መበል 129 ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ
“እዚኣ መዓልትኹም እያ”
ብ11 መስከረም 2010፡ ዳርጋ 8,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 129 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ተኣከቡ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ ነቶም ተመሃሮ፡ “እዚኣ መዓልትኹም እያ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብዚ ምሳኻትኩም ክንሕጐስ ኢና ተኣኪብና ዘለና” በሎም።
“ሰማዒት እዝኒ”
ሓው ሀርድ፡ ኵሎም ክርስትያናት ናብ ቃል ኣምላኽ ብምድሃብ፡ “ነታ ሰማዒት እዝኒ” ብግቡእ ኪጥቀሙላ ኸም ዘለዎም ብዚገልጽ መደረ ገይሩ ነቲ ስነ-ስርዓት ጀመሮ። (ምሳሌ 20:12) ነቶም ተመሃሮ ኸኣ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣእዛንኩም ንየሆዋ ሂብኩምዎ ኔርኩም፡ ንዘለኣለም እውን ከምኡ ኽትገብሩ ኢኹም” በሎም።
ሓደስቲ ሚስዮናውያን ንኣእዛኖም ብጥበብ ኪጥቀሙለን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓው ሀርድ፡ “ናብ ቃል ኣምላኽ ብምድሃብ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ዚመጽእ ዓመታት ከም ሚስዮናውያን ኴንኩም እትዓይዎ ዕዮ ዜድልየኩም ብዙሕ ሓሳባት ክትረኽቡ ኢኹም” በለ።
“ብምሉእ ልብኹም ኣብ የሆዋ ተወከሉ”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ፡ ነቶም ተመሃሮ ብዛዕባ እዚ ዜተሓሳስብ ጕዳይ ተዛረቦም። ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ዀኑ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ የሆዋ እተወከሉሉ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ዘርዘረ።
ሓው ሎሽ፡ “ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ትውክልቶም ኬርእዩ የድልዮም እዩ” በለ። ቀጺሉ ድማ፡ “ንኣብነት፡ ‘ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ክኽእሎ ድየ፧ ምስ ሓድሽ ባህሊ ኽላመድ ድየ፧ ንናፍቖተይ ክኽእሎ ድየ፧’ ኢልኩም ትሓስቡ ትዀኑ” በሎም። እሞ ደኣ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ ሓው ሎሽ ነቶም ተመሃሮ፡ “ኣብ የሆዋ ተወከሉ” በሎም።
ብዘይካዚ፡ ሓው ሎሽ ንምሳሌ 14:26 ኣንበባ። እታ ጥቕሲ፡ “ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ” ትብል። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝባረኸና መገድታት እንተ ኣስተንቲንና፡ ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኺዓቢ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ የሆዋ ብዛዕባ ዚውከል ሰብ፡ “ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር” ይብል።—ኤርምያስ 17:7, 8።
ካብዚ ዚርከብ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ሓው ሎሽ፡ “ኣብ ቅድሜኹም ዚጽበየኩም ብዘየገድስ፡ ኣብ የሆዋ ኽትውከሉ ኣሎኩም” በለ።
“ንእሙናት መላእኽቲ ምሰልዎም”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ስቲቨን ለት፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘርእስቱ መደረ እዩ ኣቕሪቡ። መላእኽቲ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ዚዀኑና። ሓው ለት፡ “ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ዚገልጾ ነገራት፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ይዀነና እዩ” በለ። ድሕሪኡ፡ ካብቶም እሙናት መላእኽቲ ኽንቀድሖ ዚግባእ ኣርባዕተ ባህርያት ገለጸ፣ እዚኣተን ከኣ፡ ጽንዓቶምን ትሕትናኦምን ሓገዝቲ ምዃኖምን ንጽህናኦምን እየን።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ መልኣኽ ‘ንመስፍን ፋርስ፡’ ማለት ንሓደ ሓያል ጋኔን፡ ን21 መዓልቲ ኸም እተቓወሞ ይገልጸልና እዩ። (ዳንኤል 10:13) እቲ መልኣኽ እቲ፡ ጽንዓቱ እዩ ኣርእዩ። ሓው ለት ከም ዝሓበሮ፡ ንሕና ክርስትያናት እውን፡ ‘ምስ መናፍስቲ እከይ ቅልስ ኣሎና።’ (ኤፌሶን 6:12) ቀጺሉ፡ ሓው ለት ነቶም ተመሃሮ፡ “እተመደበልኩም ዕዮ ንምፍጻም ኣበርቲዕኩም ተቓለሱ” በሎም።
ማኖኣ፡ ኣቦ ሲምሶን፡ ንሓደ መልኣኽ ስሙ ምስ ሓተቶ፡ እቲ መልኣኽ ኪነግሮ ፍቓደኛ ኣይነበረን። እቲ መልኣኽ እቲ፡ ትሕትና እዩ ኣርእዩ። (መሳፍንቲ 13:17, 18) ሓው ለት ነቶም ተመሃሮ፡ “ሓደ ሰብ ኪንእደኩም ወይ ብዛዕባ ኽእለታትኩም ብዙሕ ኪዛረብ እንተ ፈቲኑ፡ ብትሕትና ንየሆዋን ንውድቡን ክብሪ ሃቡ” በሎም።—1 ቈረንቶስ 4:7።
የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ።” (ሉቃስ 22:43) እቲ መልኣኽ እቲ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሓው ለት፡ “ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተመደብኩምሉ ቦታ እንታይ ከም ዜድሊ ብጸሎት መርምሩ፣ ድሕሪኡ፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ዜድሊ ዘበለ ኸተማልኡ ጽዓሩ” በለ።
እቶም ምስ ሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ዝሓበሩ መላእኽቲ ውሑዳን ስለ ዝዀኑ፡ መብዛሕትኦም ሰማያውያን ፍጡራት፡ ጽቡቕ ኣብነት ንጽህና ኸም ዝዀኑና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና።—ራእይ 12:4።
ሓው ለት ነቶም ተመሃሮ፡ “ከምቶም እሙናት መላእኽቲ፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ። ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ያእቆብ 4:7።
ኣብቲ መደብ ዝጐልሐ ሰለስተ ኻልእ ክፍልታት
“ወትሩ ንየሆዋ፡ ከውሒ ልብኹም ግበርዎ።” ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ጌሪ ብሮ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ መዝሙር 73:26 እተመስረተ መሳጢ ኣርእስቲ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኣብ የሆዋ ምጽጋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ነቶም ተመሃሮ ኣረድኦም። የሆዋ ብኸመይ እዩ ምስ ከውሒ ዚመሳሰል፧ ሓው ብሮ፡ “ከውሒ ኣብ ህቦብላ ንፋስ እውን እንተ ዀነ፡ ወረቐት ጸቒጡ ኺሕዝ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንልብኹም ኪሕሉ ዚኽእል ዜረጋግእ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ” በለ። ልክዕ እዩ፡ ንጽንዓትና ዚፍትን ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ልብና ኼታልለና ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ነቶም ተመሃሮ ሓድሽ ኵነታት ኣየርን ሓድሽ ምግብን ስለ ዜጓንፎም፡ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ምስ ሓደስቲ ብጾቶም ስለ ዚነብሩ፡ ኣገልግሎቶም ንኼቋርጹ ኺፍተኑ ይኽእሉ እዮም። ሓው ብሮ፡ “ገሊኡ ዅነታት ምስ ኣጋጠመኩም፡ ኣማራጺታትኩም ገምጊምኩም፡ ውሳነታት ክትገብሩ ኼድልየኩም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ መገዲ ኽትመርጹ ዲኹም፧ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ የሆዋ ‘ኸውሒ ልብኹም’ ኪኸውን እዩ። ንስጓሜኹም እውን ኬቕንዐን እዩ” በለ።
“ኣእጋርኩም ንኺጥልቅያ እተኽእል እምነት ኣላትኩም ድያ፧” ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ሳም ሮበርሰን፡ ኣብ እያሱ ምዕራፍ 3 ተመርኲሱ፡ ነዚ ፍረ ነገር እዚ ኣማዕበለ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ነቲ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ዝነበረ ፈለግ ዮርዳኖስ ብኸመይ ኪሰግርዎ ኸኣሉ፧ የሆዋ ንእያሱ፡ ነቶም ካህናት፡ “ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ” ኢሉ ኺእዝዞም ነጊርዎ ነይሩ እዩ። “እቶም . . . ካህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ . . . የቛርጽ፡ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ደው ይብል” ኢሉ ተመባጺዑሎም ነይሩ እዩ። (እያሱ 3:8, 13) ሓው ሮበርሰን ነቶም ተመሃሮ፡ “ንስኻትኩም እንተ ፈቒድኩምሉ፡ ኣብ ህይወትኩም፡ ካብ በረኸትኩም ዚፈልየኩም ‘ዮርዳኖሳት’ ኪፍጠር እዩ” በሎም። ንኣብነት፡ ምስ ካልኦት ሚስዮናውያን ምስምማዕ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይዚ ፍታሕ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ሓው ሮበርሰን ነቶም ተመሃሮ፡ “ኣብቲ ዕዮ ጠምቱ፣ ኣብቶም ዓየይቲ ኣይትጠምቱ። ኣእጋርኩም ንኺጥልቅያ እተኽእል እምነት እንተ ኣርኢኹም፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ሚስዮናዊ ህይወትኩም ዜጋጥም ‘ዮርዳኖሳት’ ንኽትሰግሩ ኺሕግዘኩም እዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም።
“ሓሳባትኩም ኣቝሙ።” ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ዊልያም ሳሙኤልሰን፡ ነዚ መደረ እዚ እዩ ኣቕሪቡ። መደረኡ ኣብ ምሳሌ 16:3 እተመስረተ እዩ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ” ትብል። ሓው ሳሙኤልሰን ነቶም ተመሃሮ፡ “እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ‘ተግባርኩም ንየሆዋ ኻብ ምውፋይ’ ሓሊፍኩም፡ ሓሳባትኩም ኣብ ምቛም ዋላ ሓደ ግደ ኸም ዘይብልኩም ድያ እትገልጽ ዘላ፧” ኢሉ ሓተቶም። ምሳሌ 16:1፡ “ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ” ስለ እትብል፡ ከምኡ ማለታ ኸም ዘይኰነት ነገሮም። ቀጺሉ፡ “የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ንልብኹም ኣየዳልወልኩምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብቕኑዕ ኣንፈት ከም እትድረኹ ባዕልኹም ከተረጋግጹ ኣሎኩም። ብመጽናዕትን ብጸሎትን ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብዚህልወኩም ጥብቂ ርክብን ኣቢልኩም፡ ጽቡቕ ዜገልግለኩም ልቢ ብቐጻሊ ኺህልወኩም ይኽእል እዩ፣ የሆዋ እውን ሓሳባትኩም ኬቝመልኩም እዩ” በሎም።
ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን
ተመሃሮ ጊልዓድ፡ ከም ክፍሊ እቲ ስልጠናኦም፡ ምስተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ኣብ ዕዮ ስብከት ይሳተፉ እዮም። ሓደ ኻብቶም መምህራን ጊልዓድ ዝዀነ ማርክ ኑማር፡ ንሓያሎ ተመሃሮ ብዛዕባ ተመክሮታቶም ቃለ-መጠይቓት ገይሩሎም እዩ። ኣብቲ ተመክሮታት ብፍላይ ዝጐልሐ ነጥቢ፡ ጸሎት ኣብ ክልና ንዘለዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ ምርካብ ዘለዎ ግደ እዩ።
ንኣብነት፡ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ናብ ሓደ ቤት ምግቢ ምስ ኣተዉ ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ኣብኡ ዚሰርሕ ሓደ ሰራሕተኛ፡ ብልቦም ኪጽልዩ ኸለዉ ኣስተብሃለሎም። ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖም ሓተቶም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤተሰብ ከም ዝዓበየ፡ ካብ እምነት ግን ከም ዝወደቐ ነገሮም። ካብኡ ሓሊፉ እውን፡ ገበን ከም ዝፈጸመን ተኣሲሩ ኸም ዝነበረን ሓበሮም። ድሕርዚ፡ እቲ መንእሰይ ንየሆዋ፡ ኣብ ህይወቱ ቦታ ኺህቦ ደለየ። እቶም ሰብ ሓዳር ናብታ ቤት ምግቢ ቕድሚ ምምጻኦም፡ ህይወቱ ንኼዐሪ ሓገዝ ደልዩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ኸም ዝነበረ ነገሮም። ጸሎቱ መልሲ ረኺቡ እዩ።
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጽሑፋት ካብ ኣንበብቲ ንዚለዓል ሕቶታት መልሲ ኣብ ዚጽሕፍ ክፍሊ ዜገልግል ሩዲ ሃርትል፡ “የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ኣብ ትሕቲ ዘርእስቱ ፍረ ነገር፡ ካብ ሞዛምቢክ ምስ ዝመጸ ወይን ሪጅወይ፡ ካብ ቺለ ምስ ዝመጸ ጄሰን ሪድ፡ ከምኡውን ካብ ነፓል ምስ ዝመጸ ከንጂ ቺቺ ቓለ-መጠይቕ ገበረ። ሰለስቲኦም ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን እዮም። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠሞም ብድሆታት ገለጹ፣ ገለ ኻብቲ ብድሆታት ሓድሽ ቋንቋ ምኽኣል፡ ሓድሽ ባህሊ ምልማድ፡ ምስ ናፍቖት ምቅላስ እዩ ነይሩ። ሓው ቺቺ፡ “ሓደ ኻብቲ ዝሓገዘና ነገራት፡ ብእተኻእለና መጠን ተቐላጢፍና ኣብታ እንኸዳ ሓዳስ ጉባኤ ፈተውቲ ምግባርና እዩ። ናብታ ጉባኤ ብዝቐረብና መጠን፡ ንናፍቖትና ኽንጾሮ ዝቐለለ ዀይኑልና” በለ።
እቶም 56 ተመሃሮ ዲፕሎማኦም ምስ ተቐበሉ፡ ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ፡ ሞሳ እቶም ተመሃሮ እትገልጽ ልቢ እትትንክፍ ደብዳበ ኣንበበ። ኣብታ ደብዳበ፡ ናብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝቐንዐ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ነበረ፦ “ተመሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ስርዓተ-ትምህርቲ ብምድላውን ንኽፍልና ብምብጻሕን ጽቡቕ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምሃብን፡ ብፍቕሪ ተደሪኽኩም ደኺመ ኸይበልኩም ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ተዓዚብና ኢና። ፍቕርኹም ስለ ዝረኸብና፡ ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ነቲ ሰናይ ኣብነት ፍቕርኹምን ትዕግስትኹምን ትሕትናኹምን ሓልዮትኩምን ንምቕዳሕ፡ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኢና።”
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ሓደ ሰብ ኪንእደኩም . . . እንተ ፈቲኑ፡ ብትሕትና ንየሆዋን ንውድቡን ክብሪ ሃቡ”
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣብ ህይወትኩም . . . ‘ዮርዳኖሳት’ ኪፍጠር እዩ”
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ካርታ]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
9 ዝመጹለን ሃገራት
56 ተመሃሮ
28 ሰብ ሓዳር
33.0 ገምጋም ዕድመ
17.9 ካብ ዚጥመቑ ዘሕለፍዎ ገምጋም ዓመታት
13.3 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት
[ካርታ]
(For fully formatted text, see publication)
እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ 25 ሃገራት ተመዲቦም፦
ሚስዮናውያን እተመደቡለን ሃገራት
ህንዲ
ላይበርያ
ማለዥያ
ማሰዶንያ
ማዳጋስካር
ሞዛምቢክ
ሩማንያ
ሰራ ልዮን
ሰርብያ
ስዋዚላንድ
ቡልጋርያ
ቦሊቭያ
ቦትስዋና
ታንዛንያ
ኡጋንዳ
ኢንዶነዥያ
ኬንያ
ኮት ዲቭዋር
ኮንጎ (ኪንሻሳ)
ዚምባብወ
ጀርመን
ጋምብያ
ፐሩ
ፓናማ
ፖላንድ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ተመሃሮ ጊልዓድ ኣብ ስብከት ዝረኸብዎ ተመክሮ ብመርኣያ ኬቕርቡ ኸለዉ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 129 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት፡ ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።
(1) ረበካ ሙናረቶ፣ ዪቮን ኡሎቭሰን፣ ናዪታ ቡደን፣ ሊንሰይ ናይጆን፣ ጂነት ሞያ፣ ግሪሰልዳ ትረቪኞ፣ ኣንድሪያ ዲዮን፣ ኣንድሪያ ፍሊገል።
(2) ጃኪ ስሚዝ፣ ጃንሲ ማይክል ራጅ፣ ሻላና ስሚዝ፣ ኣውሮራ ፓራሞ፣ ጀኒፈር ማክዶናልድ፣ መላኒ ዲንስ፣ ሱኒታ ጆይል፣ ሉሲ ዋትሰን።
(3) ሲ ጆይል፣ ቶኒ ክራሊ፣ ዶን ሃከር፣ ጀሲካ ሺንካረንኮ፣ ትሬሲ ናፕ፣ ጀኒ አይሊንግ፣ ካሚል ሃይሊ፣ ብዮርን ኡሎቭሰን።
(4) ማይክል ፊትስፓትሪክ፣ ብራያን ናይጆን፣ ሊንድቪ ስካለሩድ፣ ኣሽሊ ሃሪስ፣ ሴሸል ሃሪስ፣ ሮሪ ቡደን፣ ዮናታን ፓራሞ፣ ከንዮን ስካለሩድ።
(5) ብረንዳን ክራሊ፣ ጆሰፍ ማይክል ራጅ፣ ኣንዲ ሎጅ፣ ሬሸል ሎጅ፣ ናዲን ሀርምስ፣ ጁልያ ፊትስፓትሪክ፣ ሮበርቶ ሞያ፣ ፕየትሮ ሙናረቶ።
(6) ስቲቨን ዋትሰን፣ ማቲው ዲንስ፣ ጀፍ ሃከር፣ ጆሹዋ ማክዶናልድ፣ ጆን ትረቪኞ፣ ሾን ሃሪስ፣ ክሪስ ሀርምስ፣ ፒተር ሃሪስ።
(7) ቪክቶር ሺንካረንኮ፣ ታድ ሃይሊ፣ ኣሌክስ ስሚዝ፣ ጀፍ ዲዮን፣ ራያን አይሊንግ፣ በን ስሚዝ፣ ቶኒ ናፕ፣ ብረይ ፍሊገል።