ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 15
  • “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መዓር ምቁር ፈውሲ
    ንቕሑ!—2002
  • “ሸውዓተ ፍርያት” እታ ጽብቕቲ ምድሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 15

“ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ”

የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ፡ “ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ኸም ዜእትዎም ተመባጺዕሎም ነይሩ።—ዘጸኣት 3:8።

እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ ኣሓን ኣባጊዕን ኣጣልን ኬፋርዩ ስለ ዝጀመሩ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ጸባ ነበሮም። መዓር ደኣ ኻበይ እዮም ዚረኽቡ ነይሮም፧ ገሊኦም ሰባት፡ እቲ መዓር ተባሂሉ ዘሎ፡ ካብ ተምርን በለስን ወይንን ንዚስራሕ ምቁር ጽማቝ ከም ዜመልክት እዮም ዚኣምኑ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መዓር ንህቢ፡ ንመዓር ሰንካል ደኣ እምበር፡ ካብ መንህብ፡ ማለት መፍረ ንህቢ ኻብ ዚካየደሉ ቦታ ንዚርከብ መዓር ኣየመልክትን እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 14:8, 9፣ 1 ሳሙኤል 14:27፣ ማቴዎስ 3:1, 4) እሞኸ እታ ምድሪ፡ ጸባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዓር እውን “እተውሕዝ” ድያ ነይራ፧

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብ ዘመናዊት እስራኤል እተረኽበ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት፡ ብዛዕባ እዚ ዝነጸረ ሓበሬታ ይህበና እዩ። ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ብዛዕባ እቲ ርኽበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ፕሮፌሰር (ኣሚያ) ማዛር፡ እዚ ቦታ እዚ፡ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ጥንታዊ ቐረባ ምብራቕ ብስነ-ጥንታዊ ፍሕረት ካብ እተረኽበ ዘበለ፡ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ መንህብ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። እቲ መንህብ እቲ፡ ካብ 10ይ ክሳዕ መጀመርታ 9ይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ እዩ” በለ።

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ልዕሊ 30 ቖፎ ንህቢ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ረኺቦም እዮም፣ ኣብቲ ቦታ ብድምር 100 ዚኸውን ቆፎ ንህቢ ኸም ዝነበረ ድማ ገመቱ። ኣብቲ ቖፎታት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣካላት ንህብን ሞለክዩላት ስምዕን ረኺቦም እዮም። ምሁራት፡ “ካብዚ ቖፎታት እዚ፡ ኣብ ዓመት ዳርጋ ፍርቂ ቶን መዓር ኪብርበር ይኽእል ከም ዝነበረ” ገሚቶም እዮም።

ብግዜ ጥንቲ፡ መዓር ከም ምግቢ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ፣ ስምዒ ድማ ኣብ ምስራሕ ብረትን ቈርበትን ይውዕል ነይሩ እዩ። ንሉሕ ብስምዒ ለኽዮም እውን፡ ከም ሰሌዳ ጽሕፈት ገይሮም ይጥቀምሉ ነበሩ፣ ነቲ ሰሌዳ እንደገና ኺጥቀምሉ ምስ ዚደልዩ ኸኣ ነቲ ስምዒ የምክኽዎ ነበሩ። እቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ካብዚ ርኽበት እዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጺሖም፧

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኸምዚ ተባህለ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ መፍረ ንህቢ ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ ቴል ረሆቭ ብፍሕረት እተረኽበ መንህብ፡ ካብቲ እታ ቐዳመይቲ ቤተ መቕደስ [ሰሎሞን] እተሃነጸትሉ እዋን ኣትሒዙ፡ መፍረ ንህብን ብርበራ መዓርን ስፈ ንህብን ኣዝዩ ዝማዕበለ ኢንዱስትሪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘መዓር’ ኪብል ከሎ፡ ነቲ ኻብ ንህቢ ዚርከብ መዓር ኬመልክት ይኽእል እዩ።”

[ስእሊ 15 ዘሎ ስእሊ]

Institute of Archaeology/Hebrew University © Tel Rehov Excavations

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ