ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/9 ገጽ 15
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘሕለፎ ናብራ ስድራቤት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ተኣዛዝነት ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ደቂ ነጐዳ” ተባህሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ስድራቤት የሱስ እንታዎት እዮም ነይሮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/9 ገጽ 15

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ምስ ገለ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ዝምድና ነይሩዎዶ፧

▪ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዛ ሕቶ እዚ ንጹር መልሲ ኣይህብን እዩ። ገሊኡ ሓበሬታታትን ኣፈ-ታሪኽን ግን፡ የሱስ ምስ ገለ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ዝምድና ኸም ዝነበሮ ይሕብር እዩ።

ጸሓፍቲ ወንጌል፡ ስማት እተን የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ኺስቀል ከሎ ዚርእያ ዝነበራ ኣንስቲ ይነግሩና እዮም። ዮሃንስ 19:25 (ትርጕም 1990)፡ “[ማርያም] ኣዲኡን ኃብቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን” ብምባል ነተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ጠቒስወን ኣሎ። ነዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ምስቲ ማቴዎስን ማርቆስን ዝመዝገብዎ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ምስ እነረኣእያ፡ ሰሎሜ ንየሱስ ሓብቲኖኡ ኸም ዝዀነት ክንድምድም ንኽእል ኢና። ንሳ ኸኣ፡ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ክትከውን ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 27:55, 56፣ ማርቆስ 15:40) ስለዚ፡ እቶም ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ያእቆብን ዮሃንስ ተባሂሎም እተጸውዑ ደቃ፡ ንየሱስ ደቂ ሓትኖኡ እዮም። የሱስ ነዞም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ኽልተ ኣሕዋት፡ ደቀ መዛሙርቱ ንኪዀኑ ጸውዖም።—ማቴዎስ 4:21, 22።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዘሎ ኣፈ-ታሪኽ ድማ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዮሃንስ 19:25 እተጠቕሳ ኣንስቲ ዝነበረ ቀሌዮጳ ወይ እልፍዮስ፡ ሓው እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። እዚ ኣፈ-ታሪኽ እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ዝነበረ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ እውን፡ ንየሱስ ወዲ ሓወቦኡ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 10:3።

ዝምድና የሱስን ዮሃንስ መጥምቕን እንታይ እዩ ነይሩ፧

▪ ኣዴታቶም ዝነበረን ዝምድና ብንጹር ከም ዚፍለጥ ገሊኦም ሰባት ይኣምኑ እዮም። እዚ እምነት እዚ፡ ሉቃስ 1:36 ብንጹር ስለ ዘይተተርጐመት እዩ ተፈጢሩ። ንኣብነት፡ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ ኣደ ዮሃንስ ዝዀነት ኤልሳቤጥን እታ ኣደ የሱስ ዝዀነት ማርያምን እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ይገልጽ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እትርከብ በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንዝምድናአን ብንጹር ኣይትገልጽን እያ። ክልቲአን ኣንስቲ ኣዝማድ ከም ዝነበራ ደኣ እምበር፡ እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ብንጹር ኣይሕብርን እዩ። ኢንተርፕሪተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል፡ “እታ ቓል ኣዝዩ ሰፊሕ ትርጕም ስለ ዘለዋ ዝምድናአን ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይንኽእል ኢና” በለ። ኣዴታት የሱስን ዮሃንስን ዝነበረን ዝምድና ብንጹር ከም ዚፍለጥ ዚገልጽ ሓሳብ ደኣ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባ . . . ወለዲ ማርያም ዘለና ዅሉ ሓበሬታ፡ ካብ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት እተረኽበ እዩ” በለ።

ስለዚ፡ የሱስን ዮሃንስን ኣዝማድ ከም ዝነበሩ ደኣ እምበር፡ ኣዴታቶም እንታይ ዓይነት ዝምድና ኸም ዝነበረን ብንጹር ኣይንፈልጥን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ