2 ኣምላኽ ኣይግደሰልናን እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧
ንስኻ ዝሰማዕካዮ፦ “ኣምላኽ ብሓቂ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እንተ ዚግደስ፡ ንእከይን ንመከራን መጥፍኦ ነይሩ። ዋላ እውን ንሰባት ብሓፈሻ እንተ ተገደሰሎም፡ ንዓይ ብውልቀይ ግና ኣይግደሰለይን እዩ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ጠንቂ እከይ ኣይኰነን። (ያእቆብ 1:13) ንእከይ ኬጥፍኦ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ እተላዕለ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት መዕለቢ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ብልሹው ሕብረተሰብ ኪህሉ ፈቐደ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ነቲ እቶም ንግዝኣቱ ዚነጽግዎ ሰባት ዘምጽእዎ ጸገማት ብምውጋድ፡ ምእንቲ ደቂ ሰብ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ኢሳይያስ 65:17።a
ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ይግደሰሎም እዩ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን ይግደሰልና እዩ። ማቴዎስ 10:29-31፡ ብዛዕባና ብዝርዝር ከም ዚፈልጥ ትሕብር እያ፣ ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።”
ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፦ መብዛሕትኡ እዋን፡ ካብ ጨካንን ሕሱምን ሰብ ንርሕቕ ኢና። ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ዘይግደሰልና ብሓሶት ስለ ዚንገሮም፡ ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ኣይደልዩን እዮም፣ ኣማራጺ ምስ ሰኣኑ ጥራይ እዮም ናብኡ ዚቐርቡ። የሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚግደሰልካ ምፍላጥካ ግና፡ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኸም እትመሃርን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ከም እትምስርትን ኪገብረካ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት፡ ናብ ኣምላኽ እኳ እንተ ጸለኻ፡ ዚሰምዓካን ዚምልሰልካን እንተ ዀይኑ ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ” ኢሉ ስለ ዚጽውዖ፡ ነቶም ብቕንዕና ናብኡ ዚጽልዩ ይሰምዖምን ይምልሰሎምን እዩ።—መዝሙር 65:2።
ኣምላኽ ስለ ‘ዚሓልየልና፡’ ‘ንዅሉ ሓልዮትና ኣብኡ ኸነውድቖ’ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ቃሉ፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ይብል።—መዝሙር 34:18።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ ዘይግደሰልና እንተ ዀይኑ፡ ናብኡ ኽንጽሊ ጻውዒት ዜቕርበልና ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧