ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/12 ገጽ 8
  • እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ብሓቂዶ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን!
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/12 ገጽ 8

እቲ “ምዱብ ጊዜ” ቐሪቡ

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከም ነብዪ ኣንባቆም መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ኺርእዩ ይህንጠዩ ነበሩ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ከም እትገብር ምስ ፈለጡ፡ ንየሱስ፡ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [ብሓይሊ መንግስቲ ምህላውካን] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸረሉ እዋን ብልክዕ ዚፈልጦ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ገለጸሎም። (ማቴዎስ 24:36፣ ማርቆስ 13:32) ይኹን እምበር፡ የሱስን ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ እዋን ከም ዝቐረበ ብዛዕባ ዚሕብር ምልክታት ተነብዮም እዮም።—ብየማን ዘሎ ሳጹን ርአ።

እዚ ነገራት እዚ ሎሚ ልሙድ ምዃኑ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ የሱስ ኣብ መላእ ምድሪ ብዛዕባ ዚግበር ትምህርታዊ ዕዮ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ድማ በለ።—ማቴዎስ 24:14።

እዚ ወንጌል መንግስቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ይስበኽ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ እዮም ዚሰብክዎ ዘለዉ። ኣብ 236 ሃገራት ዚነብሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት ንኻልኦት ይነግርዎም፡ ምስ ጽድቃዊ ብቕዓታት እቲ ንመከራን ስቓይን ዜወግድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸኣ ይሕግዝዎም ኣለዉ። ስለዚ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምሃርካ እንተ ቐጺልካ፡ ኣብታ መከራ ዘይብላ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ጥቕስታት

ማቴዎስ 24:6, 7፣ ራእይ 6:4

• ተራእዩ ዘይፈልጥ ውግእ

ማቴዎስ 24:7፣ ማርቆስ 13:8

• ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ

• ጥሜት

ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:8

• ፌራ

ማቴዎስ 24:12

• ዓመጻ

• ምዝሓል ፍቕሪ

ራእይ 11:18

• ምብልሻው ምድሪ

2 ጢሞቴዎስ 3:2

• ፈተውቲ ገንዘብ

• ንወለዶም ዘይእዘዙ

• ፈተውቲ ርእሶም

2 ጢሞቴዎስ 3:3

• ፍቕሪ ንስድራ ቤት ዘይብሎም

• ተቐየምቲ

• ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ

• ሰናይ ዘይፈትዉ

2 ጢሞቴዎስ 3:4

• ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ

2 ጢሞቴዎስ 3:5

• ሓያሎ ብግብዝና ክርስትያናት ኢና ኺብሉ ምዃኖም

ማቴዎስ 24:5, 11፣ ማርቆስ 13:6

• ምትንሳእ ብዙሓት ነብያት ሓሶት

ማቴዎስ 24:9፣ ሉቃስ 21:12

• መስጐጕቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት

ማቴዎስ 24:39

• ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጠንቀቕታ ዘየቕልቡሉ ምዃኖም

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ