ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/11 ገጽ 3
  • ሓደ ጽውጽዋይ ካልእ ጽውጽዋይ ይወልድ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ ጽውጽዋይ ካልእ ጽውጽዋይ ይወልድ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተጣበቕቲ ክርስትና ድዮም ነይሮም ወይስ ተፈላሰፍቲ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጽውጽዋይ 2፦ እኩያት ኣብ ሲኦል ይሳቐዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ፍልስፍና ግሪኽ ንኽርስትና ኣማዕቢልዎዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርቲ ምርካብ
    ንቕሑ!—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/11 ገጽ 3

ሓደ ጽውጽዋይ ካልእ ጽውጽዋይ ይወልድ

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ተጠንቀቑ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ስለምንታይ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብልማድ ሰብ፡ . . . ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” በለ።—ቈሎሴ 2:8።

ጳውሎስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ እኳ እንተ ሃበ፡ ካብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንእምነቶም ንምግላጽ ካብ ጥንታዊ ፈላስፋታት እተለቅሕዎ ኣምር ኪጥቀሙ ጀመሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ በቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ምሁራት ተቐባልነት ኪረኽቡን ብዙሓት ምእመናን ኪረኽቡን ደለዩ።

ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ውሩያት ክርስትያናት ዝዀነ ጀስቲን ማርቲር፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነዊሕ ይገብር ኣፈኛ ኣምላኽ ንፈላስፋታት ግሪኽ ከም እተገልጸሎም ይኣምን ነበረ። ብመሰረት ጀስቲንን ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መምህራንን፡ ሳላ እቲ ፍልስፍናን ጽውጽዋያትን ንክርስትና ዝገበረሉ ኣበርክቶ፡ እዚ ዓይነት ሃይማኖት እዚ ንዅሎም ሰባት ኪኸውን ክኢሉ እዩ።

ጀስቲን ማርቲር ዝሰዓቦ ዓይነት ክርስትና፡ ብዙሓት ምእመናን ኣፍረየ። ይኹን እምበር፡ እቲ እምነት እተቐበሎ ገሊኡ ጽውጽዋይ ግን ካልእ ጽውጽዋያት እናወለደ ብምኻዱ፡ ሕጂ ብብዙሓት ሰባት፡ ሰረተ-እምነት ክርስትና ተባሂሉ ዚእመነሉ ነገር ተፈጥረ። ነዚ ጽውጽዋይ እዚ ንምቅላዕ፡ ነቲ ስዒቡ ዘሎ መወከሲታት ዚብሎ ነገራት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ኣነጻጽሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ