ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/1 ገጽ 30-31
  • ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ይሃሉኻ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ይሃሉኻ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሙሴ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/1 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ይሃሉኻ!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ይስሃቅ፡ ርብቃ፡ ያእቆብ፡ ኤሳው

ጽማቝ፦ ኤሳው ብዅርናኡ ነቲ ፍላይ ማንታኡ ዝዀነ ያእቆብ ሸጠሉ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 25:20-34 ኣንብብ።

ያእቆብን ኤሳውን ገና ኻብቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኦም ዝነበሩሉ እዋን ኣትሒዞም እንታይ ባህርይ እዮም ኣርእዮም፧

․․․․․

ያእቆብን ኤሳውን ምስ ዓበዩ፡ ትርኢቶም ከመይ ይመስል ዝነበረ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብቲ ኻብ ቍጽሪ 30 ኽሳዕ 33 ዚርከብ ኣብ መንጎ ያእቆብን ኤሳውን እተገብረ ዝርርብ፡ እንታይ ስምዒታት ተንጸባሪቑ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ መሰላት ብዅርና ሓበሬታ ርኸብ። እዚ መሰላት እዚ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ መሰላት እዚ ብጸብሒ ብርስን ምሻጥ፡ እንታይ ትርጕም ነይርዎ፧

․․․․․

2 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ዘፍጥረት 27:1-10, 30-38 ኣንብብ።

ኤሳው፡ ሓዉ ነቲ ንበዅሪ ዚግባእ ምርቓ ኸም ዝወሰዶ ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ድምጹ እንታይ ስምዒት እዩ ተንጸባሪቑ፧_

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ርብቃን ያእቆብን ተሓባቢሮም፡ ነቲ ምርቓ ያእቆብ ከም ዚወስዶ ምግባሮም ጌጋ ድዩ ነይሩ፧ ስለምንታይ፧ (ኣፋፍኖት፦ ዘፍጥረት 25:23, 33 ርአ።)

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ኣብ ግዜያዊ ዕግበት ምትኳር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዜስዕቦ ሳዕቤን።

․․․․․

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

እንታይ ቅዱስ ነገራት ተዋሂቡካ ኣሎ፧

․․․․․

ንቕዱስ ነገራት ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ