ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/2 ገጽ 16-17
  • ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/2 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ መን እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ኣምላኽ መን እዩ፧

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጉሥ ዘለዓለም” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ፣ እዚ ኸኣ መጀመርታ ኸም ዘይብሉን መወዳእታ ኸም ዘይህልዎን ዚሕብር እዩ። (ራእይ 15:3፡ ትርጕም 1990) ኣምላኽ ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ጥራይ ከነምልኾ ኣሎና።—ራእይ 4:11 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧

ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ማለት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ፍጡራት እተፈልየን ዝለዓለን ዓይነት ህይወት ስለ ዘለዎ፡ ርእይዎ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን። (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24) ባህርያት ኣምላኽ፡ ኣብቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ንድፍን ዓይነትን ፍረታትን ዕምባባታትን ከነስተንትን ከለና፡ ንፍቕርን ጥበብን ኣምላኽ ነስተውዕል ኢና። ዩኒቨርስ ዘለዎ ግዝፊ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ ይነግረና እዩ።—ሮሜ 1:20 ኣንብብ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚፈቱን እንታይ ከም ዚጸልእን፡ ንደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዚሕዞም፡ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ዓይነት ምላሽ ከም ዚህብ ይነግረና እዩ።—መዝሙር 103:7-10 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

የሱስ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) ኣምላኽ እተፈላለየ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ሓደ ስም ጥራይ ግን እዩ ዘለዎ። ስሙ በብቛንቋኡ እተፈላለየ ኣደማምጻ እዩ ዘለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብትግርኛ፡ “የሆዋ” ኢልና ኢና እንጽውዖ። ስም ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ንረኽቦ ኢና። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣብ መዝሙር 83:18 ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።—ኣንብብ።

ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንስም ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ፡ ወይ ኣምላኽ ብዚብል መዓርጋት ተኪኦምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ከሎ ግን፡ ስም ኣምላኽ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ነበረ። የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪገልጸሎም ከሎ፡ ስም ኣምላኽ ይጥቀም ስለ ዝነበረ፡ እቲ ስም እቲ ኸም ዚፍለጥ ገይሩ እዩ። ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጥዎ ሓጊዙ እዩ።—ዮሃንስ 17:26 ኣንብብ።

4. የሆዋ ይሓልየልና ድዩ፧

የሆዋ ንጸሎትና ባዕሉ ብምስማዕ፡ ከም ዚሓልየልና የርኢ እዩ። (መዝሙር 65:2) ብዙሕ መከራ ምህላዉ ግን፡ ኣምላኽ ከም ዘይሓልየልና ዜርኢ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍትነና ኢሉ ኸም ዜሳቕየና እዮም ዚሓስቡ፣ እዚ ግን ሓቂ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ” ይብለና እዩ።—እዮብ 34:10፣ ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢርዎም እዩ። ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋል፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘሎና ምዃኑስ ኣይተማስወሉንዶ፧ (እያሱ 24:15) ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ኺህሉ ዝኸኣለ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት እከይ ስለ ዚገብሩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ በደል፡ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ።—ዘፍጥረት 6:5, 6 ኣንብብ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ንእከይ ኰነ ንእኩያት ኬጥፍእ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ የሆዋ፡ መከራ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ንኺፈቅድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብዚ ዓምዲ እዚ፡ ኣብ ካልእ እዋን ኣብ እትወጽእ ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ኽንመሃር ኢና።—ኢሳይያስ 11:4 ኣንብብ።

5. ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

የሆዋ፡ ንዕኡ ኽንፈልጦን ከነፍቅሮን ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ብዛዕባኡ፡ ሓቂ ኽንፈልጥ እውን ይደልየና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዕና፡ ንኣምላኽ ከም ዓርክና ጌርና ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 2:4, 5 ኣንብብ።

የሆዋ፡ ህይወት ስለ ዝሃበና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኸነፍቅሮ ኣሎና። ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንዕኡ ብጸሎት ኣቢልና ብምዝራብን ንሱ ዚደልዮ ብምግባርን ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 15:8) የሆዋ ንኻልኦት ብፍቕሪ ኽንሕዞም ይደልየና እዩ።—ማርቆስ 12:29, 30፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መከራ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ንኺፍቀድ ብቑዕ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእልዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ