ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ሓምለ ገጽ 5
  • ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • “ናብ ካልእ ቦታ ኽግዕዝ የድልየኒ ድዩ፧”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ሓምለ ገጽ 5
“ብእምነት ናብ ኣፍ ደገ ዕዮ እቶ—ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ” ኣብ ቪድዮ እተመስረተ ምሳሌታት። ስእልታት፦ 1. ገብርኤል ምርምር ይገብር። 2. ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብኸመይ ከም ዚራኸብ ምስ ሓደ ሽማግለ ይዘራረብ። 3. ምስ ዓርኩ ሳሙኤል ኰይኑ ኣብ እዋን ፍሉይ ወፈራ ይሰብኽ።

ክርስትያናዊ ህይወት | ንሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ሸቶ ኣውጽእ

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ

ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ ካብቲ ዝለመድካዮ ናብ ሓድሽ ቦታ ንምግዓዝ እምነት የድሊ እዩ። (እብ 11:8-10) ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኽትግዕዝ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ንሽማግለታትካ ኣዘራርቦም። ወጻኢታትካ ምእንቲ ኽትጽብጽብን ቦታ ምእንቲ ኽትመርጽን እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል፧ ብዛዕባ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዒዝካ ምግልጋል ዚገልጽ ሕታማት መርምር። ነቶም ንኻልኦት ጉባኤታት ንምሕጋዝ ዝገዓዙ ዕዉታት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣዘራርቦም። (ምሳ 15:22) መምርሒ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ያእ 1:5) ብዛዕባ እቲ ኽትከዶ ዝሓሰብካ ቦታ ምርምር ግበር፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ቅድሚ ምውሳንካ ንሒደት መዓልትታት ኬድካ ርኣዮ።

ነታ ብእምነት ናብ ኣፍ ደገ ዕዮ እቶ—ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገብርኤል እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧ ነዚ ኺሰግሮ ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧

ኣብ ቀረባኻ ሓገዝ ዜድልየን ጉባኤታት እንተ ኣልየን ንምፍላጥ፡ ንሓላው ወረዳኻ ኣዘራርቦ። ብዛዕባ ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ጉባኤታት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ድማ፡ ብኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤኻ ኣቢልካ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ ጽሓፍ። እተን ጉባኤታት ካብ ጨንፈርካ ወጻኢ እንተ ዀይነን፡ ናብታ እትኸዳ ሃገር ብሓላፍነት ዚከታተል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጽሓፍ። እትመርጾ ቦታ እንተ ኣልዩ ኣብ ደብዳበኻ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ