ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/7 ገጽ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ይኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ደራሲ ቓሉ ኺርድኣና ይደሊ ድዩ፧
  • 3. ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • 1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/7 ገጽ 3

መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ይኽእልዶ፧

“ስድራ ቤትና ሰንበት ሰንበት መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነበረት። ኣነ ግን ብዙሕ ኣይፈትዎን እየ ነይረ። ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብቲ ዘንበብክዎ እቲ ዝበዝሕ ንምርዳኡ ዜጸግም እዩ ነይሩ።”—ስቲቨን፡ ብሪጣንያ።

“ወዲ 17 ዓመት ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ፈተንኩ። ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነኒ ግን ምንባብ ኣቋረጽኩ።”—ባልባናራ፡ ስጳኛ።

“ካቶሊክ ከም ምዃነይ መጠን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቦ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ሓንሳእ ኣንቢበዮ እየ። ንኽውድኦ ሰለስተ ዓመት ወሰደለይ። እንተዀነ ግን፡ ብዙሕ ኣይተረድኣንን።”—ጆኣን፡ ኣውስትራልያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ህቡብ ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሓት ሰባት ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ኸምኡውን ብብዙሕ ቋንቋታትን ብእተፈላለየ መልክዕን እተዳለወ ብምዃኑ ኻብ ካልኦት መጻሕፍቲ ንላዕሊ ብብዝሒ ዚሽየጥ መጽሓፍ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዀይንዎም እዩ። ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

እቲ ደራሲ ቓሉ ኺርድኣና ይደሊ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ደራሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እሞኸ ቓሉ ኺርድኣና ይደሊ ድዩ፡ ወይስ ከም ኣቕሽሽትን ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን ዝኣመሰሉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ከም ዚርድእዎ ገይሩ እዩ ጽሒፍዎ፧

ነዚ ዚስዕብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ጥቕስታት እስከ ርአ፦

“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባኻ ዝረሐቐን ኣይኰነን።”—ዘዳግም 30:11።

“ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።”—መዝሙር 119:130።

“በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፤ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ . . . ኤመስግነካ አሎኹ።”—ሉቃስ 10:21።

ብርግጽ፡ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃሉ ኺርድኣካ ይደሊ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ ነጥብታት ኪገልጻ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ