ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 4
  • ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ዘይተቋርጽ ፍቕሪ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 4

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 33-34

ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ

34:5-7

ሙሴ ንባህርያት የሆዋ ምርዳኡ፡ ንእስራኤላውያን ብትዕግስቲ ኺሕዞም ሓጊዝዎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ንባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ምስ እንርድኦ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብምሕረት ዓይኒ ኽንርእዮም ንኽእል ኢና።

  • “መሓርን ርሕሩሕን”፦ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ንደቆም ብፍቕርን ብልባዊ ሓልዮትን ዚግደሱሎም ወለዲ፡ ንኣምለኽቱ ይሓልየሎም እዩ

  • “ንቝጥዓ ደንጓዪ”፦ የሆዋ ኣገልገልቱ ኺጋገዩ ኸለዉ፡ ይዕገሶምን ኪቕየሩ ግዜ ይህቦምን ነይሩ

  • “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ”፦ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮም፡ ምስ ህዝቡ ዘየቋርጽ ድልዱል ርክብ እዩ ዘለዎ

ስእልታት፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባህርያት የሆዋ ይቐድሑ። 1. ክልተ ሽማግለታት ንኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ቤቶም ይበጽሕዎም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መተባብዒ ድማ ይህብዎም። 2. ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ እትበኪ ዘላ ሓብቲ ተጸናንዓ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንምሕረትን ንርሕራሐን የሆዋ ብኸመይ ክቐድሐን እኽእል፧’

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ