መወዳእታ ኪቐርብ ከሎ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
“ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር [“ብየሆዋ፡” NW] ተማሕጸኑ።”—ኢሳ. 26:4።
1. ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ኻልኦት ሰባትን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት፡ ብዙሕ ሳዕ ስለ እተጐድኡ ወይ ዜጕሂ ነገራት ስለ ዘጋጠሞም፡ ንመን ወይ እንታይ ከም ዚኣምኑ ሓርቢትዎም እዩ ዘሎ። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ዀን እዮም! ብጥበብ ኣምላኽ ስለ ዚምርሑ፡ ኣብዛ ዓለም ወይ ኣብ ‘መሳፍንታ’ ኺውከሉ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ እዮም። (መዝ. 146:3) የግዳስ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮምን ወትሩ ቓሉ ኸም ዚሕሉን ስለ ዚፈልጡ፡ ብዛዕባ ህይወቶምን መጻኢኦምን ኣብኡ እዮም ዚውከሉ።—ሮሜ 3:4፣ 8:38, 39።
2. እያሱ ኣብ ኣምላኽ ክንተኣማመን ከም እንኽእል ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧
2 እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ እያሱ፡ ኣብ ኣምላኽ ክንተኣማመን ከም እንኽእል መስኪሩ እዩ። ኣብ ግዜ እርጋኑ ንእስራኤላውያን ብጾቱ፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም።—እያ. 23:14።
3. ስም ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይገልጽ፧
3 የሆዋ ንኣገልገልቱ ስለ ዜፍቅሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ምእንቲ እቲ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ዝትርጕሙ ስሙ ኢሉ መብጽዓታቱ ይፍጽም እዩ። (ዘጸ. 3:14፡ NW፣ 1 ሳሙ. 12:22) እቲ ብጆሴፍ ብራያንት ሮተርሃም እተዳለወ ዘ ኤምፋሳይዝድ ባይብል፡ ኣብ መእተዊኡ ብዛዕባ መለኮታዊ ስም ኪገልጽ ከሎ፡ “ልዕሊ ዅሉ ጸጋ ዜምጽእ መብጽዓ እዩ፣ ኣምላኽ ምስ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ጸገማት፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ዚለዓል ኣድላዪ ነገራት ኪወሃሃድ ምኽኣሉ፡ . . . መብጽዓ . . . ግልጸት፡ መዘከርታ፡ ውሕስነት ይኸውን እዩ። ኣምላኽ ነዚ ስሙ እዚ ንሓዋሩ እሙን ኪኸውን እዩ፣ ብእኡ ኸቶ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል።
4. (ሀ) ኢሳይያስ 26:4 እንታይ ክንገብር እያ እተተባብዓና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
4 ንርእስኻ፡ ‘ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽውከል ዜኽእል ፍልጠት ድዩ ዘሎኒ፧ ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ከም ዚቈጻጸሮ ብምፍላጥ፡ ብዛዕባ መጻኢ ምትእምማን ኣሎኒዶ፧’ ኢልካ ሕተት። ኢሳይያስ 26:4፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር [“ብየሆዋ፡” NW] ተማሕጸኑ” ትብል። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበሮ፡ ኣብ ህይወት ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ ኢዱ ኣየእቱን እዩ። ኰይኑ ግን፡ “ናይ ዘለኣለም ከውሒ” ኸም ምዃኑ መጠን፡ “ንዘለኣለም” ኣብኡ ኽንምሕጸን ወይ ክንውከል ንኽእል ኢና። እሞኸ እቲ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል ኣምላኽ፡ ሎሚ ንእሙናት ኣምለኽቱ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ዚገብረሉ ሰለስተ መገዲ እስከ ንመርምር። ፈተናታት ንምጽዋር ሓገዙ ኽንደሊ ኸለና፡ የበራትዓና፣ ዘይተገዳስነት ወይ ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ይድግፈና፣ ብጭንቀት ክንወሓጥ ከለና፡ የተባብዓና እዩ። ነዚ ሰለስተ መገዲ ኽንምርምር ከለና፡ ኣብ የሆዋ ንዘሎና ትውክልቲ ብኸመይ ከነደልድል ከም እንኽእል ነስተንትን።
ጌጋ ንኽትገብር ክትፍተን ከለኻ፡ ኣብ ኣምላኽ ተወከል
5. ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ብምግባር ዝመጸ፡ ፈታኒ ኪዀነና ዚኽእል መዓስ እዩ፧
5 ነቲ ሃንቀው ኢልና እንጽበዮ ብዛዕባ ገነትን ትንሳኤን ዚገልጽ ተስፋ ብዚምልከት፡ ኣብ የሆዋ ምውካልና ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ኣብ የሆዋ ምውካል፡ ማለት ንመገድታቱን ንመለክዒታቱን ምእዛዝና ቕኑዕ ከም ዝዀነን ሓጐስ ከም ዜምጽእን ምእማን ዝኸበደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ መዓደ። (ምሳ. 3:5, 6) ነተን “መገድኻ”ን “ኣኻይዳኻ”ን ዚብላ ቓላት እሞ ነተኵረለን። ኣብቲ ክርስትያናዊ ተስፋና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ከነርኢ ኣሎና። እሞኸ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6. ክፉእ ሓሳባት ንኽንነጽግ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧
6 ካብ ክፉእ ምርሓቕ፡ ኣብ ኣተሓሳስባና እዩ ዚጅምር። (ሮሜ 8:5፣ ኤፌሶን 2:3 ኣንብብ።) እሞኸ ኽፉእ ሓሳባት ንኽትነጽግ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧ ሓሙሽተ መገዲ እስከ ንርአ። 1. ብጸሎት ኣቢልካ ሓገዝ ኣምላኽ ድለ። (ማቴ. 6:9, 13) 2. ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዝሰምዕዎን ዘይሰምዕዎን ሰባት ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣብነታት ኣስተንትን። እንታይ ከም ዘጋጠሞም ድማ ኣስተብህል።a (1 ቈረ. 10:8-11) 3. ሓጢኣት ኣባኻን ኣብቶም እትፈትዎም ሰባትን ኬስዕቦ ብዛዕባ ዚኽእል ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጕድኣት ሕሰብ። 4. ኣምላኽ፡ ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኸቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽም እንታይ ከም ዚስምዖ ኣስተንትን። (መዝሙር 78:40, 41 ኣንብብ።) 5. ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜምልኹ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኰነ በይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን፡ ንእከይ ነጺጎም ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ልቢ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (መዝ. 15:1, 2፣ ምሳ. 27:11) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።
ዘይተገዳስነትን ምጽራርን ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ ኣምላኽ ተወከል
7. ኤርምያስ እንታይ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ሓድሓደ እዋንከ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧
7 ብዙሓት ኣሕዋትና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኽልታት እዮም ዜገልግሉ። ነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን እቲ ብዕግርግር መሊኡ ዝነበረ መንግስቲ ይሁዳ እዩ ኣገልጊሉ። መልእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ እዙዝ ኰይኑ ይእውጅ ስለ ዝነበረ፡ መዓልታዊ ናይ እምነት ፈተና የጋጥሞ ነበረ። ሓደ እዋን፡ እቲ እሙን ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩኽ፡ ከም ዝደኸመ ገሊጹ እዩ። (ኤር. 45:2, 3) እሞኸ ኤርምያስ በዚ ተስፋ ቘሪጹዶ፧ ብርግጽ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ይጭነቕ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ “እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን። . . . ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፡ ዕለተይ ከኣ ብሓፍረት ክውድእከ ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጻእኩ፧” በለ።—ኤር. 20:14, 15, 18።
8, 9. ምስቲ ኣብ ኤርምያስ 17:7, 8 ከምኡውን መዝሙር 1:1-3 ዚርከብ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ ጽቡቕ ፍረ ብዝያዳ ንኽንፈሪ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
8 ይኹን እምበር፡ ኤርምያስ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ የሆዋ ብቐጻሊ ይውከል ነይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ የሆዋ እተዛረቦ ኣብ ኤርምያስ 17:7, 8 ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ኪፍጸም ከሎ ርእዩ እዩ። “ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል፡ ትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይተቋርጽን።”
9 ኤርምያስ፡ ከምታ “ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት” ወይ ፍረታት ኣብ ዚበቝለሉ መሬት ዘላ ብዙሕ ፍረ እትህብ ኦም ስለ ዝነበረ፡ ‘ካብ ምፍራይ ኣይቋረጸን።’ በቶም እኩያት መላገጽቲ ኺጽሎ ኣይፈቐደን። የግዳስ፡ ምስቲ ምንጪ “ማይ” ህይወት ለገበ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝነገሮ ነገራት ድማ ኣብ ልቡ ኣሕደሮ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ፣ ኤር. 20:9) ኤርምያስ ንዓና፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ ንኣምላኽ ዜገልግሉ ክርስትያናት፡ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉ! ንስኻ እውን ከም ናይ ኤርምያስ ዝዓይነቱ ዅነታት የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል፣ ንሱ ኸኣ፡ “ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ከተቕርብ ከለኻ፡ ኬጽንዓካ እዩ።—እብ. 13:15።
10. እንታይ በረኸት ኢና ረኺብና ዘለና፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧
10 የሆዋ ኣብዚ መወዳእታ መዓልትታት ንዜጋጥመና ጸገማት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኢሉ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ነገራት ሂቡና ኣሎ። ሓደ ኻብዚ፡ እቲ ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት ብልክዕ እተተርጐመ እተማልአ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ኸኣ፡ እዋናዊ ዝዀነ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና ኣሎ። ብዘይካዚ፡ በቶም ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት እንረኽቦም ኣሕዋትና ኣቢሉ፡ ደገፍ ብጾትና ኸም እንረክብ ገይሩ እዩ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ብዚግባእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ እቶም ነዚ ዚጥቀምሉ ዅሎም፡ “ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ” እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ንኣምላኽ ዘይሰምዑ፡ ‘ብጓሂ ልቢ ኺግዕሩ፡ መንፈሶም ስለ እተሰባበረ ኸኣ፡ ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።’—ኢሳ. 65:13, 14።
ክትጭነቕ ከለኻ፡ ኣብ ኣምላኽ ተወከል
11, 12. ኣብዛ ዓለም ዜጋጥም ጸገማት እናበኣሰ ኣብ ዚኸደሉ እዋን፡ እንታይ ምስ እንገብር እዩ ናይ ሓቂ ጥበባዊ ስጕምቲ ዚኸውን፧
11 ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚወርድ ዘሎ መዓት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። (ማቴ. 24:6-8፣ ራእ. 12:12) ምዕልቕላቕ ማይ እንተ ኣጋጢሙ፡ ናብ በሪኽ ቦታ ወይ ናብ ናሕሲ ኣባይቲ ኢኻ እትድይብ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዛ ዓለም ዜጋጥም ጸገማት እናበኣሰ ኪኸይድ ከሎ፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብተን ኣብ በሪኽ ቦታ ኸም ዘለዋ ዚመስላ ገንዘባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወይ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ከምኡውን ኣብ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ዕቝባ ኺረኽቡ ይደልዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ ናይ ሓቂ ውሕስነት ኣይከውንን እዩ። (ኤር. 17:5, 6) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ “ናይ ዘለኣለም ከውሒ” ዝዀነ ዜተኣማምን ዕቝባ ኣለዎም። (ኢሳ. 26:4) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ [የሆዋ] ጥራይ እዩ” በለ። (መዝሙር 62:6-9 ኣንብብ።) እሞኸ ነዚ ኸውሒ እዚ መዕቈቢና ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ናብ የሆዋ ኽንለግብ እንኽእል፡ ነቲ ኻብ ሰብኣዊ ጥበብ ዚበልጽ ቃሉ ምስ እንሰምዕ እዩ። (መዝ. 73:23, 24) ብሰብኣዊ ጥበብ እተጸልዉ ሰባት፡ ‘ህይወት ስለ ዘይትድገም፡ ጽቡቕ ጌርካ ኣስተማቕራ፣’ ‘ጽቡቕ ስራሕ ኪህልወካ ጽዓር፣’ ‘ብዙሕ ገንዘብ ኣክብ፣’ ‘እዚ ዓድግ፡ እቲ እውን ድገም፣’ ‘እናዞርካ ዓለምካ ርአ’ ይብሉ ይዀኑ። ኣምላኻዊ ጥበብ ግን፡ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ዚብል ምኽሪ እዩ ዚህበና። (1 ቈረ. 7:31) የሱስ እውን፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ዝዀነ ቦታ፡ ማለት ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ’ ክንገብር ኣተባቢዑና ኣሎ።—ማቴ. 6:19, 20።
13. ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ዚርከብ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧
13 ብዛዕባ “ዓለም” ኰነ ብዛዕባ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ዘሎካ ኣመለኻኽታ፡ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም እትውከል ዜርኢ ድዩ፧ (1 ዮሃ. 2:15-17) ካብቲ ዓለም እተቕርቦ ብዝያዳ፡ መንፈሳዊ ብልጽግናን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እትረኽቦ ፍሉይ መሰላትን ዲኻ ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርካ እትርእዮ፧ (ፊል. 3:8) ‘ንዓይንኻ ጥዕይቲ’ ኽትገብራ ትጽዕር ዲኻ፧ (ማቴ. 6:22) ልክዕ እዩ፡ ምናዳ እትኣልዮም ስድራ እንተ ኣልዮምኻ፡ ኣምላኽ፡ ዘይትግደስ ወይ ሓላፍነት ዘይስምዓካ ኽትከውን ኣይደልየካን እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ፡ ኣገልገልቱ ኣብዛ ናብ ጥፍኣት ገጻ እትኸይድ ዘላ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ኪውከሉ ትጽቢት ይገብር እዩ።—እብ. 13:5።
14-16. ገሊኦም ሰባት፡ ‘ዓይኖም ጥዕይቲ’ ኺገብሩ ብምጽዓሮምን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃቦምን እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧
14 ሪቻርድን ሩትን ዚበሃሉ ሰለስተ ቘልዑ ዘለውዎም ወለዲ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ሪቻርድ ከምዚ በለ፦ “ንየሆዋ ብዙሕ ክገብር ከም ዝኽእል ልበይ ይነግረኒ ነይሩ እዩ። ምሹእ ናብራ እኳ እንተ ነበረኒ፡ ንየሆዋ ኻብ ተረፈይ ዝህቦ ዘለኹ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ኣነን ሩትን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ድሕሪ ምጽላይናን ወጻኢታትና ድሕሪ ምጽብጻብናን፡ ዋላ እኳ እታ እንነብረላ ሃገር ኣብ ዓሚቝ ቝጠባዊ ቕልውላው ተሸሚማ እንተ ነበረት፡ ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ሰሙን ናብ ኣርባዕተ መዓልቲ ኽንኪ፡ ንሓለቓይ ክሓቶ ተሰማማዕና። ሕቶይ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ በቲ ሓድሽ መደብ ክሰርሕ ጀመርኩ።” እሞኸ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሪቻርድ ከመይ ይስምዖ ኣሎ፧
15 ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብ20 ሚእታዊት ዝወሓደ ደሞዝ ዚኽፈለኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ዝዀነሉን ንደቀይ ዜሰልጥነሉን ኣብ ዓመት ተወሳኺ 50 መዓልቲ ኽረክብ ክኢለ እየ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘሕልፎ ሰዓታት ዕጽፊ ኽገብሮ፡ ቍጽሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሎም ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ኸዛይዶ፡ ኣብ ጉባኤ ኸኣ መሪሕ ግደ ኽጻወት ክኢለ እየ። ምስ ደቀይ ዝያዳ ግዜ ኸሕልፍ ስለ ዝኸኣልኩ ድማ፡ ሩት በብእዋኑ ሓጋዚት ፈላሚት ክትከውን ክኢላ እያ። ብዝከኣለኒ መጠን፡ ነዚ መደብ ስራሕ እዚ ኽዕቅቦ ቘሪጸ እየ።”
16 ሮይን ፐቲናን ዚበሃሉ ምስኦም እትነብር ጓል ዘላቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺካፈሉ፡ ነቲ ኣብ ዓለማዊ ስራሖም ዜሕልፍዎ ግዜ ኺንክዩ ኽኢሎም እዮም። ሮይ ከምዚ በለ፦ “ኣነ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ እየ ዝሰርሕ፡ ፐቲና ኸኣ ክልተ መዓልቲ እያ እትሰርሕ። ብዘይካዚ፡ ካብ ሰፊሕ ቤት ናብ ኣፓርታማ ገዓዝና፣ እዚ ኸኣ ስድራና ንምእላይ ዝያዳ ቐሊል ገበሮ። ወድን ጓልን ቅድሚ ምውላድና ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ነበርና፣ ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ፈላሚ ናይ ምዃን ባህግና ፈጺምና ኣየጥፋእናዮን። ስለዚ፡ ደቅና ምስ ዓበዩ፡ እንደገና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀንና። ብገንዘብ ኪትመን ዘይክእል በረኸት ረኺብና ኢና።”
“ሰላም ኣምላኽ” ንልብኻ ይሓልዎ
17. ጽባሕ እንታይ ከም እትኸውን ስግኣት ኪሓድረካ ኸሎ፡ ኣየናይ ጥቕስታት ኬጸናንዓካ ይኽእል፧
17 ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ስለ ዚመጸና፡ ጽባሕ እንታይ ከም እንኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። (መክ. 9:11) ይኹን እምበር፡ ከምቶም ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ብምምስራት ዚርከብ ድሕንነት ዘይብሎም ሰባት ስለ ዘይኰንና፡ ጽባሕ እንታይ ከም እንኸውን ዘይምፍላጥና ንሰላምና ኣይሰርቆን እዩ። (ማቴ. 6:34) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 4:6, 7።
18, 19. ኣምላኽ ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧ ግለጽ።
18 የሆዋ፡ ፈታኒ ዅነታት ንዘጋጠሞም ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ሰላምን ሂብዎም እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “እቲ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም፡ ደም ንኽወስድ የፈራርሃኒ ነበረ። ናባይ ኣብ ዚመጸሉ እዋን ፈለማ ዚዛረበን ቃላት፡ ‘ደም ኣይወስድን ዚብልዎ ዘረባኸ እንታይ እዩ፧’ ዚብላ ነበራ። ኣብቲ እዋን እቲ ዀነ ኣብ ካልእ እዋናት፡ ብልበይ ናብ የሆዋ እጽሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ሰላም ኣምላኽ ረኺበ እየ። ከም ከውሒ ዝደልደልኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ብሰንኪ ዋሕዲ ደም ደኺመ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባ መትከለይ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ከቕርብ ክኢለ እየ።”
19 ኣምላኽ ብዜጸናንዑና ኣመንቲ ብጾትና ወይ ኣብ ግቡእ ግዜ ብዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ ኣቢሉ፡ ዜድልየና ሓገዝ ኪህበና ይኽእል እዩ። ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ፡ “እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓይ ተባሂላ እያ ተዳልያ” ኺብሉ ሰሚዕኻ ትኸውን። እወ፡ ኵነታትና ወይ ዜድልየና ነገራት ብዘየገድስ፡ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ንሱ ፍቕሩ ኼርእየና እዩ። ከመይሲ፡ ‘ኣባጊዑ’ ኢና፣ ስሙ ኸም እንጸውር እውን ገይሩ እዩ።—መዝ. 100:3፣ ዮሃ. 10:16፣ ግብ. 15:14, 17።
20. መወዳእታ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ብደሓን ዚነብሩ ስለምንታይ እዮም፧
20 ኣብታ ብቕልጡፍ እናቐረበት እትመጽእ ዘላ “መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፡” ኵሉ እቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ትውክልቲ እትገብረሉ ነገራት ኪድምሰስ እዩ። ወርቅን ብሩርን ሃብትን ዋሕስ ኣይኪኸውንን እዩ። (ጸፎ. 1:18፣ ምሳ. 11:4) ዕቝባ ኪዀነና ዚኽእል፡ እቲ “ናይ ዘለኣለም ከውሒ” ጥራይ እዩ። (ኢሳ. 26:4) እምበኣር፡ እዙዛት ኴንና ብጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ብምምልላስ፡ ዘይተገዳስነትን ምጽራርን እናኣጋጠመና ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ፡ ንጭንቀትና እውን ኣብኡ ብምውዳቕ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እንውከል ነርኢ። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ‘ብደሓን ክንነብር፡ ንኽፉእ ከይፈራህና ኸኣ ክንሃድእ ኢና።’—ምሳ. 1:33።
[እግረ-ጽሑፍ]
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ኣብ ኣምላኽ ክንውከል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ጌጋ ንኽንገብር ክንፍተን ከለና
• ዘይተገዳስነት ወይ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ
• ክንጭነቕ ከለና
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስ ናብ ሓጐስ ይመርሕ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
‘የሆዋ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ’