ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/7 ገጽ 4-5
  • 1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብመንፈስ ተመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/7 ገጽ 4-5

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእለሉ መገድታት

1. ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ሕተቶ

ኒንፋ እትብሃል ኣብ ኢጣልያ እትነብር ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “ቅድሚ ምድቃሰይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበሉ እዋን ነይሩ እዩ። ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ እየ ኸምዚ ዝገብር ነይረ፣ ምንባብ ዘይፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝጸሓፈ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ። ንብምሉኡ ኸንብቦ ኸኣ ሓሰብኩ። ኣብ ፈለማ ምንባቡ ቐሊል ኰይኑለይ ነበረ፡ ንምርዳኡ ኸቢድ ዝዀነ ጸብጻባት ምስ ረኸብኩ ግን ምንባብ ኣቋረጽክዎ።”

ንስኻኸ ምስ ናይ ኒንፋ ዚመሳሰል ተመክሮ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ የጋጥሞም እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንቓሉ ኽትርድኦ ይደልየካ እዩ። እሞኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምርዳእ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ነቲ ደራሲ ንኺሕግዘካ ምሕታት እዩ።

ሃዋርያት የሱስ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ራቢ ሃይማኖታዊ ስልጠና ስለ ዘይወሰዱ፡ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ጌርካ ይረኣዩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) የሱስ ግን ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋገጸሎም። ብኸመይ፧ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም . . . እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 14:26) ኣምላኽ ነዚ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ተጠቒሙ ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ነገራትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት 1:2) ብዘይካዚ፡ ኣርብዓ ዝዀኑ ጸሓፍቲ፡ ሓሳባቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼስፍሩ ብመንፈስ ቅዱሱ ደረኾም። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) እዚ መንፈስ እዚ፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኡ ዚደልዩ ሰባት እውን ይሕግዞም እዩ።

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ክትቅበል ትኽእል፧ ብእምነት ክትልምን ኣሎካ። አረ ብቐጻሊ ምልማን እውን ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ለምኑ ኺውሀበኩም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ኢሉ ተዛረበ። (ሉቃስ 11:9, 13) የሆዋ ነቶም ብቕንዕና ዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም እዩ። እዚ ንጡፍ ሓይሊ እዚ፡ ንትርጕም እቲ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓያል መልእኽቲ ኣብ ህይወትካ ተግባራዊ ኽትገብሮ ዚሕግዝ ጥበብ እውን ኪህበካ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12፣ ያእቆብ 1:5, 6።

ስለዚ፡ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ቃሉ ንኺርድኣካ ዚሕግዝ መንፈስ ቅዱስ ኪህበካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ