ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/7 ገጽ 3-6
  • ፈትዮም ይመጹ ናብ ኤኳዶር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈትዮም ይመጹ ናብ ኤኳዶር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንየሆዋ እተዓዘብዎ’ መንእሰያት
  • ብድሆታት
  • “በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ”
  • ንስኻኸ፧
  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ፈትዮም ይመጹ ብራዚል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መስተንክር ዕቤት ኣብ ዘለዎ እዋን ኣገልገልኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/7 ገጽ 3-6

ፈትዮም ይመጹ ናብ ኤኳዶር

ሓደ ኣብ ኢጣልያ ዚነብር መንእሰይ ሓው፡ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝለዓለ ነጥቢ ምስ ተመረቐ፡ ኣዝማዱን መምህራኑን ዝለዓለ ትምህርቲ ንኺከታተል ጸቕጢ ኺገብሩሉ ጀመሩ። እዚ ብሩኖ ዚብሃል መንእሰይ፡ ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ህይወቱ ንየሆዋ ኣብ ዝወፈየሉ እዋን፡ ኣብ ህይወቱ ፍቓድ ኣምላኽ ኬቐድም ቃል ኣትዩ ነበረ። እንታይ ምርጫኸ ገበረ፧ ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢለ፡ ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ኸም ዝነብርን ንዕኡ ድማ ከም ዘቐድምን ነገርክዎ። ኰይኑ ግና፡ ዘሰልኪ ህይወት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እተፈላለየ ንጥፈታት ዝዓየሉ ህይወት ኪህልወኒ ኸም ዝደሊ ብቕንዕና ጠቐስኩሉ።”

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ፡ ብሩኖ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ እትርከብ ኤኳዶር ከደ። “የሆዋ ኻብ እተጸበኽዎ ንላዕሊ እዩ ንጸሎተይ መሊሱለይ” ድማ በለ። ኣብ ኤኳዶር ምስ በጽሐ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኼገልግልዎ ኢሎም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሓያሎ መንእሰያት ምስ ረኣየ፡ ደንጽይዎ እዩ።

‘ንየሆዋ እተዓዘብዎ’ መንእሰያት

ብሩኖ፡ ከምቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት ዝገበርዎ፡ ነቲ፡ “መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዐዘቡኒ” ዚብል ዕድመ የሆዋ ተቐቢልዎ እዩ። (ሚል. 3:10) እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ በታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ኣብታ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩላ ሃገር ከዱ። ግዜኦምን ጉልበቶምን ጥሪቶምን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ፈትዮም ብምውፋይ ድማ ንየሆዋ ኺፍትንዎ ወሰኑ።

እዞም ወለንተኛታት ዓየይቲ እዚኣቶም፡ ናብቲ እተመደቡሉ ሃገር ምስ በጽሑ፡ ‘እቲ እኽሊ ብዙሕ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት’ ምዃኖም ብኣዒንቶም ርእዮምዎ እዮም። (ማቴ. 9:37) ንኣብነት፡ ካብ ጀርመን እተላእከት ጃክሊን፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኤኳዶር ብውዕዉዕ ስምዒት፡ “ኣብ ኤኳዶር ካብ ዝምደብ ልዕሊ ኽልተ ዓመት ገይረ ኣለኹ፣ ዛጊት 13 ዝዀና ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዋኒ፡ 4 ኻባታተን ከኣ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲረን ይመጻ ኣለዋ። እዝስ ኣዝዩ ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን፧” ኢላ ጸሓፈት። ካብ ካናዳ ተመዲባ ዝኸደት ቻንታል ድማ፡ “ብ2008፡ ኣብ ገማግም ኤኳዶር ናብ ዚርከብ ሓደ ኸባቢ ገዓዝኩ፡ ኣብኡ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ነይራ። ሕጂ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ሰለስተ ጉባኤታትን ልዕሊ 30 ፈለምትን ኣለዉ። ብዙሓት ሓደስቲ ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉ ኻብ ምርኣይ ዚበልጽ ነገር የለን” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ኣኽራን ኣንደስ፡ ኣብ ልዕሊ 2,743 ሜተር ብራኸ እትርከብ ከተማ ገዓዝኩ። ኣብታ ኸተማ ልዕሊ 75,000 ተቐማጦ እኳ እንተ ኣለዉ፡ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ዘላ። እታ ጉባኤ እቲኣ፡ ብዙሕ ዚዕየ ኽሊ እዩ ዘለዋ። ንኣገልግሎተይ ኣዝየ እሕጐሰሉ ኣለኹ” በለት።

ብድሆታት

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድካ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ብድሆታት ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ። አረ ገሊኦም መንእሰያትሲ ቕድሚ ምግዓዞም እውን ከይተረፈ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎም እዩ። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተላእከት ከይላ፡ “ኣብ ሃገረይ ከለኹ ገሊኦም ኣሕዋት ካብ ሓልዮት ተላዒሎም ዝሃብዎ ርእይቶ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ። ፈላሚ ዀይነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ስለምንታይ ከገልግል ከም ዝደለኹ ኣይተረድኦምን። ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ቅኑዕ ውሳነ ድየ ዝገብር ዘለኹ’ ኢለ ንኽሓትት ተገዲደ እየ” በለት። ምስናይዚ ግና፡ ከይላ ኽትግዕዝ ወሰነት። ከምዚ ብምባል ከኣ ትገልጽ፦ “እቲ ናብ የሆዋ ዘቕረብክዎ ተደጋጋሚ ጸሎትን ምስ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገበርክዎ ነዊሕ ምይይጥን፡ የሆዋ ነቶም ብፍታው ኬገልግልዎ ዚደልዩ ኸም ዚባርኾም ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ።”

ንሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምልማድ ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። ካብ ኣይርላንድ እተላእከት ሸይቦን፡ “ሓሳባተይ ክገልጽ ዘይምኽኣለይ፡ በዳሂ እዩ ዀይኑኒ ነይሩ። ክዕገስ፡ ነቲ ቛንቋ ብትግሃት ከጽንዖ፡ ክጋገ ኸለኹ ኸኣ ኪስሕቕ ነበረኒ” በለት። ካብ ኢስቶንያ እትላእከት ኣና፡ “ነቲ ትሮፒካዊ ዋዒ፡ ደሮና፡ ከምኡውን ስእነት ውዑይ ማይ ንኽትለምዶ ኸቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ስጳንኛ ምምሃር ኪወዳደር ከሎ ግና ኣብ ቍጽሪ ዚኣቱ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ተስፋ እቘርጽ ነበርኩ። ኣብ ጌጋታተይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕቤተይ ከተኵር ነበረኒ” በለት።

ናፍቖት እውን ቀሊል ብድሆ ኣይኰነን። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተላእከ ጆናታን፡ “ካብ ፈተውተይን ስድራ ቤተይን ብምፍላየይ፡ ኣብ ኤኳዶር ምስ በጻሕኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ተስፋ ቘረጽኩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ናይ ብሕተይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣገልግሎትን ብምትኳር ነቲ ስምዒት ኣሰነፍክዎ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ በቲ ኣብቲ ኽሊ ዝረኸብክዎ ባህ ዜብል ተመክሮታትን በቶም ኣብ ጉባኤ እተፋለጥኩዎም ሓደስቲ ፈተውትን ሓጐሰይ ኪምለሰለይ ክኢሉ እዩ” በለ።

ካልእ በዳሂ ዅነት ድማ፡ ናብራ እዩ። ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ናብራ ኻብቲ ዝለመድካዮ ናብራ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካናዳ ዚነብር ቦ፡ “ኣብ ዓድኻ፡ ከም ሓይሊ ኤለክትሪክን ማይ ቡምባን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ኣቕሊልካ ኢኻ እትርእዮ። ኣብዚ ግና፡ እዚ ነገራት እዚ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ዚርከብ” በለ። ድኽነት፡ ዘይምሹእ መጓዓዝያ፡ ከምኡውን መሃይምነት ኣብ መብዛሕትአን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ልሙድ ተርእዮ እዩ። ካብ ኦስትርያ እተላእከት ኢነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳያት እቶም ህዝቢ ብምትኳራ፡ ነዚ ዅነታት እዚ ኽትዋጽኣሉ ኽኢላ እያ። ንሳ፡ ብዛዕባ እቶም ህዝቢ፡ “ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ልኡማት፡ ተሓባበርቲ፡ ከምኡውን ትሑታት እዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ኺፈልጡ ብዙሕ ተገዳስነት እዩ ዘለዎም” በለት።

“በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ”

ኵሎም እዞም ኣብ ኤኳዶር ዜገልግሉ ዘለዉ መንእሰያት መስዋእትታት እኳ እንተ ኸፈሉ፡ የሆዋ ኻብቲ እተጸበይዎ፡ “እምብዛ ኣዕዚዙ” ሂብዎም እዩ። (ኤፌ. 3:20) “በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ” ከም ዝረኸቡ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። (ሚል. 3:10) ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ዝሃብዎ ሓሳባት ድማ እንሆ፦

ብሩኖ፦ “ኣብዚ ኣብ ኤኳዶር ዚርከብ ዚማርኽ ዞባ ኣማዞን ኣገልግሎተይ ጀመርኩ። ጸኒሐ ኸኣ ተወሳኺ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኤኳዶር ኣብ ምህናጽ ተኻፊለ እየ። ሕጂ ኣብ ቤት ኤል አገልግል ኣሎኹ። ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንየሆዋ ቐዳምነት ንኺህቦ ሳላ ዝወሰንኩ፡ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ባህ ዜብል እተፈላለየ ናብራ ንኽነብር ብምሕጋዝ፡ ትምኒተይ ብሓቂ ይፍጽመለይ ኣሎ።”

ቦ፦ “ኣብ ኤኳዶር ንዅሉ ግዜይ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኬሕልፎ ብምኽኣለይ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ እየ ቐሪበ። ብዘይካዚ፡ ናብቲ ዅሉ ሳዕ ዚምነዮ ዝነበርኩ ዚማርኽ ቦታታት ኪጐዓዝ ብምኽኣለይ፡ ተወሳኺ በረኸት ረኺበ እየ።”

ኣና፦ “ንጽል ሓብቲ ብምዃነይ፡ ናብራ ሚስዮናውያን ክነብር ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ከም ዚከኣል እፈልጥ እየ። ሳላ በረኸት የሆዋ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኽገብርን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ክሃንጽን ሓደስቲ ፈተውቲ ኸጥርን ክኢለ እየ።”

ኤልከ፦ “ኣብ ዓደይ ኣብ ኦስትርያ፡ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ንኽረክብ ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ እጽሊ ነይረ እየ። ኣብዚ፡ 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ኣለኹ። ዕቤት ዚገብራ ሕጉሳት ተመሃሮ ኽርኢ ኸለኹ ዓብዪ ዕግበት እዩ ዜምጽኣለይ።”

ጆኤል፦ “ኣብ ዘይትፈልጦ ቦታ ኼድካ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ዓብዪ ተመክሮ እዩ። ብዝያዳ ኣብኡ ኽትውከል ትመሃር፡ ንጻዕርታትካ ኺባርኾ ኸሎ ምርኣይ ከኣ ባህ ዜብል እዩ። ፈለማ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብዚ ምስ ተለኣኽኩ፡ እታ ዘገልግለላ ጕጅለ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ካብ 6 ናብ 21 ኣስፋሕቲ ዓበየት። ኣብ ዝኽሪ ሞት ከኣ፡ 110 ተኣከብቲ ነበርና።”

ንስኻኸ፧

ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድኩም ንኸተገልግሉ ዅነታትኩም የፍቅደልኩም ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ውሳነ ቕድሚ ምግባርኩም፡ ጥንቃቐ ዝመልኦ መደብ ከተውጽኡ ኸም ዜድልየኩም ፍሉጥ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንየሆዋን ንብጻይኩምን ድልድልቲ ፍቕሪ ኽትህልወኩም የድሊ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ እንተ ኣልያትኩም እሞ፡ ብቑዓት ድማ እንተ ዄንኩም፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርቡ። ብተወሳኺ፡ ንክርስትያን ወለድኹምን ንሽማግለታት ጉባኤን ብዛዕባ ትምኒትኩም ኣዘራርብዎም። በዚ ኸምዚ፡ ንስኻትኩም እውን ኣብዚ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት እዚ፡ ክትካፈሉ ኸም እትኽእሉ ዀይኑ ኺስምዓኩም ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ናብ የሆዋ ዘቕረብክዎ ተደጋጋሚ ጸሎትን ምስ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገበርክዎ ነዊሕ ምይይጥን፡ የሆዋ ነቶም ብፍታው ኬገልግልዎ ዚደልዩ ኸም ዚባርኾም ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ።”​—ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተላእከት ከይላ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድካ ንኸተገልግል ብኸመይ ከም እትዳሎ

• ዘየቋርጽ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ይሃልኻ

• ነቲ ኣብ ናይ ነሓሰ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ  4-6 ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ርኣዮ

• ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ንዘገልገሉ ኣስፋሕቲ ኣዘራርቦም

• ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን እታ እተገልግለላ ሃገር ኣጽንዕ

• መሰረታዊ ትምህርቲ ቛንቋ ተምሃር

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ዜገልግሉ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ በዚ ዚስዕብ መገዲ ርእሶም ይኽእሉ፦

• ዓመት ዓመት ናብ ሃገሮም እናኸዱ ንሒደት ኣዋርሕ ብምዕያይ

• ንቤቶም፡ ንህንጻኦም፡ ወይ ንዕዮ ንግዶም ብምክራይ

• ብኢንተርነት ብምዕያይ

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእልታት]

1 ጃክሊን ካብ ጀርመን

2 ብሩኖ ኻብ ኢጣልያ

3 ቦ ኻብ ካናዳ

4 ሸይቦን ካብ ኣይርላንድ

5 ጆኤል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

6 ጆናታን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

7 ኣና ኻብ ኢስቶንያ

8 ኤልከ ኻብ ኦስትርያ

9 ቻንታል ካብ ካናዳ

10 ኢነስ ካብ ኦስትርያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ