ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/12 ገጽ 5-7
  • ዓለምለኻዊ ጸገም ዓለምለኻዊ ፍታሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓለምለኻዊ ጸገም ዓለምለኻዊ ፍታሕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!
    እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/12 ገጽ 5-7

ዓለምለኻዊ ጸገም ዓለምለኻዊ ፍታሕ

መከራ ኣብ ፈቐዶኡ እዩ ዘሎ፡ ነቶም መከራ ዚወርዶም ዚርሕርሑ ሓያሎ ሰባት እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል፡ ንዝሓመሙን ንዝቘሰሉን ሰባት ንምሕጋዝ ሓያሎ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። መጥፋእቲ ሓዊ፡ ፖሊስ፡ ሓገግቲ ሕጊ ዀነ ኻልኦት ሰብ ሞያ ንሰባት ኣብ ግዜ መከራኦም ረድኤት ይገብሩሎም ወይ ከኣ መከራ ኸይበጽሖም ይከላኸሉሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ንሰባት ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዚሕግዞም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዜጋጥም መከራ ግን ዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ወይ ውድብ ኬርሕቖ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ዓለምለኻዊ ፍታሕ ኬምጽእ ይኽእል እዩ፡ ኬምጽእ ከኣ እዩ።

ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መረጋገጺ ይርከብ። (ራእይ 21:4) እዚ መብጽዓ እዚ ዘለዎ ስፍሓት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ናይ ምውጋድ ዕላማ ኸም ዘለዎ እዩ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ዚገልጽ። ነዚ መብጽዓ እዚ ኸኣ ንምድሪ ኻብ ውግእ፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ዘይፍትሓዊ ተግባራት፡ ከምኡውን ካብ እኩያት ሰባት ናጻ ብምግባር እዩ ኺፍጽሞ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምዚ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት

ኣምላኽ ንመብጽዓታቱ በቲ ኣብ መላእ ፍጥረት ካልኣይ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል፡ ማለት በቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። የሱስ ብዘይ ዋላ ሓደ ተጻራሪ ኣብ መላእ ምድሪ ንጉስ ኰይኑ ዚገዝኣሉ እዋን ይቐርብ ኣሎ። ደቂ ሰብ ብሰብኣውያን ነገስታት፡ ፕረዚደንትታት፡ ወይ ፖለቲከኛታት ዚግዝኡሉ እዋን ኬብቅዕ እዩ። ብሓደ ንጉስን ብሓንቲ መንግስትን ጥራይ ኪግዝኡ እዮም፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ እያ።

እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ። ነዊሕ እዋን ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ዳንኤል 2:44) ኵሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ ጽድቃዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓደ ኺሓብሩ እዮም።

የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ተዛረበ። ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት ጠቒስዋ ኣሎ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ፍቓድ ኣምላኽ እተተሓሓዘት ከም ዝዀነት የሱስ ገሊጹ ኣሎ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ መከራ ኻብ መላእ ምድሪ ኸም ዚውገድ ምግባር እዩ።

ጽድቃዊት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መንግስቲ ኼምጽኦ ዘይክእል በረኸት ከተምጽእ እያ። ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ የሆዋ ንወዱ በጃ ገይሩ ምሃቡ ትዝክሮ ትኸውን። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰባት ቀስ ብቐስ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ እዩ፧ የሆዋ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8።

ገሊኦም ሰባት፡ ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ስጕምቲ ዘይወሰደ፧ እንታይ እዩ ዚጽበ ዘሎ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። የሆዋ ንዅሉ መከራ ንምውጋድ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ፈጺሙ ኸም ዘየጋጥም ንምግባር ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ መከራ ኪቕጽል ፈቐደ፣ እዚ ኸኣ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሱ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ደቁ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረኽቡ እዩ። ፈቃራት ወለዲ፡ ውሉዶም ነባሪ ጥቕሚ ኸም ዚረክብ እንተ ፈሊጦም፡ ብመከራ ኺሓልፍ ይፈቕዱ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ፡ ሰባት ንእተወሰነ እዋን መከራ ኺወርዶም ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምኽንያታት እዚ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ሓጢኣት፡ ከምኡውን ነቲ የሆዋ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ዚምልከት ጕዳይ ዜጠቓልል እዩ። ሓደ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ንእተወሰነ እዋን ንዓለም ኪገዝእ ከም እተፈቕደሉ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።a

ኣብዚ ውሱን ገጻት፡ ነዚ ምኽንያታት ብሰፊሑ ኽንገልጾ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ተስፋን መተባብዕን ኪህበና ዚኽእል ክልተ ሓቅታት ግን ኣሎ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ኻብቲ ዘጋጠመና መከራ ንላዕሊ ኺባርኸና እዩ። ብዘይካዚ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 65:17) ነቲ ብሰንኪ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል እተፈቕደሉ እከይ ዜጋጥመና ስቓይን መከራን ምሉእ ብምሉእ ኬወግዶ እዩ።

ካልኣይ፡ ኣምላኽ ንመከራ ንምውጋድ ውሱን ግዜ መዲቡ ኣሎ። ነብዪ ኣንባቆም፡ የሆዋ ዓመጽን ባእስን ኪቕጽል ዝፈቐደ ኽሳዕ መዓስ ምዃኑ ኸም ዝሓተተ ትዝክር ትኸውን። የሆዋ ድማ፡ “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ . . . ኣይኪድንጕን ድማ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ኣንባቆም 2:3) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ብዛዕባ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ብሩህ መጻኢ ኸም ዘሎ ዚሕብር ጥቕስታት

ውግእ ኣይኪህሉን እዩ፦

“ንዑ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ፡ ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:8, 9።

እነፍቅሮም ሰባት ኪትንስኡ እዮም፦

“ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ።” —ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ምግቢ ኺህሉ እዩ፦

“ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን።” —መዝሙር 72:16።

ሕማም ኣይኪህሉን እዩ፦

“‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።” —ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990።

እኩያት ኪጠፍኡ እዮም፦

“ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”—ምሳሌ 2:22።

ፍትሒ ኺሰፍን እዩ፦

“እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም።”—ኢሳይያስ 32:1።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዜጋጥመና መከራ ኸተወግዶ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ