ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/4 ገጽ 15
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧
    ንቕሑ!—2016
  • የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዘረጋግጽ መርትዖ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • 3 ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ፍለጥ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/4 ገጽ 15

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ከም ዝነበረ ዚሕብር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

▪ ኣብ ከባቢ እቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ ሓያሎ ዓለማውያን ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ የሱስ ብንጹር ይገልጹ እዮም። እቲ ሮሜ ኣብ ትሕቲ ሃጸያት ብዛዕባ ዘሕለፈቶ እዋን ዝጸሓፈ ቆርኔሌዎስ ታሲተስ፡ ሓደ ኻብኦም እዩ። ታሲተስ ብዛዕባ እቲ ብ64 ድ.ክ. ንሮሜ ዘዕነዋ ባርዕ ኬዘንቱ ኸሎ ኸም ዝሓበሮ፡ ሃጸይ ኔሮ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ይውረ ነበረ። ነዚ ንምሽፋን ድማ፡ ኔሮ ነቶም ክርስትያናት ተባሂሎም ዚጽውዑ ጕጅለ ጠቀኖም። ታሲተስ ብዛዕባ እዚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “እቲ ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ እዚኦም ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልትና ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንሞት ተፈርደ” በለ።—ኣናልስ፡ XV፡ 44።

ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ እውን ንየሱስ ጠቒስዎ ነበረ። ጆሰፈስ፡ እቲ ፌስጦስ ዚበሃል ኣመሓዳሪ ይሁዳ ኣብ ከባቢ 62 ድ.ክ. ምስ ሞተ፡ ከምኡውን ንዕኡ ዝተክኦ ኣልቢኑስ ስልጣን ቅድሚ ምቕባሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ፍጻመታት ኪገልጽ ከሎ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኣናንያስ፡ “ንደያኑ ዋዕላ ኣይሁድ ኣኪቡ ንሓደ ያእቆብ ዚበሃል ሓው እቲ ክርስቶስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ የሱስን ንኻልኦትን ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረቦም” በለ።—ጂውሽ ኣንቲኲቲስ፡ XX, 200 (ix, 1)።

የሱስ ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ ተባሂሉ እተጸውዐ፧

▪ ጸብጻብ ወንጌላት ከም ዚሕብሮ፡ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ማርያም መጺኡ፡ ከም እትጠንስ፡ ንወዳ ድማ የሱስ ኢላ ኸም እትሰምዮ ነገራ። (ሉቃስ 1:31) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ስም እዚ ኣብ ኣይሁድ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ፡ ካብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ወጻኢ ብዛዕባ ዝነበሩ 12 የሱስ ዝስሞም ሰባት ጸሓፈ። ወዲ ማርያም፡ “የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ወዲ ናዝሬት ምዃኑ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 10:47) ብዘይካዚ፡ “ክርስቶስ” ወይ ከኣ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነበረ። (ማቴዎስ 16:16) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

እታ “ክርስቶስ” እትብል ናይ ትግርኛ ቓል፡ ካብታ ኽሪስቶስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት እያ፣ ምስኣ እትመሳሰል ማሺኣኽ (መሲሕ) እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እውን ኣላ። እዘን ቃላት እዚኣተን፡ “ቅቡእ” ማለት እየን። እዛ ቓል እዚኣ፡ ቅድሚ የሱስ ኣብ ዝነበሩ ሓድሓደ ሰባት እውን ውዒላ እያ። ንኣብነት፡ ሙሴን ኣሮንን ንጉስ ዳዊትን ከም እተቐብኡ ጌርካ ተዘሪቡሎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ንኺሕዙ ብኣምላኽ ከም እተቐብኡ ዚሕብር እዩ። (ዘሌዋውያን 4:3፣ 8:12፣ 2 ሳሙኤል 22:51፣ እብራውያን 11:24-26) እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ፡ ማለት የሱስ፡ ካብዚኣቶም ሓለፍ ዝበለ ወኪል የሆዋ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጸውዐ።—ማቴዎስ 16:16፣ ዳንኤል 9:25።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፍላቭየስ ጆሰፈስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ