ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 19-21
  • ካብ እኩያት መናፍስቲ ተሓሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ እኩያት መናፍስቲ ተሓሎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እኩያት መናፍስቲ ጕድኣት ኬምጽኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
  • ነቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ልምድታት ኣለልዮ
  • እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 19-21

ካብ እኩያት መናፍስቲ ተሓሎ

ጄምስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ደሴታት ሰሎሞን ዝዀነት ማላይታ እትበሃል ደሴት ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ እዩ ዓብዩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ንመናፍስቲ ኬኽብር ከም ዘለዎ ይንገሮ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዞም መናፍስቲ ንኻልኦት ሰባት ኪጐድእዎም ለሚነ ኣይፈልጥን እየ። ብዘይ ዕቚባ ራራፎኖ [መናፍስቲ ኺሕግዙኻ ንምጽዋዕ ዚግበር ልምዳዊ ተግባር] ግን ሕጉስ ህይወት ክትነብር ዚከኣል ኣይመስለንን እዩ ነይሩ” በለ።

ከምቲ ኣብ ካልእ ኽፋል ዓለም ዚነብሩ ሰባት ዚኣምንዎ፡ ነበርቲ ደሴታት ሰሎሞን እውን እንተ ዀኑ፡ መናፍስቲ ኺሕግዙኻ ወይ ኪጐድኡኻ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። ነበርቲ ማላይታ እሞ ኸኣ ነቶም ገበርቲ ሰናይ ኢሎም ዚሓስብዎም መናፍስቲ ብፍርሂ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ እዮም ዚርእይዎም።

ሰባት ነቲ መናፍስቲ ዚገብርዎ ነገራት ከም ዚኣምኑሉ ንምርኣይ፡ እተፈላለየ መገዲ ይጥቀሙ እዮም። ንኣብነት፡ ጄምስ ገና መንእሰይ ከሎ፡ ኣብቲ ዓዲ ዚነብራ ኣንስቲ ንድምጺ እታ ኮሮኮሮ እትበሃል ዑፍ ኪሰምዓ ኸለዋ፡ ንደቀን ብሃወኽ ናብ ገዛ የእትዋኦም ነበራ። ስለምንታይ፧ እታ ዑፍ ክትድሀ ኸላ፡ ሓደ ሰብ ከም ዚጕዳእ ስለ ዚኣምና እየን።

ገሊኦም ነበርቲ እቲ ዓዲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤቶም ፍሉይ ጻዕዳ እምኒ የቐምጡ እዮም። ጄምስ እውን እዚ እምኒ እዚ ኻብ ጐዳእቲ መናፍስቲ ኸም ዜዕቊቦ ብምእማን ከምኡ ገበረ። ኣብ ስራሕ ድማ ነቲ ተረፍ መረፍ ምስሑ ኣብ ቦርሳኡ ይእክቦ ነበረ፡ ጸኒሑ ድማ ይድርብዮ። ከምዚ ዚገብረሉ ዝነበረ ቐንዲ ምኽንያት፡ ጠንቋሊ ነቲ ተረፍ መረፍ ረኺቡ ኸይደግመሉ እሞ ኸይሓምም ፈሪሁ እዩ።

ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ኸምዚ ምግባር ዘይተለምደ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ እኩያት መናፍስቲ ዕቝባ ንምርካብ ኢልካ ግን ልክዕ ከም ጄምስ ባህላዊ ልማዳት ክትስዕብ ዘሎካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልማዳት ምስዓብ፡ ንድሕንነትካ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ትኣምን ትኸውን።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ትርእዮ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንዚህቦ መልሲ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን፦ (1) እኩያት መናፍስቲ እንታይ ጕድኣት ኬምጽኡልካ ይኽእሉ፧ (2) ንገሊኡ ባህላዊ ልማዳት ምስዓብካ፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣጋንንቲ ኸም እትኣቱ ይገብረካዶ ይኸውን፧ (3) ካብ እኩያት መናፍስቲ ናይ ሓቂ ዕቝባ ብምርካብ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እኩያት መናፍስቲ ጕድኣት ኬምጽኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ እኩያት መናፍስቲ፡ መናፍስቲ ምዉታት ኣይኰኑን። ቃል ኣምላኽ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። (መክብብ 9:5) ስለዚ እምበኣር፡ እኩያት መናፍስቲ ንደቂ ሰብ ንምስሓት ምስ ሰይጣን ዝሓበሩ ዓለወኛታት መላእኽቲ እዮም።—ራእይ 12:9።

ካብ እኩያት መናፍስቲ ዕቝባ ኸም ዜድልየና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “እቲ ቕልስና ምስ . . . መናፍስቲ [እከይ] ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈሎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ነቲ ገዛኢ ዅሎም እኩያት መናፍስቲ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ኤፌሶን 6:12፣ 1 ጴጥሮስ 5:8።

ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጕድኣት ዜምጽኣሉ ቐንዲ መገዲ፡ ንኣምላኽ ዜጕሂ ነገራት ኪገብሩ ብምትላል ወይ ብምፍታን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 11:14) ዕላማኡ እኩይ ክነሱ፡ ዜዕቍብ መንፈስ መሲሉ ይቐርብ። ሰባት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኣምላኽን እቲ ሓቂ ንኸይፈልጡ ንሓሳባቶም የዐውር። (2 ቈረንቶስ 4:4) ንሰባት ዜስሕተሉ ቐንዲ ሸቶ እንታይ እዩ፧

ሰይጣን ኪምለኽ ካብ ዘለዎ ኽቱር ባህጊ እተላዕለ፡ ሰባት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኬምልኽዎ ይደሊ እዩ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ እኳ፡ ‘ፍግም ኢልካ ስገደለይ’ ኢልዎ እዩ። የሱስ ግን፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ . . . ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 4:9, 10) ንሰይጣን ምስ ምምላኽ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ምግባር ኣበየ።

የሆዋ ኻብ ኵሎም መናፍስቲ ዝሓየለ እዩ፣ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝዀነ ይኹን ነባሪ ጕድኣት ኪወርዶም ከኣ ኣይፈቅድን እዩ። (መዝሙር 83:18፣ ሮሜ 16:20) ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ደሊና ግን፡ ንሰይጣን ወይ ንኣጋንንቱ ምስ ምምላኽ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር የብልናን። ስለዚ፡ ነቲ ንእኩያት መናፍስቲ ዜኽብር ምስ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ልምዳዊ ተግባራት ከነለልዮ ኣሎና። ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

ነቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ልምድታት ኣለልዮ

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንልምዳዊ ተግባራት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከይቀድሕዎ ኣጠንቀቖም። “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ . . . ኣባኻ ኣይረኸብ” ድማ በሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝገበሩ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ይብል።—ዘዳግም 18:10-12።

ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚዝውተር ልምድታት ክትሓስብ ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእትዎ፦ እቲ ልምዲ ኣብ ፋል ንኽትኣምን ዜተባብዕ ድዩ፧ ህይወት ዘይብሉ ነገራት ኬዕቍብ ከም ዚኽእል ዚገልጽ ማሪታዊ እምነት ኣለዎ ድዩ፧ ምስ ስራይ ወይ ካብኡ ንኽትዕቈብ ምስ ዚግበር ተግባር እተተሓሓዘ ድዩ፧ ንየሆዋ ወይ ነቲ ወኪሉ ኪኸውን ዝሸሞ የሱስ ዘይኰነስ፡ ብገለ መገዲ ንኻልእ መንፈስ ከም እትግዛእ ዚገብር ድዩ፧—ሮሜ 14:11፣ ፊልጲ 2:9, 10።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዜተባብዕ ዝዀነ ይኹን ልምድታት ክትነጽጎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ንኣምላኽን ንኻልኦት መናፍስትን ኬሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት ንየሆዋ ‘የቕንእዎ’ ምዃኖም ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 10:20-22) የሆዋ ኣምላኽ ንዕኡ ጥራይ ኣምልኾ ኺወሃቦ እዩ ዚደሊ፡ ይግብኦ ኸኣ እዩ።—ዘጸኣት 20:4, 5።

‘እቲ ልምዲ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ባዕሉ ዝገበሮ ተግባራት ብሓላፍነት ኣይሕተተሉን እዩ ዚብል ሓሳብ የተባብዕ ድዩ፧’ ንዚብል ሕቶ እውን ሕሰበሉ። ንኣብነት፡ ዝሙትን ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ኣብ ሓያሎ ማሕበረሰባት ቅቡል ኣይኰነን፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ እውን እተዀነነ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ባህልታት ፓሲፊክ፡ ሓንቲ ጓል “ሓምላይ ቈጽሊ ኸም እተገብረላ፡”a ማለት ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ድጋም ከም እተደግመላ እንተ ገሊጻ፡ ከም ቅቡል ጌርካ ኪቝጸር ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ብተግባራትና ተሓተትቲ ምዃንና እዩ ዚምህር። (ሮሜ 14:12፣ ገላትያ 6:7) ንኣብነት፡ እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን፡ “ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ” ኢላ ብምዝራብ፡ ሰይጣን ንኣምላኽ ከይትእዘዝ ከም ዘታለላ ገለጸት። ይኹን እምበር፡ ሄዋን ብተግባራታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲት እያ ነይራ። (ዘፍጥረት 3:13, 16, 19) ንሕና እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብተግባራትና ተሓተትቲ ኢና።—እብራውያን 4:13።

እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧

ንኣምላኽ ከተሐጕሶን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነብርን እንተ ደሊኻ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ሰናይ ኣብነት ገዲፎምልና እዮም። ካብ ጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ንኺርሕቁ፡ ንዅሉ እቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ መጻሕፍቶም ኣኪቦም “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 19:19።

እቶም ሰባት ነቲ መጻሕፍቲ ቐቅድሚ ምንዳዶም፡ “ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹ።” (ግብሪ ሃዋርያት 19:18) እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሃቦ ትምህርቲ ልቦም ስለ ዝተንከፎም፡ ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ መጻሕፍቶም ኣንደድዎ። ብዛዕባ እቲ ልምዳዊ ተግባራት ንዝነበሮም ስምዒት እውን ቀይሮም እዮም።

ልምዳዊ ተግባራት ክትሓድግ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጄምስ እውን ኣጸጊምዎ ነይሩ እዩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ፡ ነቲ ትምህርቲ ድማ ፈተዎ። ይኹን እምበር፡ ራራፎኖ ምግባሩ ቐጸለ። ምስዚ ተግባራት እዚ እተተሓሓዘ ዘለዎ ስምዒት ኪምርምር ከሎ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዝኣተዎ መብጽዓ ይኣምነሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ጕድኣት ንኺዕቈብ ግን ኣብ ልምዳዊ ተግባራት ኪውከል ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ።

ጄምስ ኣረኣእያኡ ንኪቕይር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ “የሆዋ ዕቝባኡ ንኺህበንን ኣብኡ ኽውከል ንኺሕግዘንን ጸለኹ። ነቲ ልምዳዊ ተግባራት ድማ ሓደግክዎ” በለ። ገለ ጕድኣት ኣጋጢምዎዶ፧ ጄምስ፡ “ኣየጋጠመንን። ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ጥራይ እየ ተማሂረ። የሆዋ ኸም ሓደ ዓርኪ ኽሳዕ ክንደይ ተቐራቢ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርእየዮ እየ” በለ። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት እኳ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ብምዃን ንሰባት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሮም ጸኒሑ እዩ።

ንምንታይ ንኣብነት ጄምስ ዘይትስዕብ፧ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ልማዳት መርምሮ፣ ምስ “ፍቓድ ኣምላኽ” ዚሰማማዕ ወይ ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑ ንምውሳን ድማ ‘ንኣእምሮኻ’ ተጠቐመሉ። (ሮሜ 12:1, 2) ድሕሪኡ፡ ብትብዓት ካብ ማሪታዊ ተግባራት ርሓቕ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ኸም ‘ዚቕበለካን’ ከም ዜዕቍበካን እምንቶ ኺህልወካ ይኽእል። (2 ቈረንቶስ 6:16-18) ልክዕ ከም ጄምስ፡ ንሓቅነት እቲ “ስም [“የሆዋ፡” NW] ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ ኣብ ህይወትካ ኽትርእዮ ኢኻ።—ምሳሌ 18:10።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ መግለጺት እዚኣ፡ ንሓደ ፍሉይ ቈጽሊ ወይ ምግቢ ድጋም ብምድጋም ንዚግበር ልምዲ እትሕብር እያ። ድሕሪኡ፡ እዚ ቘጽሊ ወይ ምግቢ ንሓንቲ ጓል ይወሃባ። እዚ ኸኣ ነታ ጓል ኣብ ዓይኒ ወዲ ተባዕታይ ኸም እትኣቱ ይገብራ። እዚ ልምዲ እዚ፡ ንሓንቲ ጓል ከይፈለጠት ብመድሃኒት ኣዐንዚዝካ ብዘይ ድሌታ ጾታዊ ርክብ ከም እትፍጽም ምስ ምግባር ኣይራኸብን እዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እታ ጓል ንጽህቲ እያ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ኮሮኮሮ”

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Dr. Bakshi Jehangir

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ ጓል፡ ድጋም ምእንቲ ኸይግበረሉ ዝወደቐ ተረፍ መረፍ ምግቢ ትእክብ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ