ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 18
  • የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • “እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!”
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 18

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ

ዘጸኣት 34:6, 7

ንባህርያትን መገድታትን ኣምላኽ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ንኣምላኽ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጸልካ ኽትሓቶን፡ ንባህርያቱ ኺነግረካ ኸሎ ኽትሰምዖን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነብዪ ሙሴ ኸምዚ እዩ ኣጋጢምዎ። እቲ ዜሐጕስ ድማ ነቲ ዘጋጠሞ ነገራት ኪጽሕፍ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደረኸ።

ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸሎ፡ ንየሆዋ፡ “በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ” ኢሉ ለመኖ። (ዘጸኣት 33:18) ንጽባሒቱ፡ እቲ ነብዪ ንእተወሰነ ኽፋል ክብሪ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ረኸበ።a ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ዜደንቕ ራእይ ብዝርዝር ኣይገለጸን። የግዳስ፡ ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ኽፋል እቲ ራእይ እዩ ጽሒፉ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣምላኽ እተዛረቦ እዩ። ነቲ ኣብ ዘጸኣት 34:6, 7 ዚርከብ የሆዋ እተዛረቦ እስከ ንመርምሮ።

የሆዋ ፈለማ ብዛዕባ ርእሱ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ” ኢሉ ተዛረበ። (ቍጽሪ 6) ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ፡ እታ “መሓሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንኣምላኽ “ልክዕ ከምታ ሓደ ኣቦ ንደቁ ዘርእያ ዓይነት ርሕራሐ” ኸም ዘላቶ ገይራ እያ እትገልጾ። እታ “ጸጋዊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ከኣ፡ “ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ዜድልዮ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ንኺህቦ ኢሉ ዚገብሮ ልባዊ ምላሽ” ዚብል ትርጕም ምስ ዘለዋ ግሲ እተተሓሓዘት እያ። ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ንደቆም ብፍቕርን ብዓሚቝ ሓልዮትን ዚግደሱሎም ወለዲ፡ ንኣምለኽቱ ዜድልዮም ዘበለ ብምምላእ ከም ዚግደሰሎም ክንፈልጥ ይደልየና እዩ።—መዝሙር 103:8, 13።

የሆዋ ቐጺሉ፡ “ንዅራ ደንጓይ” ከም ዝዀነ ገለጸ። (ቊጽሪ 6) ነቶም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ብቐሊሉ ናይ ምቝጣዕ ዝንባለ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ይዕገሶም፣ ነቲ ሓጥእ መገዶም ንኼዐርዩ ግዜ ብምሃብ ድማ ንጕድለታቶም ይጾሮ።—2 ጴጥሮስ 3:9።

ኣምላኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ተዛረበ። (ቍጽሪ 6) ለውሃት ወይ ሳህሊ ኣዝያ ኽብርቲ ባህርይ እያ፣ በዛ ባህርይ እዚኣ ኣቢሉ ድማ የሆዋ ምስ ህዝቡ ድልዱልን ነባርን ርክብ ይምስርት። (ዘዳግም 7:9) ብዘይካዚ፡ ምንጪ ሓቂ እውን እዩ። ኬታልልን ኪታለልን ኣይክእልን እዩ። “ኣምላኽ ሓቂ” ስለ ዝዀነ፡ ንዚብሎ ዘበለ ዅሉ፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 31:5።

የሆዋ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦ ዚደልየና ኻልእ ኣገዳሲ ሓቂ፡ “ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ምዃኑ እዩ። (ቍጽሪ 7) ነቶም ዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ብዚምልከት “ንይቕሬታ ድልው” እዩ። (መዝሙር 86:5) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ንእከይ ዕሽሽ ኢሉ ኣይርእዮን እዩ። “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 7) እቲ ቕዱስን ፍትሓውን ዝዀነ ኣምላኽ ነቶም ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ከይቀጽዐ ኣይሓድጎምን እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሳዕቤን ሓጢኣቶም ኪዓጽዱ እዮም።

የሆዋ ብዛዕባ ባህርያቱ ምግላጹ፡ ንዕኡን ንባህርያቱን ንመገድታቱን ክንፈልጦ ኸም ዚደልየና ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ኽትመሃር ኣይትድረኽንዶ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሰብ ንኣምላኽ ርእይዎ ብህይወት ኪነብር ስለ ዘይክእል፡ ሙሴ ንየሆዋ ብቐጥታ ኣይረኣዮን። (ዘጸኣት 33:20) ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብዛዕባ ኽብሩ ዚገልጽ ራእይ ኣርእይዎ እዩ፣ ብመልኣኽ ኣቢሉ ድማ ተዛረቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ