ንመንእሰያትና
ገነት ብኸመይ ከም ዝጠፍአት
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።
ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 3:1-24 ኣንብብ።
እቲ ተመን ንሄዋን ኪዛረባ ኸሎ፡ ኣብ ፈለማ እንታይ እተሰምዓ ይመስለካ፧
․․․․․
ኣዳምን ሄዋንን ደይመደይ ኢሎም ከም ዝሓጥኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ ቍጽሪ 7-10 ዘሎ ምስ ኣጋጠመ እንታይ እተሰምዖም ይመስለካ፧
․․․․․
ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 22-24 ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ኪስጐጉ ኸለዉ ዝነበረ ዅነታት ብኸመይ ኣብ ኣእምሮኻ ምሰኣልካዮ፧
․․․․․
ዝያዳ ምርምር ግበር።
ኣዒንቲ ሄዋን ኣብ ውድቀታ ግደ ዝነበረን ብኸመይ እየን፧ (ቍጽሪ 6 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
እታ ፍረ ንሄዋን “ነዒንቲ . . . ጽብቕቲ” ዀይና እተራእየታ ስለምንታይ እያ፧ (ቍጽሪ 4ን 5ን ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
ኣዳም ንሄዋን ኣብ ሓጢኣታ ኺሓብራ ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 6 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
ሓጢኣት ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ብኣሉታዊ መገዲ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 16 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
እቲ ኣብ መንጎ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ርክብ ብሰንኪ ሓጢኣት ከም እተበላሸወ ግሁድ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 12 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
የሆዋ ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ቀልጢፉ ነቲ ጸገም ዚኸውን መፍትሒ ዘቕረበ ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 15 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ዘለዎ ሓደጋ።
․․․․․
ኣዒንቲ ግጉይ ባህጊ ኼለዓዕላ ዚኽእላሉ መገዲ።
․․․․․
በቲ ንሕና ዝገበርናዮ ጌጋታት ንኻልኦት ምውቃስ ከንቱ ምዃኑ።
․․․․․
ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ ኣየናይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
․․․․․