መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ንመንእሰያት እኹላት ሰባት ኪዀኑ ምድላዎም
“ምስ ደቀይ ምዝርራብ ዜሐጕስ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ እዩ። ነቲ ዚብሎም ዝነበርኩ ጽን ኢሎም ይሰምዑ፡ ብኡንብኡ ድማ ይትግብርዎ ነበሩ። ሕጂ ኣብ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጽሑ ግን፡ ብዅሉ ነገራት ኢና እንጋጮ። መንፈሳዊ ንጥፈታትና እውን ከይተረፈ ኣይብርሆምን እዩ። ‘ግድን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዘራረብ ኣሎና፧’ ኢሎም ድማ ይሓቱ። ደቀይ ቅድሚ ምጕባዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ ካልኦት እርእዮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ስድራ ቤትና ግን ከምዚ ኼጋጥም ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ።—ሬጂa
ዝባጽሐ ውሉድ ተዕቢዶ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ባህ ዜብል ደረጃታት ዕቤት ውሉድካ ትርኢ ኣለኻ ማለት እዩ። ምስናይዚ እውን ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜበሳጩ ዅነታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣብነት ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧
ወድኻ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከም ሓንቲ ኻብ ኣዲኣ ዘይትፍለ ጫቝት፡ ካባኻ ኣይፍለን ነይሩ ይኸውን። ኰተቴ ምስ ኰነ ግን፡ ከምታ ባዕላ ኽትነፍር ምስ ጀመረት ካብ ኣዲኣ እትፍለ ጫቝት፡ ብርእሱ ኺውስን ስለ ዚደሊ፡ እተጠንጠንካ ዀይኑ ይስምዓካ።
ጓልካ ቘልዓ ኸላ፡ ኵሉ ነገር ትነግረካ ነበረት። ጐርዞ ኻብ እትኸውን ኣትሒዛ ግን፡ ምስ መሓዙታ ‘ማሕበራዊ ክበብ’ ስለ ዝመስረተት፡ እተጐሰኻ ዀይኑ ይስምዓካ።
ኣብ ቤትካ ኸምዚ የጋጥም እንተ ኣልዩ፡ ውሉድካ ዘይልወጥ ዓለወኛ ይኸውን ከም ዘሎ ጌርካ ኣይትደምድም። እንታይ ደኣ እዩ እሞ ዚኸውን ዘሎ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ብጽሕና/ጕርዝውና ኣብ ዕቤት ውሉድካ እንታይ ኣገዳሲ ተራ ኸም ዘለዎ እስከ ንመርምር።
ብጽሕና/ጕርዝውና—ነጥበ-መቐይሮ
ሓደ ቘልዓ ኻብ ዚውለድ ጀሚሩ፡ ሀ ኢሉ ዚጅምሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ታተ ኢሉ ምኻድ ዝጀመረሉ፡ ኣፍ ዘውጸኣሉ፡ ከምኡውን ትምህርቲ ዝኣተወሉ መዓልትታት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ወለዲ፡ ውሉዶም ነጥበ-መቐይሮ ኺገብር ከሎ ይሕጐሱ እዮም። እቲ ኣብ ህይወቱ ዚርአ ለውጥታት፡ ይዓቢ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ፣ ወለዲ ኸኣ ነዚ ብሃረርታ እዮም ዚጽበይዎ።
ብጽሕና/ጕርዝውና እውን ንገሊኦም ወለዲ ዚኸብዶም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ውሉድ ዚርአ ነጥበ-መቐይሮ እዩ። እዚ ንወለዲ እንተ ኣሻቐሎም ዜገርም ኣይኰነን። ኣየናይ ወላዲ እዩ እሞ ሓደ ምቕሉል ዝነበረ ውሉድ፡ ኰርፋፍ መንእሰይ ኪኸውን ከሎ ዚሕጐስ፧ ምስናይዚ ግን፡ ብጽሕና/ጕርዝውና ኣገዳሲ መዳይ ዕቤት እዩ። ብኸመይ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:24) ቀንዲ ዕላማ ብጽሕና/ጕርዝውና፡ ነዛ ሓጐስን ጓህን እተምጽኣልካ ውሉድካ ኻባኻ ዚፍለየላ መዓልቲ ንምድላው እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ውሉድካ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኺብል ኪኽእል ኣለዎ፦ “ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።”—1 ቈረንቶስ 13:11።
ውሉድካ፡ ንነገር ቈልዓ ሓዲጉ፡ ሓላፍነት ዚስምዖን ብርእሱ ኺውስን ዚኽእልን እኹል መንእሰይ ኰይኑ ኻብ ገዛ ንኺወጽእ ዚመሃር፡ ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ንብጽሕና/ጕርዝውና ምስ “ስንብታ” ኣተሓሒዝዎ ዘሎ።
እቲ “ንእሽቶ” ውሉድካ ርእሱ ኽኢሉ ኺወጽእ ዚብል ሓሳብ እንተ ኣሻቐለካ ዜገርም ኣይኰነን። ከምዚ ኢልካ ትሓትት ትኸውን፦
“ወደይ ኣብ ቤት ንዚወሃቦ ዕዮታት ብግቡእ ኪፍጽም ዘይከኣለስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ርእሱ ኽኢሉ ኺነብር ዚኽእል፧”
“ጓለይ ነቲ ኣብ ገዛ ንኽትኣቱ እተወሰነላ ሰዓት ክትሕሉ ዘይከኣለትሲ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ስራሕ ሒዛ ኽትቅጽል እትኽእል፧”
ከምዚ ዝኣመሰለ ሻቕሎት ዚስምዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ርእስኻ ኽኢልካ ምንባር ውሉድካ ዚኣትወሉ ማዕጾ ዘይኰነስ፡ እተወሰነ ዓመታት ኪወስድ ዚኽእል ዚጐዓዘሉ መገዲ ኸም ዝዀነ ኣይትረስዕ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ” ኸም ዘሎ ተዓዚብካ ትኸውን ኢኻ።—ምሳሌ 22:15።
ይኹን እምበር፡ ውሉድካ ግቡእ መምርሒ እንተ ደኣ ተዋሂብዎ፡ ካብ ብጽሕና/ጕርዝውና ናብ ሓደ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኡ ዘላመደ’ ሓላፍነት ኪስከም ዚኽእል እኹል መንእሰይ ኪሰጋገር ይኽእል እዩ።—እብራውያን 5:14።
መፍትሕ ዓወት
ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ እኹል ሰብ ኪኸውን ንኸተዳልዎ፡ ባዕሉ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር ምእንቲ ኪኽእል ‘ኣእምሮኡ’ ኺስሕል ክትሕግዞ ኣሎካ። (ሮሜ 12:1, 2) እዚ ዚስዕብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።
ፊልጲ 4:5፦ “እቲ ለውሃትኩም [ልእመትኩም] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።” እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ሓደ ነገር ኪግበረሉ፡ ንኣብነት እቲ ናብ ገዛ ዚኣትወሉ ሰዓታት ኪናውሓሉ ይሓትት ይኸውን። ንስኻ ድማ ብኡንብኡ ትነጽጎ። ውሉድካ፡ “እንታይ ኢኻ ኸም ቈልዓ ጌርካ እትቘጽረኒ!” ኢሉ ይዛረበካ። “ሕጅስ ቈልዓ እንዲኻ” ኢልካ ቕድሚ ምምላስካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መንእሰያት ካብቲ ዚግብኦም ንላዕሊ ናጽነት ኪወሃቦም ይደልዩ እዮም፡ ወለዲ ግን ካብቲ ኺህብዎ ዚኽእሉ ዝወሓደ ናጽነት ኪህቡ ይደልዩ። ሓሓሊፍካ ነቲ እትህቦ ናጽነት ክትውስኸሉ ትኽእልዶ፧ እንተ ወሓደ ንሕቶ ውሉድካ ንምንታይ ዘይትሓስበሉ፧
ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ዝያዳ ናጽነት ክትህብ እትኽእለሉ ሓደ ወይ ክልተ መዳያት ጽሓፍ። እቲ እትህቦ ናጽነት ንመፈተንታ ምዃኑ ንገሮ። ብሓላፍነት እንተ ተጠቒሙሉ፡ ድሕሪ ግዜ ዝያዳ ናጽነት ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግን፡ ንገለ ኻብቲ ዝሃብካዮ ናጽነት ክትንክየሉ ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 25:21።
ቈሎሴ 3:21፦ “ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዐርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።” ገሊኦም ወለዲ ንዝባጽሐ ውሉዶም ብዅሉ ነገር ኪቈጻጸርዎ ይፍትኑ። ብስርዓት ምእንቲ ኺመላለስ ኢሎም፡ መእተውን መውጽእን ይኸልእዎ። ኣዕሩኹ ይመርጹሉ፡ ብተሌፎን ኪዛረብ ከሎ ኸኣ ተሓቢኦም ይሰምዕዎ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ግን ሓደገኛ እዩ። ብዅሉ ነገር ክትቈጻጸሮ ምፍታን፡ ዜምልጠሉ መገዲ ኸም ዜናዲ እዩ ዚገብሮ፣ ወትሩ ንኣዕሩኹ ምንቃፍ፡ ዝያዳ ኸም ዚቐርቦም ኪገብሮ ይኽእል እዩ፣ ብተሌፎን ኪዛረብ ከሎ ተሓቢእካ ምስማዕ፡ ንስኻ ብዘይትፈልጦ መገዲ ምስ ኣዕሩኹ ዚራኸበሉ ኻልእ መዳይ ንኺምህዝ ኬገድዶ እዩ። ክትቈጻጸሮ ብዝፈተንካ መጠን፡ ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ እናዀነ እዩ ዚኸይድ። እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኣብ ገዛ ኸሎ ብገዛእ ርእሱ ኺውስን እንተ ዘይተማሂሩ፡ ካብ ገዛ ምስ ወጸ እሞ ኸመይ ገይሩ እዩ ኺውስን ዚኽእል፧
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዚቕጽል እዋን ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ክትዘራረብ ከለኻ፡ ምርጫታቱ ብኸመይ ኪትንክፎ ኸም ዚኽእል ንኼስተውዕል ሓግዞ። ንኣብነት፡ ንኣዕሩኹ ኣብ ክንዲ እትነቕፎም፡ “[እከለ] ሕጊ ጥሒሱ እንተ ተኣሲሩ፡ ከም ምንታይ ኢኻ ኽትቍጸር፧” ኢልካ ሕተቶ። ምርጫታቱ ብኸመይ ጽቡቕ ስም ወይ ሕማቕ ስም ኬምጽኣሉ ኸም ዚኽእል ንኺግንዘብ ሓግዞ።—ምሳሌ 11:17, 22፣ 20:11።
ኤፌሶን 6:4፦ “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።” እታ “ምዕዶ” እትብል ቃል፡ ሓቅታት ካብ ምምሕልላፍ ንላዕሊ እያ እተመልክት። ነቲ ቘልዓ ኣብ ተግባራቱ ጽልዋ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ንስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባኡ ምትንካፍ እያ እተመልክት። ብፍላይ ውሉድካ ኣብ ዝባጽሓሉ እዋን፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣንድሬ ዝስሙ ኣቦ፡ “ደቅኻ እናዓበዩ ብዝኸዱ መጠን፡ ኣቀራርባኻ ኸተዐርን ክትረዳዳእን የድልየካ” በለ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14።
ነዚ ፈትኖ፦ ሓደ ጕዳይ ኪለዓል ከሎ፡ ንስኻ ኸም ውሉድ፡ ውሉድካ ኸኣ ኸም ወላዲ ኽትኰኑ ፈትኑ። ንስኻ ወዱ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ እንታይ ምኽሪ ኸም ዚህበካ ሕተቶ። ምስቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዚሰማማዕ ወይ ዚጻረር ምኽንያት ምእንቲ ኬቕርብ፡ ምርምር ኪገብር ንገሮ። ነዚ ጕዳይ እዚ እንደገና ኣብ ውሽጢ ሰሙን ተመያየጡሉ።
ገላትያ 6:7፦ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ።” ሓደ ቘልዓ ብመቕጻዕቲ፡ ንኣብነት ዚፈትዎ ነገር ከይገብር ብምኽልካል ኪመሃር ይኽእል እዩ። ንዝባጽሐ ውሉድካ ግን፡ ካብቲ ተግባራቱ ኼስዕበሉ ዚኽእል ውጽኢት ከም ዚመሃር ግበሮ።—ምሳሌ 6:27።
ነዚ ፈትኖ፦ ንዕዳኡ ብምኽፋል ወይ ኣብ ትምህርቲ ኺሓምቕ ከሎ ንመምህሩ መመኽነይታ ብምቕራብ ኣይትሸፋፍነሉ። ሳዕቤኑ ባዕሉ ይዕጸዶ፡ ዘይርሳዕ መለበሚ ኸኣ ኪዀኖ እዩ።
ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ውሉድካ ንግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ብዘይ ገለ ጸገም ሰጊሩ እኹል ሰብ ኪዀነልካ ትምነ ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ከምዚ ኣየጋጥምን እዩ። ብጽሕና/ጕርዝውና ውሉድካ፡ ነቲ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ” ዚብል ስርዓት እትዓየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 22:6) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጕስቲ ስድራ ቤት ክትሃንጸሉ እትኽእል ድልዱል መሰረት እዩ።
a ስም ተቐዪሩ እዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት . . .
እቲ ዝባጽሐ ውሉደይ ካብ ቤት ምስ ወጸ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪገብር ይኽእል ድዩ፧
ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ ኬውጽእ
ጽቡቕ ምርጫታትን ውሳነታትን ኪገብር
ምስ ካልኦት ኪረዳዳእ
ጥዕናኡ ኺኣሊ
ገንዘቡ ብግቡእ ከካውን
ቤቱ ብጽሬት ኪሕዝ
ተበግሶ ወሲዱ ሓደ ነገር ኪፍጽም
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ሓላፍነት ከም ዚስከም እንተ ደኣ ኣርእዩ፡ ዝያዳ ናጽነት ክትህቦ ምኸኣልካዶ፧