ንበረኸትካ ብሓቂዶ ተማስወሉ ኢኻ፧
እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ብተኣምራዊ መገዲ ሓራ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ኣብ ፈለማ ንየሆዋ ብናጽነት ኬምልኽዎ ምኽኣሎም ኣሐጒስዎም ነበረ። (ዘጸ. 14:29–15:1, 20, 21) ኰይኑ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣረኣእያኦም ተቐየረ። ብዅነታቶም ኬጕረምርሙ ጀመሩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራት ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ፡ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዜጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ኬተኵሩ ስለ ዝጀመሩ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ንሙሴ፡ “ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኵሽ እንጌራ [ማና] ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብካና፧” ኢሎም ተዛረብዎ።—ዘሁ. 21:5።
ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ፡ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ “ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፡ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ” በለ። (መዝ. 13:5, 6) ዳዊት ነቲ የሆዋ ዘርኣዮ ምሕረት ወይ ሳህሊ ኣይረስዖን፡ የግዳስ ወትሩ የስተንትነሉ ነበረ። (መዝ. 103:2) የሆዋ ንዓና እውን ብዙሕ በረኸት ሂቡና እዩ፡ ስለዚ ነቲ ዝገበረልና ነገራት ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። ንገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ረኺብናዮ ዘሎና በረኸት ኣምላኽ እስከ ንርአ።
‘ምስጢር የሆዋ’
እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፡” ብምባል ዘመረ። (መዝ. 25:14) ዘይፍጹማት ሰባት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱስ ከመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ በቲ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ብምጥልላፍና ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ንስእን እንተ ደኣ ዄንናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረና ጽቡቕ ርክብ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ነብሎ። የሆዋ ፈታዊና ብምዃኑ፡ ፍርሃትና፡ ድሌትና፡ ጭንቀትና ዘበለ ዅሉ ብጸሎት ኣቢልና ልብና ናብኡ ኼነፍስስ እዩ ዚጽበየና። (ምሳ. 3:5, 6፣ ፊል. 4:6, 7) ስለዚ፡ ንትሕዝቶ ጸሎትና ኽንሓስበሉ ኣይግባእንዶ፧
ፖል እተባህለ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብዛዕባ ጸሎቱ ኺሓስብ ምስ ጀመረ፡ ከመሓይሽ ከም ዜድልዮ ተገንዘበ።a ተመክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸለኹ ብልምዲ ሓደ ዓይነት ቃላት እጥቀም ነበርኩ” በለ። ንጸሎት ዚምልከት፡ ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ዚበሃል መሐበሪ ምርምር ምስ ገበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 180 እተፈላለየ ዓይነት ጸሎት ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ፈለጠ። ኣብዚ ድማ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ውሽጣዊ ስምዒቶም ከም ዝገለጹ ተሓቢሩ ኣሎ። ፖል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ብምስትንታን፡ ኪጽሊ ኸለኹ ፍሉይ ነገራት ኪጠቅስ ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። እዚ ድማ ልበይ ንየሆዋ ኪኸፍተሉ ሓገዘኒ። ሕጂ ናብኡ ብጸሎት ምቕራብ ባህ እዩ ዚብለኒ” በለ።
‘በብጊዜኡ ዚቐርብ ምግቢ’
ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ኻልእ በረኸት ድማ፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እዩ። ካብቲ ኣኺሉ ዚተርፍ ብሉጽ መንፈሳዊ መግቢ ኽንምገብ ከሎና፡ ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ክንብል’ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (ኢሳ. 65:13, 14) ይኹን እምበር፡ እቲ ንሓቂ ዘሎና ውዕውዕ ስምዒት፡ ብስንኪ ሕማቕ ጽልዋ ኻልኦት ከይነጥፍኦ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቲ ኸሓድቲ ዚነዝሕዎ ፕሮፖጋንዳ ነድህበሉ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣተሓሳስባና ኸም ዚስረቕ፡ ነቲ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ “በብጊዜኡ” ዜቕርበልና መንፈሳዊ ምግቢ ኸኣ ኣትሒትና ኸም እንርእዮ ኺገብር ይኽእል እዩ።—ማቴ. 24:45-47።
ኣንድሬ ንዓመታት ንየሆዋ ዘገልገለ ኪኸውን ከሎ፡ ብናይ ከሓድቲ ኣተሓሳስባ ተሳሒቡ ኻብ ሓቂ ብምርሓቑ ሕማቕ ተመክሮ እዩ ኣሕሊፉ። ናይ ከሓድቲ ወብ ሳይት ንቕጽበት ምርኣይ ብዙሕ ሓደጋ ኸም ዘይብሉ ሓሰበ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ፈለማ በቲ ኸሓድቲ ሓቂ ዚብልዎ ዘረባ ተማረኽኩ። ነቲ ዚዛረብዎ ብተደጋጋሚ ብዝሰማዕኽዎ መጠን፡ ንውድብ የሆዋ ኽሓድጎ ኸም ዘሎኒ ኽሓስብ ጀመርኩ። ደሓር ግን፡ ኣብቲ ኸሓድቲ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጐተ ምርምር ክገብር ምስ ጀመርኩ፡ እዞም ናይ ሓሶት መምህራን ክሳዕ ክንደይ መታለልቲ ኸም ዝዀኑ ኣስተውዓልኩ። ነቲ ኣጣሚሞም ዜቕርብዎ ሓሳባት እዮም ከም ‘ድልዱል መርትዖ’ ገይሮም ዜቕርብዎ። ስለዚ፡ እንደገና ንጽሑፋትና ኸንብብን ኣብ ኣኼባታት ክእከብን ወሰንኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ብዙሕ ነገራት ኣምሊጡኒ ኸም ዝነበረ ኣስተውዓልኩ።” እቲ ዜሐጕስ ድማ ኣንድሬ ናብ ጉባኤ ተመልሰ።
“ሕውነት”
እቲ ፍቕርን ሓድነትን ዚንጸባረቐሉ ሕውነትና፡ ካብ የሆዋ እተረኽበ በረኸት እዩ። (መዝ. 133:1) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሕውነት ኣፍቅሩ፡” ኢሉ ዝጸሓፈ። (1 ጴጥ. 2:17) ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት እተሓቘፍና ብምዃንና፡ ካብቶም ከም ኣቦታት፡ ኣዴታት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት ዝዀኑ ኣብ ሓቂ ዘለዉ ብጾትና ሕያውነትን ደገፍን ንረክብ ኢና።—ማር. 10:29, 30።
ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ እዋን ብእተፈላለየ ምኽንያታት ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይምስምማዕ ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ በቲ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ዘይፍጽምና ዜርእዮ ጕድለት፡ ክንቍጣዕን ነቐፍቲ ኽንከውንን ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘይፍጹማት ክነሶም ከም ዜፍቅሮም ምዝካርና ኣይምሓገዘናንዶ፧ ብተወሳኺ፡ “ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።” (1 ዮሃ. 1:8) ነቲ፡ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኽንጽዕርዶ ኣይግባእን፧—ቈሎ. 3:13።
ኣን እተባህለት መንእሰይ፡ ክርስትያናዊ ሕውነት ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ዝፈለጠት ኣብ ሽግር ድሕሪ ምእታዋ እዩ። ነቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ሓሻሽ ወዲ ብምምሳል፡ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ረሓቐት። ጸኒሓ ግን፡ ተነሲሓ ናብ ሓቂ ተመልሰት። (ሉቃ. 15:11-24) ኣን ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ተማህረት፧ ከምዚ በለት፦ “ሕጂ ናብ ውድብ የሆዋ ምስ ተመለስኩ፡ ኵሎም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣኽቢረ እየ ዚርእዮም። ቅድሚ ሕጂ፡ ቀልጢፈ እየ ዝነቕፎም ነይረ። ሕጂ ግን፡ ነቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ ብምሕባር ዝረኽቦ በረኸት ኬጥፍኣለይ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከይገብር ቈሪጸ እየ። ንመንፈሳዊ ገነትና ሓዲግና ናብ ዓለም ምኻድ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን።”
ንበረኸትካ ወትሩ ኣማስወሉ
መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ ምዃና ረኺብናዮ ዘሎና ተስፋ፡ ኣዝዩ ኽቡር ሃብቲ እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ መጀመርታ ምስ ሰማዕናዮ፡ ኣዚና ኢና ኣማሲናሉ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ነጋዳይ እዩ ተሰሚዑና፣ እቲ ነጋዳይ “ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ” ንኺዕድግ ኢሉ “ዘለዎ ዅሉ ሸጠ።” (ማቴ. 13:45, 46) ጸኒሑ ብዛዕባ እታ ዕንቊ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ዘጠፍአ፡ የሱስ ኣይተዛረበን። ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋና ዘሎና ኣረኣእያ ፈጺምና ኣይነጥፍእ።—1 ተሰ. 5:8፣ እብ. 6:19።
ሓንቲ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኻብ እትጅምር ልዕሊ 60 ዓመት ዝገበረት ጂን እተባህለት ሓብቲ ንርአ። ጂን ከምዚ በለት፦ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ምዝራበይ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኣእምሮይ ንኸየጥፍኣ ሓገዘኒ። ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ፈለጡ ኣብ ገጾም ዚንበብ ሓጐስ ኪርኢ ኸለኹ፡ ኣወንታዊ ጽልዋ እዩ ዜሕድረለይ። እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኣብ ህይወት ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሮ ለውጢ ምርኣየይ፡ ‘ንሰባት ክነግሮም ዝኽእል ዜደንቕ ሓቅታት እዩ ዘሎኒ’ ኢለ ኸም ዝሓስብ እዩ ዚገብረኒ።”
ነቲ የሆዋ ዝሃበና ሓያሎ መንፈሳዊ በረኸት ከነማስወሉ ዚድርኸና ብቑዕ ምኽንያታት እዩ ዘሎና። ከም እኒ ምጽራር፡ ሕማም፡ እርጋን፡ ጭንቀት፡ ሓዘን፡ ቍጠባዊ ቕልውላው፡ ዓቕልና ዜጽብበልና እኳ እንተ ዀነ፡ ግዜያዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና መንፈሳዊ በረኸት፡ ስጋዊ በረኸት እውን ክንረክብ ኢና። ዝዀነ ይኹን ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና መከራ፡ ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ኣይኪህሉን እዩ።—ራእ. 21:4።
ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና መንፈሳዊ በረኸት ነማስወሉ። ነቲ፡ “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፡ ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ” ብምባል ሞሳኡ ዝገለጸ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ንምሰሎ።—መዝ. 40:5።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ግዜ ፈተና፡ መንፈሳዊ ደገፍ ስለ ዘሎና ተባሪኽና ኢና