መዓር ምቁር ፈውሲ
ገለ ተመራመርቲ ሕክምና: መዓር ጸረ-ረኽስን ጸረ-ነድርን ብምዃኑ ዝያዳ ኣቓልቦ ይህብዎ ኣለዉ። ኣብ ካናዳ እትሕተም ዘ ግሎብ ኤንድ መይል ዘርእስታ ጋዜጣ ‘ገሊኣቶም ነፍሳት መድሃኒት ስለ ዝጻወሩ ብርቱዕ ዓይነት መድሃኒት እኳ ኣየጥፍኦምን ኢዩ: መዓር ግን እንተ ወሓደ ንገሊኣቶም ካብ ቍስሊ የጥፍኦም ኢዩ’ በለት።
መዓር ፈዋሲ ክኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ኣብታ ጽገ እትቐስም ሰራሕተኛ ንህቢ ኢዩ ዝርከብ። ምራቕ እታ ንህቢ ግሉኮስ-ኦክሲደዝ ዝበሃል ነቲ ኣብ ጽገ ዝርከብ ግሉኮስ ወይ ሽኮር ዘሕቅቖ ኤንዛይም ኣለዋ። እዚ መስርሕ ክካየድ ከሎ ሃይድሮጅን ፔሮክሳይድ ዝበሃል ተወሳኺ ነገር እውን ይፍጠር: እዚ ኸኣ ብልምዲ ቍስሊ ንምጽራይ ኢዩ ዘገልግል። መብዛሕትኡ ግዜ ሃይድሮጅን ፔሮክሳይድ ኣብ ቍስሊ ዘለዎ ናይ ምፍዋስ ባህሪ ንነዊሕ እዋን ኣይጸንሕን ኢዩ፣ ኣብ መዓር ግን ካብዚ እተፈልየ ኢዩ። ጋዜጣ ግሎብ “መዓር ኣብ ቍስሊ ምስ ገበርካዮ በቲ ኣብ ኣካላት ዘሎ ፈሳሲ ይብረዝ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣሲድነት ናይቲ መዓር ይቕንሶ” በለት። እቲ ኤንዛይም ምስዚ ብዙሕ ኣሲድ ዘይብሉ መዓር ከሚካላዊ ምውህሃድ ይገብር። እቲ ኣብ መዓር ዘሎ ሽኮር ከኣ ቀስ እናበለ ይሓቅቕ። እዚ መስርሕ እዚ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ባክተርያ ክቐትል ዝኽእል ግን ከኣ ነቲ ኣካሊት ዘይጐድእ ሃይድሮጅን ፔሮክሳይድ በብቕሩብ ከም ዝፍጠር ይገብር።
ብመሰረት ጋዜጣ ግሎብ መዓር ቍስሊ ኣብ ምሕዋይ ዝሕግዝ ሓያሎ ባህርያት ኣለዎ። “ንቝስልኻ መዓር ከየብዛሕካ ምስ እትለኽዮ ነቲ ቈርበት ዝከላኸል ጠሊ ስለ ዝህልዎ: ዝነቐጸ ቅርፍቲ ናይ ቍስሊ ከይፍጠር ይከላኸል ኢዩ። መዓር ሓድሽ ናይ ደም ሰራውር ንኽዓብን ንኽስራሕን የለዓዕል: ነቶም ሓድሽ ቈርበት ዝሰርሑ ዋህዮታት ከኣ የነቓቕሖም።” ብዘይዚውን “ሕበጥ ዝቕንስ: ዑደት ደም ዘመሓይሽ: ነቲ ቝስሊ ኸኣ ንኸይነዝዕ” ዝሕግዝ ጸረ-ነድሪ ኣለዎ።
እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “እንተዀነ ግን: መዓር ንዅሉ ሰብ ይፍውስ ኢዩ ማለት ኣይኰነን” ብምባል ኣጠንቀቐ። ከመይሲ ክሳዕ 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ክምርዝ ዝኽእል ባእታ ኸም ዘለዎ ይግመት ኢዩ። ኣብ ካናዳ ዝርከብ ብዛዕባ ምምራዝ መግቢ ዘጽንዕ ትካልን ማሕበር ስነ-ሕክምና ቘልዑን ካብ ደቂ ሓደ ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ሕጻናት መዓር እንተ ዘይበልዑ ኸም ዝሓይሽ ይገልጹ ኢዮም። ምኽንያቱ ኸኣ “ዕሸላት እኹል መጠን ናይቲ ኣብ መዓናጡ ዝርከብ ካብ ባክተርያ ዝከላኸለሎም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ነፍሳት የብሎምን።”