መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝባጽሐ ውሉድካ ነቲ ዝመሃርካዮ ሃይማኖት ኣብ ሕቶ ኼእትዎ ኸሎ
ብዙሓት መንእሰያት፡ እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ናይ ወለዶም ሃይማኖት ይሕዙ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:14) ዘይሕዙ እውን ኣለዉ። ዝባጽሐ ውሉድካ ነቲ ዝመሃርካዮ ሃይማኖት ኣብ ሕቶ ኼእትዎ እንተ ጀሚሩ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚሕዝዎ ኽትገልጽ እያ።
“ድሕሪ ሕጂ ናይ ወለደይ ሃይማኖት ክስዕብ ኣይደልን እየ። ሰልክዩኒ እዩ።”—ኮራ፡ 18።a
ሃይማኖትካ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኸም ዚምህርን መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ከም ዚመርሕን ትኣምን ኢኻ። ስለዚ፡ ነቲ እትኣምነሉ ስርዓታት ኣብ ልቢ ውሉድካ ኸተስርጾ ምፍታንካ ንቡር እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ኰይኑ ግና፡ ውሉድካ እናዓበየ ኣብ ዚኸደሉ እዋን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎ ተገዳስነት እናጠፍአ እንተ ኸይዱ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ብሃንቀውታ ዚመሃሮ ዝነበረ ሃይማኖት ከኣ ኣብ ሕቶ እንተ ኣእትይዎ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧b—ገላትያ 5:7።
ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ከም ክርስትያን ወላዲ መጠን ብቕዓት ዘይብልካ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ፡ ብዙሕ ረቛሒታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝባጽሐ ውሉድካ ንእምነትካ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ እትህቦ ምላሽ፡ ናብ እምነትካ ብዝያዳ ኸም ዚቐርብ ወይ ከኣ ብዝያዳ ኸም ዚርሕቕ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ውግእ እንተ ኸፊትካ፡ ኣመና ኪኸብደካን ክትስዓርን ትኽእል ኢኻ።—ቈሎሴ 3:21።
ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምዕዶ ምስዓብ ዝሓሸ እዩ። ንሱ፡ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) እሞኸ፡ ዝባጽሐ ውሉድካ ነቲ ዝመሃርካዮ ሃይማኖት ኣብ ሕቶ ኼእትዎ እንተ ጀሚሩ፡ ክኢላ “መሃሪ” ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
አስተውዓሊ ኹን
ፈለማ፡ ነቲ ንኣረኣእያ እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ዝጸለዎ ረቛሒታት ኣስተውዕለሉ። ንኣብነት፦
▪ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽምዋ ይስምዖ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧ “መሓዙት ክረክብ እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ብዙሓት መማህርተይ ክቀራረብ ጀመርኩ፣ ብሰንኩ ኸኣ ንብዙሕ ዓመታት መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ኣይከኣልኩን። ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዝነበረኒ ተገዳስነት ዘጥፈኦ፡ እቲ ዝመስረትክዎ ሕማቕ ምሕዝነት እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ብዙሕ እዩ ዜጣዕሰኒ።”—ለኖር፡ 19።
▪ ርእሰ ምትእምማን ስለ ዚጐድሎ፡ ብዛዕባ እምነቱ ምዝራብ የሸግሮ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመማህርተይ ብዛዕባ እምነተይ ከካፍሎም ይኸብደኒ ነበረ። ከም ስግንጢር ወይ ከም ‘ቀሺ’ ገይሮም ከይርእዩኒ የፍርሃኒ ነበረ። ፍልይ ዝበሉ ቘልዑ ተቐባልነት ስለ ዘይነበሮም፡ ከምኣቶም ክኸውን ኣይደልን እየ ነይረ።”—ራሞን፡ 23።
▪ ብክርስትያናዊ ስርዓታት ምንባር ይኸብዶ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክሓስብ ከለኹ፡ እቲ ተስፋ ኣብ ጫፍ ናይ ሓደ ነዊሕ መደያይቦ ዚርከብ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ፣ ካብቲ መደያይቦ ኣመና ርሒቐ ዘለኹ ዀይኑ እውን ይስምዓኒ ነበረ። ኣብቲ መደያይቦ ምድያብ ኣመና ስለ ዘፍረሃኒ፡ ንእምነተይ ክሓድጎ ሓሲበ ነበርኩ።”—ረኔ፡ 16።
ተዘራረቡሉ
እሞኸ ንኣረኣእያ እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ዝጸለዎ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ኽትፈልጦ እትኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ንዕኡ ብምሕታት እዩ። እቲ ዝርርብኩም ናብ ክትዕ ከይቅየር ግና ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣብ ያእቆብ 1:19 ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ” ኹን። ተዓገሶ ድማ። ልክዕ ከምቲ ኻብ ስድራ ቤትካ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ሰባት እትገብሮ፡ ምስ ውሉድካ ኽትዘራረብ ከለኻ እውን፡ ክእለት ‘ኣመሃህራን ዓቕልን’ ይሃሉኻ።—2 ጢሞቴዎስ 4:2።
ንኣብነት፡ ዝባጽሐ ውሉድካ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪኸይድ እንተ ዘይደልዩ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዖ ኽትፈልጥ ጽዓር። ነዚ ግና ብትዕግስቲ ኽትገብሮ ኣሎካ። ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ እንተ ጌርካ፡ ኣይኪሰልጠካን እዩ።
ውሉድ፦ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ኣይተበርሃንን።
ኣቦ፦ [ብቝጥዓ] ኣይተበርሃንን ኢልካ ዘረባኸ እንታይ ማለት እዩ፧
ውሉድ፦ ዜሰልኪ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።
ኣቦ፦ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር እምበኣር ዜሰልኪ እዩ! በል ነጊረካ ኣለኹ፡ ምሳና ኽሳዕ ዘለኻ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ኢኻ።
ኣምላኽ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባኡ ኺምህርዎምን ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎምን እዩ ዚደሊ። (ኤፌሶን 6:1) ይኹን እምበር፡ ውሉድካ ንመንፈሳዊ ልማድካ ብዓይኒ ዕሙተይ ኪስዕቦን ከይፈተወ ምሳኻ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪኸይድን ኣይትደልን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፈትዩ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ኢኻ እትደሊ።
ከምኡ ኽትገብር እትኽእል፡ ነቲ ንኣረኣእያ ውሉድካ ጽልዋ ዚገብረሉ ዘሎ ረቛሒታት ከተስተውዕሎ እንተ ፈቲንካ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝርርብ ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺግበር ከም ዚከኣል እስከ ንርአ።
ውሉድ፦ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ኣይተበርሃንን።
ኣቦ፦ [ብህድኣት] ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዑካ፧
ውሉድ፦ ዜሰልኪ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።
ኣቦ፦ ሓቅኻ ኢኻ፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ ሰዓት ኮፍ ምባል ዜሰልኪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደካ ግና እንታይ እዩ፧
ውሉድ፦ እንድዒ። ኣብቲ ኣዳራሽ ክኸውን ደስ ኣይብለንን እዩ።
ኣቦ፦ ኣዕሩኽካ እውን ከምኡ ድዩ ዚስምዖም፧
ውሉድ፦ ንሱ እንድዩ ደኣ እቲ ጸገም፣ ኣዕሩኽ እኮ የብለይን። እቲ ዝፈትዎ ዓርከይ ካብ ዚኸይድ ንነጀው፡ ዘዕልሎ ሰብ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ። ካልኦት ጽቡቕ ግዜ ኼሕልፉ ኸለዉ፡ ኣነ ግና እተገለልኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።
እቲ ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ኣብነት እተጠቕሰ ኣቦ፡ እቲ ዝባጽሐ ውሉዱ ልቡ ኸፊቱ ኸም ዚዛረቦ ስለ ዝገበረ፡ እቲ ውሉድ ጽምዋ ኸም ዚስምዖ ኺርዳእ ክኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ከም ዚህሉ እውን እዩ ገይሩ፣ እዚ ኸኣ ንተወሳኺ ምይይጥ መገዲ ዚጸርግ እዩ።—ነታ፡ “ዕጉስ ኩን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት ከይገብሩ ዚዕንቅፎም ዝነበረ ጕዳያት ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ እምነቶምን ጽቡቕ ይስምዖም እዩ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ራሞን ዝስሙ መንእሰይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ክርስትያን ከም ዝዀነ ምንጋር የፍርሆ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ፡ ዋላ እውን ላግጺ ዜስዕብ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ኣዝዩ ዜፍርህ ከም ዘይኰነ ተገንዘበ። ከምዚ ድማ በለ፦
“ሓደ እዋን፡ ሓደ ወዲ ትምህርተይ ብምኽንያት እምነተይ ከላግጸለይ ጀመረ። ኣዝየ ፈራህኩ፣ ብምሉኦም ደቂ ኽፍለይ ዚሰምዑ ዝነበሩ ዀይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዝርርብ ናብኡ ብምጥዋይ፡ ብዛዕባ እምነቱ ሓተትክዎ። እቲ ዜገርም፡ ንሱ ኻባይ ንላዕሊ ኣመና ፈርሀ። ብዙሓት መንእሰያት፡ ሃይማኖት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ብዛዕባ ሃይማኖቶም ከም ዘይፈልጡ ተረዳእኩ። ኣነ ግና እንተ ወሓደ ብዛዕባ እምነተይ ክገልጽ እኽእል እየ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ንመማህርተይ እዩ ኼጨንቖም ዘለዎ።”
ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ፡ ክርስትያን ብምዃኑ ኸመይ ከም ዚስምዖ ምእንቲ ኺገልጸልካ፡ ሕተቶ። ክርስትያን ምዃን እንታይ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ፧ እንታይ ብድሆታትከ እዩ ዘለዎ፧ እቲ ጥቕምታት ካብቲ ብድሆታት ይበልጽዶ፧ ዚበልጽ እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ፧ (ማርቆስ 10:29, 30) እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ፡ ንሓሳባቱ ኽልተ ዓምዲ ኣብ ዘለዎ ወረቐት ኪጽሕፎ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ብዛዕባ እቲ ብድሆታት፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጥቕምታት ኪጽሕፍ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ ጸገም ብንጹር ንኺፈልጦን መፍትሒ ንኼናድን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።
ናይቲ ዝባጽሐ ውሉድካ “ኣእምሮ”
ወለድን ክኢላታትን፡ ኣብ መንጎ እቲ ቘልዑን ዝባጽሑ ውሉዳትን ዚሓስቡሉ መገዲ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:11) ብኣረኣእያ ንኣሽቱ ቘልዑ፡ ኵሉ ነገራት፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ፣ ዝባጽሑ ውሉዳት ግና፡ ብዝያዳ ኣዕሚቖም እዮም ዚሓስቡ። ንኣብነት፡ ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ከም ዝፈጠሮ ኽትምህሮ ትኽእል ኢኻ። (ዘፍጥረት 1:1) ሓደ ዝባጽሐ ውሉድ ግና፡ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ብኸመይ እፈልጥ፧ ፈቃር እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እከይ ኪህሉ ፈቒዱ፧ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ኪብሃል ዚከኣልከ ብኸመይ እዩ፧’ ምስ ዚብል ሕቶታት ይቃለስ ይኸውን።—መዝሙር 90:2።
እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኪሓትት ከሎ፡ ኣብ እምነቱ ኸም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ዚምለስ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ንቕድሚት ገጹ ይግስግስ ይህሉ ይኸውን። ከመይሲ፡ ሕቶታት ምሕታት፡ ኣገዳሲ መዳይ መንፈሳዊ ዕቤት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3።
ብዘይካዚ፡ እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ‘ንኣእምሮኡ’ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ እዩ ዚመሃር ዘሎ። (ሮሜ 12:1, 2) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ቘልዓ ዀይኑ ኺርድኦ ዘይክእል ዝነበረ ‘ግፍሕን ንውሓትን ዕምቈትን ቍመትን’ ክርስትያናዊ እምነት ኪርድኦ ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 3:18) ስለዚ እምበኣር፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ድልዱል እምነት ምእንቲ ኼጥሪ፡ ብዛዕባ እቲ ዚኣምነሉ ነገራት ንኺስሓብ ክትሕግዞ እትኽእለሉ እዋን ሕጂ እዩ።—ምሳሌ 14:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11።
ነዚ ፈትኖ፦ ምስቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ኣቕሊልኩም እትርእይዎ ዝነበርኩም መሰረታዊ ትምህርትታት ተመያየጡ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ከም ዚሓስበሉ ግበር፦ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባይ ከም ዚግደስ እንታይ መርትዖ ኣሎኒ፧ ንሕግታት ኣምላኽ ምሕላው ንዘለኣለማዊ ረብሓይ ኰይኑ ዚስምዓኒ ስለምንታይ እዩ፧’ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኣገዲድካ ኸተእምኖ ኣይትፈትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ንኼማዕብል ሓግዞ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ውሉድካ ብቐሊሉ ድልድልቲ እምነት ኬጥሪ ይኽእል እዩ።
‘ኣረድኣዮ’
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ‘ቍልዕነቱ’ ኣትሒዙ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዚፈልጦ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይ ይገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ኢሉ መዓዶ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ፡ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግና፡ ናቱ እምነት ምእንቲ ኼጥሪ፡ ከተረድኦ ኣሎካ።
እታ፡ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “እቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ምሳኻ ኽሳዕ ዘሎ፡ ምስቲ ንስኻ እትገብሮ መንፈሳዊ ልምድታት ተሰማሚዑ ኺነብር ከም ዘለዎ ናይ ምእዛዝ መሰል ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ሸቶኻ፡ ኣብ ልቢ ውሉድካ ፍቕሪ ኣምላኽ ክትተክል ደኣ እዩ እምበር፡ ነቲ ልምድታትካ ብሃውሪ ንኺስዕቦ ኣይኰነን።” ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ‘ኣብ እምነቱ ንኺጸንዕ’ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ እምነት ናትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናቱ እውን ኪኸውን ይኽእል።c—1 ጴጥሮስ 5:9።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ ጠቒስናዮ ኣሎና። እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።
c ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ናይ 1 ግንቦት 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-12 ኸምኡውን ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 315-318 ርአ።
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦
▪ ውሉደይ ንእምነተይ ኣብ ሕቶ ኼእትዎ ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧
▪ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ ዝህቦ ምላሽ ንምምሕያሽ ክጥቀመሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]
የገድድዎም ድዮም፧
ጌጋ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ፡ ንሃይማኖቶም ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ንደቆም የገድድዎም እዮም።
ቅኑዕ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ፡ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚእዝዞ፡ ኣብ ልቢ ደቆም ፍቕሪ ኣምላኽ ኬስርጹ ይጽዕሩ እዮም። (ኤፌሶን 6:4) ይኹን እምበር፡ እቲ ውሉዶም ምስ ባጽሐ፡ ንኣምልኾ ብዚምልከት ናቱ ምርጫ ኺገብር ከም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም።—ሮሜ 14:12፣ ገላትያ 6:5።
[ኣብ ገጽ 20 ሳጹን/ስእልታት]
ዕጉስ ኩን!
ምስ ዝባጽሐ ውሉድካ ምዝርራብ፡ ብዙሕ ትዕግስቲ ይሓትት እዩ። ከምኡ ብምግባርካ እትረኽቦ ዓስቢ ግና፡ ረብሓ ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ እቲ ውሉድካ ብዝያዳ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ኺዛረበካ ኺጅምር እዩ። ሓንቲ ጐርዞ ኸምዚ በለት፦ “ሓደ ምሸት ምስ ባባ ኸነዕልል ከለና፡ ብምስጢር ኣባል እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኸም ዝዀንኩን ዓርኪ ኸም ዘሎንን ካብ ቤት ክወጽእ ከም ዝሓሰብኩን ነገርክዎ። ክሳዕ ሓሳበይ ዝውድእ ከኣ፡ ብህድኣት ተጸበየኒ። ጓሉ ንሓደ ወዲ ኸም ዝሰዓመቶን ብቐጻሊ መልእኽቲ ኸም እትልእከሉን እናነገረቶ ኽነሳ፡ ብቝጥዓ ዘይዛረባ ኣቦ ዘሎ ኣይመስለንን እዩ። ንባባ ዝዀነ ይኹን ነገር ክነግሮ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ብሓቂ ኺሕግዘኒ ኸም ዚደሊ እፈልጥ እየ።”
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ኣማኻሪ ዘለዎ ጥቕሚ
ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ስድራ ቤት ወጻኢ ዘሎ በጽሒ ንሓደ መንእሰይ ኬተባብዖን ኪሕግዞን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታኡ ነቲ ዝባጽሐ ውሉድካ ኺጸልዎ ዚኽእል ሰብ ትፈልጥዶ፧ ንምንታይ ምስ ወድኻ ወይ ምስ ጓልካ ግዜ ኸም ዜሕልፍ ዘይትገብር፧ ዕላማኻ፡ ሓላፍነትካ ንኻልእ ሰብ ንምሃብ ኣይኰነን። ብዛዕባ ጢሞቴዎስ እሞ ሕሰብ። ካብ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺቡ እዩ፣ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ተጠቒሙ እዩ።—ፊልጲ 2:20, 22።d
[እግረ-ጽሑፍ]
d ካብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ናይ 2011 ሕታም፡ ካብ ገጽ 318 እተወስደ።