ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 33-34
ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ
ሙሴ ንባህርያት የሆዋ ምርዳኡ፡ ንእስራኤላውያን ብትዕግስቲ ኺሕዞም ሓጊዝዎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ንባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ምስ እንርድኦ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብምሕረት ዓይኒ ኽንርእዮም ንኽእል ኢና።
- “መሓርን ርሕሩሕን”፦ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ንደቆም ብፍቕርን ብልባዊ ሓልዮትን ዚግደሱሎም ወለዲ፡ ንኣምለኽቱ ይሓልየሎም እዩ 
- “ንቝጥዓ ደንጓዪ”፦ የሆዋ ኣገልገልቱ ኺጋገዩ ኸለዉ፡ ይዕገሶምን ኪቕየሩ ግዜ ይህቦምን ነይሩ 
- “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ”፦ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮም፡ ምስ ህዝቡ ዘየቋርጽ ድልዱል ርክብ እዩ ዘለዎ 
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንምሕረትን ንርሕራሐን የሆዋ ብኸመይ ክቐድሐን እኽእል፧’