኢታትካ ጸብጽብ
  • እቲ ዝዓበየ ብድሆ
  • ብዛዕባ ናፍቖትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
  • ብዛዕባ ቈልዑኸ፧
  • ካብ ምግዓዝ ዝርከብ በረኸታት
  • ንስኻኸ እንታይ ትብል፧
  • ‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ፈትዮም ይመጹ ናብ ኤኳዶር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/10 ገጽ 23-27

ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧

“ኵሉ ሳዕ ዝብህጎ ዝነበርኩ ነገር ሚስዮናዊ ኴንካ ምግልጋል ኢዩ። ንጽል ከለኹ: ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዝድለይሉ ዝነበሩ ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ. ኢየ ዘገልግል ነይረ። ምስተመርዓኹ ሰበይተይ እውን ኣብቲ ዕዮ ተጸምበረትኒ። ጓልና ምስ ተወልደት ‘ድሕሪ ደጊም ሚስዮናዊ ክኸውን ኣይክእልን ኢየ’ ኢለ ሓሰብኩ። የሆዋ ግን ብፍላይ ምስ ዕላማኡ እተተሓሓዘ ነገር እንተድኣ ዄይኑ ነቲ እትብህጎ ነገር ይፍጽሞ ኢዩ።”​—⁠ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤኳዶር ምስ ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ጀሲ።

“ኣብ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከይተማሃርኩ ነዚ ዕዮ እዚ ክገብሮ እኽእል ኢየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ሓደ ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሎም ሰባት ዝርርብ ክህብ ወይ ክሰብኽ ምስ ረኣኹዎ ዓሚቝ ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዑኒ: ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ስለ ዝሃበኒ ድማ ንየሆዋ አመስግኖ።”​—⁠ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ንሸሞንተ ዓመታት ፓይነር ኴይና ዘገልገለት ንጽል ዝዀነት ካረን።

“ኣነን ሰበይተይን ኣብ ሕ.መ.ኣ. ን13 ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሕቲ ኴንና ምስ ኣገልገልና ሓደ ሓድሽ ዝምስጥ ዕዮ ክንዓዪ ደለና። ቅድሚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘይንፈልጥ ሓጐስ ኢና ረኺብና፣ ብሓቂ ዘደንቕ መገዲ ህይወት ኢዩ።”​—⁠ምስ በዓልቲ ቤቱ ሊንዳ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ፓይነር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ቶም።

ነዚ መግለጺ ሞሳ ዝሃቡ እቶም ሚስዮናውያን ንምዃን ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ስልጠና ክረኽቡ ኵነታቶም ዘየፍቀደሎም ሰባት ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ብምግልጋሎም ሓጐስ ረኺቦም ከምኡውን እዚ ዘስዕቦ ብድሆታት ገጢምዎም ኢዩ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝዀነ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ክትካፈልዶ ትኽእል ኢኻ፧

ቅኑዕ ድራኸ የድሊ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድካ ንምግልጋል ድፍረት ጥራይ ኣይኰነን ዘድሊ። እቶም ክሳዕ ሕጂ ጸኒዖም ዝቐጸሉ ሰባት ከምኡ ክገብሩ ዝኸኣሉ ቅኑዕ ድራኸ ስለ ዘለዎም ኢዮም። ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሰባት እውን ዕዳ ከም ዘለዎም ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። (ሮሜ 1:⁠14) ንኽሰብኩ እተዋህቦም መለኮታዊ ትእዛዝ ኣብ እተወልድሉ ዓዲ ኰይኖም ብምግልጋል ክፍጽምዎ ምኸኣሉ ነይሮም። (ማቴዎስ 24:⁠14) እንተዀነ ግን: ሓላፍነት ስለ እተሰምዖም ነቶም ብስራት ንምስማዕ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዘይረኽቡ ሰባት ንምሕጋዝ ተለዓዓሉ።

ካልእ ድራኸ ድማ ኣብቲ ዝያዳ ፍረ ዝርከበሉ ቦታ ኬድካ ከተገልግል ናይ ምድላይ ባህጊ ኢዩ። እዚውን ግቡእ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ናይቲ ማይ ዓሳ ብብዝሒ ክግፈፍ ምስ ዝርኢ ናብኡ ዘይከይድ ገፋፍ ዓሳ መን ኣሎ፧ ብተመሳሳሊ: እቲ ካልኦት ሃገራት ብዝገበራኦ ፍሉይ ወሰኽ ዝወሃብ ዘተባብዕ ጸብጻብ ብዙሓት ናብቲ “ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ” ዝርከቦ ንኽኸዱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 5:⁠4-10

ወጻኢታትካ ጸብጽብ

ብዙሓት ሃገራት ሃይማኖታውያን ወለንተኛታት ዓለማዊ ስራሕ ክሕዙ ኣየፍቅዳን ኢየን። ስለዚ: መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት ብቝጠባዊ መዳይ ርእሶም ዝኽኣሉ ክዀኑ ኣለዎም። እሞ ድኣ ነዚ ቍጠባዊ ጸገም ብኸመይ ኢዮም እተዋጽኡሉ፧ ብዙሓት ሰባት እኹል ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ገዝኦም ሸይጦም ወይ ኣካርዮም: ገሊኦም ንግዳዊ ትካሎም ሸይጦም: ገሊኦም ድማ ነዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ገንዘብ ኣዋህሊሎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንሓደ ወይ ክልተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ ናብ ዓዶም ብምምላስ ሰሪሖም ገንዘብ የዋህልሉ: ካብኡ እንደገና ከገልግሉ ናብቲ ዝነበርዎ ዓዲ ይምለሱ።

ናብራ ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምስ ናይተን ዝማዕበላ ሃገራት ክወዳደር ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ሕሱር ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንገሊኦም ብምጡን ጡረታ ኣስተርሕዮም ንኽነብሩ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ናይ ሓደ ሰብ ወጻኢታት በቲ ዝመረጾ ናይ ናብራ ደረጃ ይውሰን ኢዩ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እውን ከይተረፈ ብዘይመጠን ክቡር ዋጋ ከፊልካ ኣዝዩ ምቹእ መንበሪ ይርከብ ኢዩ።

ቅድሚ ምግዓዝካ ወጻኢታትካ ክትጽብጽብ ከም ዝግብኣካ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር ኣሎ። ምናልባት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘገልገሉ ገለ ሰባት ዝሃብዎ ሓሳብ ነዚ የብርሃልካ ይኸውን።

እቲ ዝዓበየ ብድሆ

ሓደ ማርኩ ዝበሃል ወዲ ፊንላንድ ከምዚ ይብል:- “ቋንቋ ስጳኛ ንኽማሃር ብሓቂ ቃልሲ ኢዩ ኰይኑኒ። ነቲ ቛንቋ እፈልጦ ስለ ዘይነበርኩ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንኽኸውን እተወሰነ ግዜ ክጸንሕ ዘሎኒ ይመስለኒ ነበረ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ክመርሕ ምስ ተሓተትኩ ግን ደንጽዩኒ ኢዩ! ርግጽ ኢዩ: ብዙሕ ዘሕፍር ነገራት ገይረ ኢየ። ብፍላይ ኣስማት ኣብ ምዝካር ጸገም ነይሩኒ ኢዩ። ሓደ ግዜ ንሓው ሳንቾ ‘ሓው ቻንቾ (ሓሰማ)’ ኢለ ጸዋዕክዎ: ንሓብቲ ሳላመያ እውን ‘ማላሰያ (እክይቲ)’ ኢለ ዝጸዋዕክዋ መዓልቲ ኣይትርስዓንን ኢያ። እቲ ዘሐጕስ ግን እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ይዕገሱኒ ነበሩ።” ድሓር ማርኩ ምስ ሰሊን ሰበይቱ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሸሞንተ ዓመታት ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

ነቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ጀሲ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነት ክሪስ ከምዚ በለት:- “ትዝ እብለኒ: ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበርና ንመጀመርታ ግዜ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ነበረና። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብምስላታት ገይሩ ልብና ንምትንካፍ ባህ ዘብል ነገር ይዛረብ ምንባሩ ገመትኩ: እንታይ ይብል ከም ዝነበረ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ብኡንብኡ ኣብቲ ኣደራሽ ከለኹ ንብዓተይ ጀረብረብ በለ። ንብዓተይ ጸረር ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ዝብል ዘለኹ: ክሳዕ ዝንኽነኽ ኢየ በኽየ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከምኡ ዝዀንኩሉ ምኽንያት ክገልጸሉ ፈተንኩ። ኣዝዩ ሕያዋይ ሰብ ኢዩ: ከምቲ ኵሎም ዝብሉኒ ዝነበሩ ‘ቴን ፓሴንስያ: ኤርማና ’ (‘ሓብትና: ኣጆኺ ክኣልዮ’) በለኒ። ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ እንደገና ተራኸብና እሞ ን45 ደቓይቕ ዝኸውን ኣዕለልና: ንሓድሕድና ክንረዳዳእ ብምኽኣልና ድማ ብሓቂ ተሓጒስና ኢና።”

ካልእ ሓው “መጽናዕቲ ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ቛንቋ ንምጽናዕ ዝያዳ ብዝጸዓርና መጠን: ናይ ምዝርራብ ክእለትና ብዝያዳ ይመሓየሽ ኢዩ” በለ።

ኵሉ ሰብ ከምዚ ዝበለ ጻዕሪ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ይኣምነሉ ኢዩ። ሓደ ሰብ ሓድሽ ቋንቋ ክማሃር ከሎ ትሕትና: ትዕግስቲ: ከምኡውን ዘይምሕላል ይዅስኵስ ኢዩ። ነቲ ብስራት ንኻልኦት ሰባት ንምስባኽ ዓቢ ኣጋጣሚ ይኸፍት ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ቋንቋ ስጳኛ እንተድኣ ተማሂሩ: በቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ካብ 400 ሚልዮን ሰባት ንላዕሊ ዝዘራረብሉ ቋንቋ ገይሩ ክረዳዳእ ይኽእል ማለት ኢዩ። ብዙሓት ድሓር ናብ ዓዶም እተመልሱ ሰባት እቲ ክእለቶም ነቶም ቋንቋ ኣዲኦም ስጳኛ ዝዀነ ሰባት ንምሕጋዝ ይጥቀሙሉ ኢዮም።

ብዛዕባ ናፍቖትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

እታ ምስ ጋሪ ሰብኣያ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘገልገለት ዴብራ ከምዚ በለት:- “ብ1989 መጀመርታ ናብ ኤኳዶር ዝመጻእናሉ ግዜ ብናፍቖት ተበሊዐ ነበርኩ። ምስቶም ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝያዳ ክጽጋዕ ከም ዘሎኒ ተረድኣኒ። ልክዕ ከም ስድራቤተይ ኢዮም ኰይኖምኒ።”

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ካረን ነዚ ርእይቶ እዚ ሃበት:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ኣገልግሎት ብምኻድ ናፍቖተይ ንኽርስዖ እጽዕር ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዛዕባ ዓደይ ክሓስብ ኣይውዕልን ኢየ ነይረ። ወለደይ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይነ ዝዓዮ ዝነበርኩ ዕዮ ከም ዘሐብኖም እውን እዝክር ነበርኩ። ኣደይ ኵሉ ሳዕ ‘የሆዋ ካባይ ንላዕሊ ክሓልየልኪ ይኽእል ኢዩ’ ብምባል ተተባብዓኒ ነበረት።”

ሓንቲ ማኪኮ እትበሃል ጃፓናዊት ከምዚ ኢላ ተወሳኺ ርእይቶ ሃበት:- “ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሉእ መዓልቲ ምስ ወዓልኩ ኣጸቢቐ ኢየ ዝደክም። ስለዚ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ገዛ ድሕሪ ምምላሰይ ክናፍቕ ክጅምር ከለኹ ድቃስ ይወስደኒ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ስምዒት ብዙሕ ኣይቅጽልን።”

ብዛዕባ ቈልዑኸ፧

ቈልዑ ሒዝካ ክትከይድ እንተድኣ ዄንካ ከም ትምህርቲ ዝኣመሰለ ዘድልዮም ነገር ክሕሰበሉ ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ ገለ ሰባት ንደቆም ኣብ ገዛ ከምህርዎም ኢዮም መሪጾም: ካልኦት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣእተዉዎም።

ኣል ንሰበይቱ: ንኽልተ ደቁ: ከምኡውን ንኣዲኡ ሒዙ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ገዓዘ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነቶም ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምእታው ነቲ ቋንቋ ብቕልጡፍ ንኽማሃርዎ ዝሕግዞም ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኣጸቢቖም ኢዮም መሊኾሞ።” በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: እቶም ደቂ ማይክን ካሪን ዝዀኑ ክልተ ኰተቴ ኣወዳት ተቐባልነት ብዘለዎ ናይ ምልእኣኽ ቤት ትምህርቲ ገይሮም ኢዮም ዝማሃሩ ዘለዉ። እቶም ወለዶም እዚ ርእይቶ እዚ ሃቡ:- “እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ደቅና ባዕሎም ክማሃሩ ገዲፍካሎም ክትከይድ ከም ዘይግባእ ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ። ኣብቲ ኮርስ ክንካፈልን ነቲ እተዋህቦም ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ይስዕቡ ምህላዎም ክንከታተሎምን ነይሩና።”

እቶም ደቂ ኣውስትራልያ ዝዀኑ ዴቪድን ጃኒታን ብዛዕባ እቶም ክልተ ኣወዳት ደቆም ከምዚ ብምባል ስምዒቶም ይገልጹ:- “ደቅና ካልኦት ብኸመይ ከም ዝነብሩ ብተግባር ክርእይዎ ንደሊ ኢና። ንኣተዓባብያና ከም ልሙድ ገይርና ኢና ንወስዶ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ከምዚ ናትና ዓይነት ናብራ ዝሕልፉ። ብተወሳኺውን: ቲኦክራሲያዊ ስርዓታት ኣብ መላእ ዓለም: ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ወይ ባህሊ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ርእዮሞ ኢዮም።”

ኬን ከምዚ ብምባል ተዘክሮታቱ ይገልጽ:- “ብ1969 ስድራቤትና ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክግዕዙ ኸለዉ ኣነ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኢየ ነይረ። ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣብ ኣጕዶ እኳ እንተ ዘይነበርና: ሓደ ቈልዓ ክረኽቦ ዝኽእል ዘሐጕስ ኣተዓባብያ ከም ዝነበረኒ ኢዩ ዝስምዓኒ። እቶም ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ካልኦት ቈልዑ ኵሉ ሳዕ የሕዝኑኒ ነበሩ! ምስ ሚስዮናውያንን ፍሉያት ፓይነራትን ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበረኒ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ ሓጋዚ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ጀመርኩ።” ኬን ሕጂ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ንጀሲ ጓሉ ዝዀነት ጋብሪኤላ ድማ “ሕጂ ኤኳዶር ብሓቂ ዓድና ኢያ። ወለደይ ናብዚ ክመጹ ብምውሳኖም ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ” በለት።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ብእተፈላለየ ምኽንያታት ምስቲ ኵነታት ተሰማሚዖም ክነብሩ ዘይከኣሉ ቈልዑ ኣለዉ: ስድርኦም ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ ተገደዱ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ናብ ወጻኢ ዓዲ ቅድሚ ምግዓዝካ: በጺሕካ ምምላስ ጥበባዊ ዝዀነ። በዚ ኸምዚ በቲ ባዕልኻ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ገይርካ ውሳነታት ክትገብር ትኽእል።

ካብ ምግዓዝ ዝርከብ በረኸታት

ናብ ወጻኢ ሃገር ምግዓዝ ብዙሕ ጸገማት ምስጋርን መስዋእትታት ምግባርን ከም ዘጠቓልል እተረጋገጸ ኢዩ። እቶም ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገዓዙ ሰባት ዝኽሕስ ኰይኑዶ ረኺቦሞ፧ እስከ ባዕላቶም ይንገሩና።

ጀሲ:- “ኣብተን ኣብ ከተማ ኣምባቶ ዝጸናሕናለን ዓሰርተ ዓመታት ቍጽሪ ጉባኤታት ካብ 2 ናብ 11 ክውስኽ ከሎ ርኢና ኢና። ካብዚኣተን እተን ሓሙሽተ ጉባኤታት ክቘማ ኸለዋ ናይ ምሕጋዝ መሰል ረኺብና ኢና: ከምኡውን ናይ ክልተ ጉባኤታት ኣደራሽ መንግስቲ ክህነጽ ከሎ ዓዪና ኢና። ብተወሳኺውን: ብገምጋም ኣብ ዓመት ክልተ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥምቀት ንኽበቕዑ ብምሕጋዝ ሓጐስ ረኺብና ኢና። ሓደ ዘጣዕሰኒ ነገር እንተሎ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲመ ናብዚ ዘይምምጽአይ ጥራይ ኢዩ።”

ሊንዳ:- “እቶም ሰባት ነቲ ብስራትን ንእንገብሮ ጻዕርን ዘለዎም ሞሳ ብዙሕ ኣተባቢዑና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ዱር ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቍሸት ዝነብር ኣልፎንሶ ዝበሃል ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብቲ ከባቢ እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ክግበር ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተውዓለ። ቅድሚ ቅሩብ እዋን ናብታ ሓዳስ ብሉሕ እተሰርሐት ገዝኡ ግዒዙ ነበረ: ኣብቲ ቍሸት ከኣ ሒደት ገዛውቲ ጥራይ ኢየን ብኸምዚ እተሰርሓ። ኣብቲ ቍሸት ካብ ዘሎ ገዛውቲ ናቱ ጥራይ ንየሆዋ ከም እትበቅዕ ስለ ዝወሰነ ናብ ኣጕዶኡ ገዓዘ: ነታ ገዝኡ ድማ ንኣሕዋት ከም ኣደራሽ መንግስቲ ገይሮም ክጥቀሙላ ሃቦም።”

ጂም:- “እቲ ምስ ሰባት ብምዝርራብ እነሕልፎ ግዜ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከሎና እነሕልፎ ግዜ ብዓሰርተ ኢድ ይበዝሕ። ብተወሳኺውን: ኣብዚ ናብራና ጕያ ዝመልኦ ኣይኰነን። መጽናዕቲ ንምግባርን ግራት ኣገልግሎት ንምኻድን ብዙሕ ግዜ ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ።”

ሳንድራ:- “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ንሰባት ብኸመይ ከም ዘመሓይሾም ብምርኣየይ ዓቢ ዕግበት ኢየ ዝረክብ። ሓደ ግዜ ንሓንቲ ኣማንዳ እትበሃል ጓል 69 ዓመት ወናኒት ንእሽቶ ድኳን ጽንዓት እገብረላ ነበርኩ። ኵሉ ሳዕ ክልተ ኢድ ማይ ምስ ዓሰርተ ኢድ ጸባ ትሕውስ ነበረት። ብተወሳኺውን ነዚ እተቓጠነ ጸባ ካብ ግቡእ ብዝወሓደ መስፈሪ ገይራ ብምሻጥ ንዓማዊላ ተታልል ነበረት። ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 13 እትርከብ ‘ቕንዕና ሓጐስ የፍሪ’ እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ምስ ኣጽንዐት ግን ነዚ ግጉይ ተግባራታ ኣቋረጸት። እዚ ምስ ኰነ ድሕሪ ሒደት እዋን ክትጥመቕ ምርኣይስ አየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!”

ካረን:- “ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ትውክልቲ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኰይኑ ኣይፈልጥን: ንሱ እውን ከምዚ ሕጂ ገይሩ ብኣይ ተጠቒሙ ኣይፈልጥን። ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ እናዓሞቐን እናደልደለን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።”

ንስኻኸ እንታይ ትብል፧

ንብዙሕ ዓመታት በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸገልግሉ ኢሎም ካብ ዓዶም ግዒዞም ኢዮም። ገሊኦም ንሓደ ወይ ክልተ ዓመት: ገሊኦም ከኣ ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣብቲ ሃገር ይጸንሑ። ተመክሮኦም: መንፈሳዊ ብስለቶም: ከምኡውን ገንዘቦም ሒዞም ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ ናብ ወጻኢ ሃገር ግዒዞም ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኦም: ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣስፋሕቲ ብሰንኪ ዋሕዲ ዓለማዊ ስራሕ ክሽፍንዎ ኣብ ዘይከኣሉ ቦታታት ብምኻድ ከገልግሉ ክኢሎም ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ፎር⁠-​ዊል ድራይቭ ዝዓይነታ ማኪና ብምዕዳግ ነቲ ክብጻሕ ዘይከኣል ዝነበረ ዞባ ሸፊኖሞ ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ከተማ ክነብሩ ብምምራጾም ነተን ሒደት ሽማግለታት ዘለወን ዓበይቲ ጉባኤታት ንምድልዳል ሓጊዞም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኵሎም ብሓደ ሓሳብ ካብቲ ንኻልኦት ዘካፈልዎ ዝበዝሕ መንፈሳዊ በረኸት ከም ዝረኸቡ ይገልጹ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብምኻድ ኣብ ዝግበር ናይ ኣገልግሎት መሰል ክትካፈልዶ ትኽእል፧ ኵነታትካ ዘፍቅድ እንተድኣ ዀይኑ ናብ ካልእ ሃገር ንምግዓዝ ስለምንታይ ነቲ ዘሎ ኣጋጣሚታት ዘይትምርምር፧ ኣብቲ ክትከዶ ሓሲብካ ዘለኻ ሃገር ዝርከብ ናይ ማሕበር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ምስዳድ ናይ መጀመርታን ኣድላዪን ስጕምቲ ኢዩ። እቲ ዝህቡኻ ንጹር ሓበሬታ ነቲ ውሳነኻ ዕዉት ንምግባር ክሕግዘካ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብታ ናይ 15 ነሓሰ 1988 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ” እትብል ዓንቀጽ ብዙሕ ተግባራዊ ዝዀነ ሓሳባት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ጽቡቕ መደብ ምስ እተውጽእ: በረኸት የሆዋ ድማ ምስ ዝውሰኾ ምናልባት ንስኻ እውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ካብ ምግልጋል ዝርከብ ሓጐስ ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ቶምን ሊንዳን ናብ ማሕበረሰብ ሻዋር ኢንድያ ኣብ ዝወስድ ምሕድግ ዝበለ መገዲ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ኣብ ኪቶ ርእሲ ከተማ ኤኳዶር የገልግሉ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ማኪኮ ኣብ ኣኽራን ኣንደስ እናሰበኸት ከላ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ስድራቤት ሂልቢግ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኤኳዶር ከገልግሉ ጸኒሖም ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ