2 ቅኑዕ ፍልጠት ኣምላኽ ኣጥሪ
“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3።
እቲ ዕንቅፋት እንታይ እዩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ይዛረቡ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ኵሉ ዚነብር ሓይሊ ኸም ዝዀነ ይሓስቡ። እቶም ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ምዃኑ ዚኣምኑ እውን፡ ብዛዕባ መንነቱን ባህርያቱን ንሓድሕዱ ዚጋጮ ትምህርቲ ይምህሩ።
ነቲ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጥ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ዝገበሮ ነገራት ብምርኣይ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ]፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” በለ። (ሮሜ 1:20) ንተፈጥሮ ኣጸቢቕካ ብምዕዛብ፡ ብዛዕባ ጥበብን ሓይልን ፈጣሪና ብዙሕ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 104:24፣ ኢሳይያስ 40:26።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ንምርካብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቦን ኪምርምሮን ኣለዎ። ካልኦት ንኣተሓሳስባኻ ኪቐርጽዎ ኣይተፍቅድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ንዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ስዓብ። (ሮሜ 12:2) ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጾ ሓቅታት እስከ ርአ።
ኣምላኽ ስም ኣለዎ። ስም ኣምላኽ ኣብቲ መጀመርታ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ስም እዚ ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ይርከብ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ንስኻ፡ [“የሆዋ፡” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።” እዚ ስም እዚ ኣብ መዝገበ-ቓላት እውን ይርከብ እዩ።
የሆዋ ኣምላኽ ብተግባራት ሰባት ኪትንከፍ ዚኽእል ስምዒት ኣለዎ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ጥበባዊ ምኽሩ ዕሽሽ ይብልዎ ነበሩ። ብዕልወቶም ‘ኣጕህዮምዎ’ እዮም። ብሰሪ ተግባራቶም “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።”—መዝሙር 78:40, 41።
የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይሓልየልና እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ” በለ።—ማቴዎስ 10:29-31።
ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ወይ ባህሊ ኻብ ካልእ ኣብሊጹ ኣይርእን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴና ዝነበሩ ግሪኻውያን፡ “[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ሓበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።
እንታይ ዓስቢ ትረክብ፧ ገሊኦም ሰባት “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት” ኣለዎም። (ሮሜ 10:2) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር እንተ ፈሊጥካ፡ ብኻልኦት ኣይትታለልን፡ ‘ንኣምላኽ ከኣ ትቐርቦ።’—ያእቆብ 4:8።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧a ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” ዚብል ምዕራፍ 1 ርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጥ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ዝገበሮ ነገራት ብምርኣይ እዩ