ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/2 ገጽ 8-10
  • “ቤተን ዚአልያ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ቤተን ዚአልያ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማርያም ‘ጽቡቕ ግደ’ ሓርያ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “አሚነ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • “ኣሚነ ኣለኹ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ከየስገልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/2 ገጽ 8-10

ናብራ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት

“ቤተን ዚአልያ”

“ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ኸኣ፤ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሐዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፤ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።”—ሉቃስ 10:38-42።

ማርታ ህርኩትቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ካልኦት ኣኽቢሮም ይርእይዋ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንሰበይቲ በቲ ኣብ ቤታ እትዓዮ ዕዮን ንስድራ ቤታ እትህቦ ኣገልግሎትን እዮም ዚልክዕዋ ነይሮም።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ክርስትያን ኣንስቲ እውን፡ “ቤተን ዚአልያ” ኪዀና መተባብዒ ተዋሂብወን እዩ። (ቲቶስ 2:5) ኣብ ርእሲ እዚ ግን፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት ናይ ምምሃር ሓላፍነት ነይርወን እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:18) ገለ ኻብቲ ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እትነብር ኣይሁዳዊት ሰበይቲ “ብብዙሕ ምግልጋል” እትጽዕረሉ ዕዮታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ማርያም እተዛረቦ ቓላትከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

“ብዙሕ ምግልጋል”፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እትነብር ኣይሁዳዊት ሰበይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ ኣንጊሃ እያ እትትንስእ ነይራ። (ምሳሌ 31:15) ንስድራ ቤታ ቕልል ዝበለ ገዓት ድሕሪ ምግዓታ፡ ንኣወዳታ ናብቲ ኣብ ቤት ጸሎት ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ተብጽሖም። ኣዋልዳ ግን ወሓላሉ ኣንስቲ ምእንቲ ኪዀና፡ ኣብ ቤት እየን ዚጸንሓ።

ኣደን ኣዋልዳን ብሓባር ኰይነን፡ መሰረታዊ ዕዮ ቤት ኪዓያ ይጅምራ። ንቐንዴል ዘይቲ ይመልኣ (1)፡ ምድሪ ቤት ይዅስትራ (2)፡ ጤል ድማ ይሓልባ (3)። ቀጺለን፡ ነታ መዓልቲ ዜድሊ እንጌራ የዳልዋ። እተን ኣዋልድ፡ ፈለማ እኽሊ ይሓሕያ (4)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብመጥሓን ይጥሕናኦ (5)። እታ ኣደ ድማ ነቲ ሓርጭ ወሲዳ ማይን ማይ ብሑቝን ገይራ ትለውሶ (6)። ሓፍ ክሳዕ ዚብል ከኣ፡ ካልእ ዕዮ ቤታ ትዓዪ። እተን ኣዋልድ እውን ካብቲ ጸባ ኣጅቦ የውጽኣ፡ ወይ ነቲ ጸባ ሓቚነን ልኻይ የውጽኣ (7)።

ምስ ረፈደ፡ እታ ኣደን ኣዋልዳን ናብ ዕዳጋ ይኸዳ ይዀና። እታ ኣደ ድማ፡ ካብቲ ሽታ ቐመማትን ደሃይ እንስሳታትን ያዕያዕታ ዚቀጣቐጡ ዓደግትን ዘለዎ ዕዳጋ፡ ነታ መዓልቲ ዜድልያ ነገራት ትዕድግ (8)። ምናልባት ኣሕምልትን ደረቕ ዓሳን ትዕድግ ትኸውን። ክርስትያን እንተ ዀይና ኸኣ፡ በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፡ ነቶም ኣብ ዕዳጋ እትረኽቦም ሰባት ብዛዕባ እምነታ ትዛረቦም ትኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 17:17።

ሓንቲ ለባም ኣደ ነቲ ናብ ዕዳጋ ኽትከይድን ካብኡ ኽትምለስን ከላ እተሕልፎ ግዜ፡ ንደቃ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንምምሃር እያ እትጥቀመሉ። (ዘዳግም 6:6, 7) ኣዋልዳ ኺዓዳድጋ ኸለዋ መካወንቲ ምእንቲ ኪዀና እውን ትምህረን ትኸውን።—ምሳሌ 31:14, 18።

ኣንስቲ መዓልታዊ ዚዓያኦ ኻልእ ዕዮ ኸኣ፡ ካብ ዔላ ማይ ምውራድ እዩ ነይሩ (9)። ሓድሓደ ግዜ፡ ማይ ኪወርዳ ኸለዋ፡ ማይ ምስ ዚወርዳ ኻልኦት ኣንስቲ የዕልላ እየን። እታ ኣደን ኣዋልዳን ናብ ቤተን ምስ ተመልሳ፡ እንጌራ ኺስንክታ ይጅምራ። ፈለማ፡ ነቲ ብሑቝ ኣርቂቐን ይጥፍጥፋኦ፣ ድሕሪኡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዳም ኣብ ዚርከብ ዝረሰነ እቶን ይስንክታኦ (10)። ነቲ ባህ ዜብል ሽታ እናኣሽተታን እናኣዕለላን፡ እቲ እንጌራ ተሰንኪቱ ኽሳዕ ዚወጽእ ይከታተላኦ።

ቀጺለን፡ ክዳውንቲ ንምሕጻብ ናብቲ ኣብ ጥቓአን ዚርከብ ርባ ይኸዳ (11)። ፈለማ፡ እተን ኣንስቲ ነቲ ኽዳውንቲ ኻብ ሓሙዅሽቲ ገሊኡ ዓይነት ኣትክልቲ ብእተሰርሐ ሳሙና ገይረን ተጠንቂቐን የጽርያኦ። ብማይ ለቕሊቐን ድሕሪ ምጽማቝ ከኣ፡ ኣብ ቍጥቋጥን ኣኻውሕን ይሰጥሓኦ።

እታ ኣደን ኣዋልዳን ነቲ እተሓጽበ ኽዳውንቲ ናብ ቤት ሒዘን ምስ ተመልሳ፡ ነቲ ኽዳውንቲ ናብ ከብሒ ቕድሚ ምእታወን፡ ናብ ናሕሲ ደይበን እተቐደ ዘበለ ይሰፍያ (12)። ድሕሪኡ፡ እተን ኣዋልድ ቍኖን ማእለማን ይመሃራ (13)። ነዊሕ ከይጸንሓ፡ ድራር ኬዳልዋ ይጅምራ (14)። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል ልምዲ ስለ ዝነበረ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ነቲ እንጌራን ኣሕምልትን ኣጅቦን ዝደረቐ ዓሳን ዝሑል ማይን ዜጠቓልል ድራር፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ጋሻ ተኻፊላ እያ እትበልዖ።

ምስ መሰየ፡ ውሉዳት ኪድቅሱ ኺቀራረቡ ኸለዉ፡ ካባታቶም ብርኩ እተላሕጸጸ እንተ ኣልዩ፡ ዘይቲ ይልከ። ድሕሪኡ፡ እቶም ወለዲ በታ ጭልምልም እትብል መብራህቲ እናተጠቕሙ፡ ንደቆም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ዛንታ የዘንትዉሎም፡ ምሳታቶም ሓቢሮም ከኣ ይጽልዩ። ነታ ንእሽቶ ቤት ጸጥታ ምስ ወረሳ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ ነተን፡ “ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፧ ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቚ ኣዝዩ ይኸብር” ዚብላ ፍሉጣት ቃላት ይጠቕሰላ ይኸውን።—ምሳሌ 31:10።

“ጽቡቕ ግደ” ምሕራይ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብራ ዝነበራ ለባማት ኣንስቲ፡ “ብብዙሕ ምግልጋል” ትሑዛት ኪዀና ይኽእላ ኸም ዝነበራ ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃስ 10:40) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ፡ ምናዳ ኸኣ ኣዴታት፡ ብስራሕ ትሑዛት እየን። ዘመናዊ ምህዞታት ንገሊኡ ዕዮ ገዛ ኣቃሊልዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ኣዴታት ንስድራ ቤተን ንምእላይ ኣብ ልዕሊ ዚዓያኦ ዕዮ፡ ካብ ቤተን ወጺአን ንኺሰርሓ እውን ተገዲደን እየን።

ሎሚ ዘለዋ ሓያሎ ክርስትያን ኣንስቲ ብዙሕ ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመን፡ ኣብነት እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ማርያም ይስዕባ እየን። ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢረን እየን ዚርእያ። (ማቴዎስ 5:3) ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዜተባብዐን፡ ንስድራ ቤተን ይከናኸና እየን። (ምሳሌ 31:11-31) ኰይኑ ግን፡ ነቲ የሱስ ንማርታ ዝጠቐሰላ ስርዓት እውን ይሕልዋኦ እየን። ማርታ መንፈሳዊት ሰበይቲ ስለ ዝነበረት፡ ነቲ እተዋህባ ምኽሪ፡ ብርግጽ ኣብ ልባ ኣሕዲራቶ እያ። ክርስትያን ኣንስቲ፡ ኣብ ቤተን ዘለወን ሓላፍነታት ንኺፍጽማ ኢለን፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺመሃራ ዘለወን ኣጋጣሚ ዕሽሽ ኣይብላኦን እየን (15)፡ ወይ እውን ብዛዕባ እምነተን ንኻልኦት ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይብላን እየን። (ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25) በዚ ኸምዚ፡ “ጽቡቕ ግደ” ይሓርያ። (ሉቃስ 10:42) ኣምላኽን ክርስቶስን ስድራ ቤተንን ድማ ኣኽቢሮም ይርእይወን።—ምሳሌ 18:22።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ