ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/5 ገጽ 31
  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ዘደንቕ ወሰኽ ህጹጽ ዕዮ ህንጸት ኣስዓበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/5 ገጽ 31

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

▪ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዚጥቀምሉ ቤት ኣምልኾ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብ ሰሰሙን፡ ልዕሊ 105,000 ዚዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዚ ኣዳራሻት እዚ ይእከባ እየን።

ነፍሲ ወከፍ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርትን ዚቐርበሉ መአከቢ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ኣዳራሻት፡ ኣኼባታት ንምምራሕ ዚሕግዝ መድረኽ እውን ኣለዎ። እዚ ኣዳራሻት እዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ 100 ኽሳዕ 300 ዚኣኽሉ ሰባት ይሕዝ እዩ። ብዘይካዚ፡ ተወሳኺ ኽፍልታት፡ ቤት ጽሕፈት፡ ከምኡውን ኣባላት ጉባኤ ኺጥቀምሉ ዚኽእሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ካልእ መወከሲታትን ዝሓዘ ንእሽቶ ቤተ-መጻሕፍቲ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምስ ኣብያተ-ክርስትያን ዚመሳሰል ሃይማኖታዊ ስእልታትን ምስልታትን የለን። መንበረ-ታቦት፡ ጠረጴዛ ቝርባን፡ ምስልታት ወይ መስቀል እውን ኣይርከብን እዩ። ስለምንታይ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምጥቃም ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ብምባል ዚህቦ ማዕዳ ኸም ዘይቃዶ እዮም ዚኣምኑ። (1 ቈረንቶስ 10:14፣ ዮሃንስ 4:24) ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብያተ-መቕደስን ኣዝዩ እተሰላለመ እዩ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ኪህብ ብዚኽእል መገዲ እተነድፈን ብዙሕ ዘይተጋነነን እዩ። ብዙሕ ኣትኵሮ ዚግበረሉ፡ ንጽባቐ እቲ ህንጻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ንዚካየድ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ እዩ።

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚካየድ ኣኼባታት፡ ብቐንዱ ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ትምህርትታት እዚ ኸኣ ኣብታ ፍረ ነገር ኣገልግሎት የሱስ ዝነበረት “መንግስቲ ኣምላኽ” እተመስረተ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ብዘይካዚ፡ እዚ ቦታ እዚ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ስብከት ‘ወንጌል መንግስትን’ ንምስፍሕፋሕ እዩ ዚውዕል፣ እቲ ኻብ 1930ታት ኣትሒዝና እንጥቀመሉ ዘለና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብል ስም እምበኣር ምስዚ ዕላማ እዚ ዚሰማማዕ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማሕበራውን ንግዳውን ንጥፈታት ኣይካየድን እዩ። ንህንጸት ኰነ ንኻልእ ነገራት ዚወጽእ ወጻኢታት፡ ምሉእ ብምሉእ በቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት እዩ ዚሽፈን። ገንዘብ ንምእካብ ዚዘውር ነገር የልቦን። የግዳስ፡ ወፈያ ኺገብር ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ገንዘብ ዜእትወሉ ሳጹን ኣብ ሓደ ቐዋሚ ቦታ ይቕመጥ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዚህባ እኳ እንተ ዀነ፡ ብእተፈላለየ ዓይነት ግዝፍን ቅርጽን እዩ ዚስራሕ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ህንጸት ኣቕሓ፡ ኵነታት ኣየር፡ ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ገንዘባዊ ዓቕሚ ኸከም ከባቢኡ ስለ ዚፈላለ እዩ። ገሊኡ ኣዳራሻት ብሕጡብን ብዕንጨይትን ብእምንን እዩ ዚስራሕ። ገሊኡ ድማ ብዙርያኡ ኽፉት ኰይኑ፡ እተወሰነ ኽፋሉ ብኣርቃይ ተሰሪሑ ናሕሱ ብሳዕሪ ይሽፈን።

ነቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ዚካፈሉ በጻሕቲ፡ ወትሩ ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም እዩ። (እብራውያን 10:25) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ንኣባላት እታ ጉባኤን ንበጻሕትን ዚትንክፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣርእስቲ እተመስረተ ህዝባዊ ኣኼባ ይግበር እዩ። እሞኸ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ኬድካ ዘይትርእዮ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ማላዊ፡ ኣፍሪቃ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓባይ ብሪጣንያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ